እንቋዕ ናብ www.refu-tips.de መጻእኩም!

እዚ ገጽ እዚ ን ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድን ኣወዳትን ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ።

ይኹን ደኣምበር ብውሕዱ 13 ዕድመ ዘለካ/ ዘለኪ ክትከውን ኣለካ/ኪ ።

ካብ ሕጂ ጀሚርና ሓደስቲ ሓበሬታታት ቀጻሊ ክንህበኩም ኢና።

ኣብዚ መርበብ ኢንተርነትና ቀጻሊ ምጹና።

 

እዚ ሃገር ክትለምዶ ትደሊ ኢኻ።

ስለዚ ብመጀመርያ ሕግታት ክትፈልጦም ኣለካ።

ብተወሳኺ ውን ብዙሕ ነገራት ክትመሃሮም ኣለካ።

ንሕና ውን ኣብዚ ክንተሓባበረካ ኢና።

 

ምናልባት ከቢድናካ ከይንህሉ።

ምናልባት ውን ዘሕፍረካ ነገር ከይህሉ።

ዝኾነ ንሕና ዝጸሓፍናዮ።

ንዓኻ ከነሕርቕ ኢልና ኣይኮንናን።

ኣቐዲምና ውን ይቕሬታ ንሓትት።

ይኹን ደኣምበር እዞም ዘሕፍሩ ኣርእስትታት ውን ንኽትፈልጦም ኣገዳሲ እዩ።

 

ኣብዚ ሃገር ሕጉስን ውሑስ ሂወትን ክትመርሕ ኣለካ።

ነዚ ድማ ንሕና ዓጢቕናሉ ኣለና።

መሓዛይን ኣነን(ወዲ 16 ዓመት) መዓስ እየ ንስጋዊ ርክብ ክዳነይ ዘውጽኦ እንዳልና ንሓስብ ኢና?

እዚ ሕቶ ከቢድ እዩ ክትምልሶ።
ሰባት ዝተፈላለየ መንገዲ ስለዝጥቀሙ።
ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለየ ኣገባብ ይጥቀሙ።

ምስ ክዳንካ ሴክስ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ልዕሊ ክዳውንትኹም እንከለኹም ክትተናኸፉ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ስረ ምናልባሽ ትፈትሖ።
ምናልባሽ እቲ ክዳን ንላዕሊ ከተደይቦ ትኽእል።
ወይ ውን ነሓድሕድኩም ክዳውንትኹም ከተውጽእዎ ትኽእሉ ኢኹም።
መጀመርያ ላዕለዋይ ክዳን ደሓር ስረ።
ወይ በንጻሩ።
ወይ መጀመርያ ትደራረዙ እሞ ደሓር ክዳውንትኹም ተውጽእዎ።
በብሪጋ ናብ ባኞ ብምኻድ ክዳውንትኹም ከተውጽእዎ ትኽእሉ።

ሰብ በብናቱ ደስ ዝብሎ ኣሎ።
ክልቴኹም ትሰማምዕሉ ክኸውን ጥራይ ኣለዎ።
ድሌታትኩም ክትፈልጥዎን ክትግንዘብዎን ኣገዳሲ እዩ።
ስለዚ ኣብዚ እዋን እንታይ ከም ትደልዩ ምፍላጥ ኣለኩም።
ነሓድሕድኩም ተዛረቡ እንታይ ከም ትደልዩ።
ክዳውንቲ ከተውጽእ እንተዘይደሊኻ
ክትነግራ ጥራይ እዩ ዘድልየካ።

ኣነ (ጓል 15) ፍቕሪ ሒዙኒ። ብዙሕ ሕቶታት ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ ድማ ኣለኒ። ንመን ከም ዝሓቶ ከኣ ጠፊኡኒ። ስድራቤተይ ድማ ብዛዕባ እዚ ምፍላጥ ኣየድልየኪን‘ዩ ምኽንያቱ ስለዘይርዳኣኪ ይብሉኒ። እዚ ማለት ገለ ዝያዳ ግዜን ሓገዝን የድልየኒ ንኽርደኣኒ። መን ክሕግዘኒ ይኽእል?

ፍቕሪ ጽቡቕ ነገር እዩ።
ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ ምሕታት ከኣ ልሙድ ነገር እዩ።
ስጋዊ ርክብ ምስጢራዊ ነገር ስለዝኾነ።
እዚ ማለት: ንስኽን ነቲ ትኣምንዮን ሰብ ጥራይ ስለዝምልከት።
ምናልባሽ ወለድኺ ከይብለጹልኪ ገሊኦም ሻቕሎት ይህልዎም ይኸውን።
ስጋዊ ርክብ ግን መሰረታዊ መሰል ደቂሰባት እዩ።
ዝኾነ ሰብ ንሕቶታትኪ ክምልሰልኪ ከኣ መሰል ኣለኪ።

ምስ መን ብዛዕባ‘ዚ ክትዛረብሉ ከም ትኽእሊ ሕሰቢ ኢኺ?
ካብ ስድራቤትኪ ክኸውን ይኽእል።
ኣላዪ ወይ ኣላዪት ክኾኑ ይኽእሉ።
ዝኾነ መማህርትኺ ክትከውን ትኽእል።
ምናልባሽ ንሳቶም ክምልሱልኪ ይኽእሉ ይኾኑ።
ምናልባሽ መልሲ ኣይፈልጥዎን ይኾኑ።

ኣብ ናይ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈት ኬድኪ ብነጻ ሓበሬታ ክትረኽቢ ትኽእሊ።
ወይ ብተሌፎን ወይ ብኣካል ምኻድ ይከኣል።
ነቶም ሕቶታትኪ ክምልሹልኪ ይክእሉ እዮም።
ቅድሚ ምኻድኪ እቶም ሕቶታትኪ ጽሓፍዮም።
መታን ከይትርስዕዮ።
ኣብዚ ሊስታ ናይ ኣማኸርቲ ትካላት ትረኽቢ፡
https://www.profamilia.de/themen/sexualitaet-und-behinderung.html
ኣብቲ ቀይሕ ጽሑፍ „NÜTZLICHE ADRESSEN“ ዝብል ጠውቒ።

ኣነ (ወዲ 16) ዓርኪ ሒዘ ኣለኹ። ብጣዕሚ ኢና ንፋቐር ደሓር ከኣ ክንቀራረብ እንከለና ደስ እዩ ዝብለና። ሕጂ ግና ስጋዊ ርክብ ክንፍጽም ደሊና። ብኸመይ ክንገብር ንኽእል? መትሎ ብኸመይ ናብታ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ክኣቱ ይኽእል?

ዘይርግጸኛታት ምዃንኩም ንቡር ነገር እዩ።
ምኽንያቱ ክሳብ ሕጂ ስጋዊ ርክብ ስለዘይፈጸምኩም።
ናይ መጀመርያ እዋን ንብዙሓት ሰባት ቀሊል ኣይኮነን።
ቀጻሊ ስጋዊ ርክብ ምስ ጀመርኩም ክቐልል እዩ።
ኣካላታኩም ነሓድሕድኩም ብዝያዳ ክትላለይዎ ስለዝኾንኩም።
ነሓድሕድኩም ብዙሕ ተመክሮ ከድልየኩም እዩ።

ነሓድሕድኩም ክትደራረዙ እንከለኹም፡ ኣካላትኩም ብዝያዳ ክትላለይዎ ኢኹም።
እቲ ብልዕታ ተናኺፍካ ኣበይ ከምዘሎ ክፍለጠካ ይኽእል እዩ።
ብጥንቃቐ ኣጻብዕትኻ ኣብ ብልዕታ ከተእትዎ ትኽእል ኢኻ።
ዓርክኻ ከኣ ንመትሎኻ ክትደርዞ ትኽእል እያ።
ባዕላ እውን ንመትሎኻ ናብ ብልዕታ ክትሶኽዖ ትኽእል እያ።
ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ነሓድሕድኩም ክትመያየጡ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ኣገዳሲ ነገር: ሴክስ ደስ እናበለኹም ክኸውን ኣለዎ።
የቐንዝወኒ ኣሎ እንተ ኢላትካ
ከተቋርጾ ኣለካ።
ስምዒታት ስጋዊ ርክባትኩብ ብዝያዳ ክትላለይዎ ግዜ ዘድልዮ ነገራት እዩ።
ንድሕሪ ቅሩብ እዋን ክትሰምሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ሓወይ ምስ ኣወዳት ስጋዊ ርክብ ገይረ ኢሉኒ። ኣነ (ወዲ 15 ዓመት) ክርደኣኒ ኣይከኣለን። እዚ ደስ ዘብል ነገር ድዩ?

እወ ደስ ዘብል ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሴክስ ኣብ መንጎ ወድን ጓልን ደስ ዘብል ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሴክስ ኣብ መንጎ ክልተ ኣወዳት እውን ደስ ከብል ይኽእል እዩ።
ሴክስ ኣብ መንጎ ኣዋልድ እውን ደስ ዘብል ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዝተፈላለዩ ዓይነት ሴክስ እዩ ዘሎ።

ኩሉ ሰብ „ስምዒታዊ ቦታ“ ኣብ ኣካላቱ ኣለዎ።
„ስምዒታዊ ቦታ“ ማለት ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ማለት‘ዩ።
ኣብ እዋን ሴክስ ድማ ስምዒት ዘላዕሉ ክፋል ኣካላትና እዮም።

ሓደ ካብቶም ኣካላት እምበኣር „ፕሮስታታ“ ይበሃል።
ፕሮስታታ ሓደ ክፋል ናይ ኣካላትና እዩ።
ብደገ ዝረአ ነገር ግን ኣይኮነን።
እቲ ፕሮስታታ ኣብ መቐመጫ ብዝግበር ምንቅስቓስ ይትንከፍ እዩ።
ንኣብነት ክልተ ኣወዳት ብመቐመጫ ስጋዊ ርክብ ምስ ዝገብሩ።
ናይ መቐመጫ ስጋዊ ርክብ ክበሃል እንከሎ‘ምበኣር:
ሓደ ወዲ መትሎኡ ናብ መቐመጫ ናይቲ ሓደ ወዲ ከእትዎ እንከሎ‘ዩ።
ከምዚ ዓይነት ስጋዊ ርክብ ንክልቲኦም ዘደስት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ካልኦት „ስምዒታውያን ኣካላት“ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ:
መላእ መትሎ፡ ፍረ-ነብሲ፡ ሓምሓም ጡብ ወይ እንግደዓ እዮም።
ስለዚ ብዙሓት ካብዞም „ስምዒታውያን ቦታታት“ ብምቹእ ኣገባብ ተተናኺፎም፡ ስጋዊ ርክብ መሳጢ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣነ (ወዲ 16) ሎሚ ምስ ዓርከይ ስጋዊ ርክብ እናገበርኩ መትሎይ ጎዲኤዮ። ተቖጽዩ ጥራይ ዘይኮነ ቃዕ ኢሉ‘ውን። ሕጂ ሓቢጡ ሰመያዊ ሕብሪ ገይሩ ድማ ኣሎ። ከቐንዝው ድማ መዓት። ክስበር ይኽእል ድዩ?

ኣብ መትሎ ወዲ ተባዕታይ ዓጽሚ የሎን።
ስለዚ ዓጽሚ ክስበር ኣይክእልን እዩ።
ብዙሕ ግዜ ኣየጋጥምን እዩ።
ኮይኑ ግን: መትሎኻ ከቢድ መጉዳእቲ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት መጉዳእቲ እምበኣር:
መትሎ ተሰይሩ ይበሃል‘ዩ ከም ልሙድ።

ስለዚ ብቕልጡፍ ናብ ሓኪም ክትከይድ ኣለካ።
ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረዲኤት የድልይ እዩ።
ምናልባሽ ቅዳዳት ኣብ ውሽጢ መትሎ ኣጋጢሙ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኮምኡ ተኾይኑ መጥባሕቲ ክግበር ኣለዎ።

ስለዚ ናብ ሓኪም ምኻድ ኣይትዶናገ።
ናብ ዩሮሎጂ ሓኪም ምኻድ ኣለካ።
ወይ ከኣ ናብ ህጹጽ ሕክምና ሆስፒታል።
መትሎይ ብኸቢድ ተጎዲኤ በሎም።
ዘሕፍር ነገር ኣይኮነን።
ብኸመይ ኣጋጢሙ ምንጋር ኣየድልይን እዩ።
ንጥዕናኻ ኣገዳሲ እዩ።
ሕክምና እንተዘይኬድካ ከኣ ንኹሉ ግዜ ክጉዳእ ይኽእል እዩ መትሎኻ።

ዓርከይ (ወዲ 16 ዓመት) ከም ዝነገረኒ: ክልተ ደቂ ክላሰይ ኣዋልድ ስኒ ተጻሚደን። ክልቲኤን ስጋዊ ርክብ ንሓድሕደን እንተፈጸማ‘ውን ድንግልነአን ኣይፈርስን እዩ ኢሉኒ።

ኣይፋሉን፡ ይፈርስ እምበር።
„ድንግልና ምፍራስ“ ንቡዝሓት ሰባት ከም:
ሓንቲ ሰብ ንመጀመርያ ስጋዊ ርክብ ምስ ትፍጽም።
እቲ መጻምዲ እንታይ ጾታ ኣለዎ ብዘየገድስ

„ሴክስ ምግባር“ ማለት ሲ:
መትሎ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ምእታው ጥራይ ማለት ኣይኮነን።
ሴክስ ብኣፍ ወይ በእዳው እውን ይግበር እዩ።
እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ነክልቲኦም እንታይ ደስ ይብሎም እዩ።
እቲ መጻምዲ ወዲ ድዩስ ጓል እያ ብዘየገድስ።

እዚ ማለት:
ዋላ ኣዋልድ‘ውን ድንግልነአን የፍርሳ እየን።
ዋላ‘ውን ወዲ ተባዕታይ ድንግልንኡ የፍርስ እዩ።
ንብዙሓት ሰባት እዚ ኣርእስቲ ኣገዳሲ እዩ።

ንቡዝሓት ናይ ዕብየት ምልክት እዩ።
ግን ዋላ ሰብ ሴክስ ኣይግበር፡ ክዓቢ እዩ።
ሓደ ሰብ ሴክስ ስለዝገበረ ጥራይ ዓብዩ ክበሃል ኣይከኣልን።

ኣነ ጓል 14 ዓመት ጓል እየ። መሓዙተይ ብዛዕባ G-punkte ይዛረባ። እንታይ እዩ እዚ? ኣነ‘ኸ ኣለኒ ድዩ?

እዚ „G-Punkt“ ሓደ ቦታ ኣብ ኣካላት ደቂ-ኣንስትዮ እዩ።
ኩለን ደቀንስትዮ ኣይኮናን ግን እዚ ዘለወን።
ካብ ኣቃውማ ኣካልት ናብ ኣቃውማ ኣካላት ይፍለ።

እቲ ነጥቢ ኣብ ውሽጢ ብልዕቲ ይርከብ።
ልዕል ኢሉ ኣብ ከባቢ ከብዲ ይርከብ።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ኣብ ኣፍደገ ብልዕቲ ይርከብ።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ኣብ ውሽጢ ይርከብ።
ከምዚ ሓርፋፍ ነገር ኮይኑ ይስመዓካ።
ዕብየቱ ከኣ ይፈላለይ እዩ።

እዚ „G-Punkt“ ዝበሃል እንተደሪዝካዮ:
ንገሊኤን ደስ ዘብል ስምዒት ይገድፈለን።
ገሊኤን ስምዒተን ክመጸን ይኽእል።
ገሊኤን ብዙሕ ኣይፍለጠንን ይኸውን።
ኩሉ ግና ንቡር ዝኾነ ነገራት እዩ!

ብዝበለጸ ግን: ኣካላትኪ ብዝያዳ ተፋልጥዮም።
ነዓኺ ደስ ዘብሉኺ ስምዒታት ፍለጥዮም።
ናይ ኩላተን ደቀንስትዮ ስለዝፈላለ።

ሓንቲ ጓል ንመጀመርያ ግዚኣ ሴክስ ክትፍጽም እንከላ፡ ካብ ሓደ ሊትሮ ንላዕሊ ደም ተፍስስ ድያ?

ኣይፋሉን፡ ከም ግቡእ ሓንቲ ጓል ክሳብ ክንድዚ ብዙሕ ደም ኣብ ፋልማይ ስጋዊ ርክባ ኣይተፍስስን እያ።
ሴክስ ክትብሊ እንከለኺ ሳጋዊ ርክብ ማለትኪ እንተኾይኑ
እዚ ማለት: እቲ መትሎ ወዲ ተባዕታ ኣብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ይኣቱ።

ገለ ኣዋልድ ‘‘ኣብ መጀመርያ‘‘ እቲ ናይ ድንግልና ረቂቕ ቆርበት ይቕደድ።
ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ሓበሬታ ትረኽቢ: https://refu-tips.de/en/i-14-year-old-had-my-period-last-week-i-used-a-tampon-and-i-suddenly-started-bleeding-heavily-i-am-afraid-i-may-have-damaged-my-hymen-what-can-i-do-now/
ናይ ገለ ኣዋልድ እቲ መናድቕ ናይ ብልዕቲ በቲ መትሎ ወዲ ተባዕታይ ይጉዳእ እዩ።
እዚ ማለት: ነኣጭቱ ጭንዳሓት ወይ ነቓዓት ኣብ ብልዕቲ የጋጥም።
ኣብ ብልዕቲ ክንብል ከለና ኣብ ውሽጢ ኣካላት ማለትና እዩ።
ከባቢ ፍርቂ ደቀንስትዮ ኣብዚ ዓለም ኣብ መጀመርያ ስጋዊ ርክብ ኣይደምያን እየን።

ሓንቲ ጓል ምስ ትደሚ:
ቁሩባት ነጠብጣብ ክኸውን ይኽእል።
መብዝሕትኡ ግዜ ድማ እዚ ሓደገኛ ኣይኮነን።
እቶን ነኣሽቱ ቅዳዳት ባዕሎም ክሓውዩ ይኽእሉ።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ንቑሩብ መዓልቲ ቀጻሊ ክደምዩ ይኽእሉ ብውሕድ ነጠብጣብ።
እዚ‘ውን ሓደገኛ ኣይኮነን።

ብዙሕ መድመይቲ እንተኮይኑ ግና:
እታ ጓል ናብ ሓኪም ክትከይድ ይግባእ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ መምህረይ፡ ስጋዊ ርክብ ምስጢርነት የድልዮ እዩ ኢላ ነይራ። ምስጢራውነት እንታይ ማለት እዩ? ኣብ ስጋዊ ርክብ እንታይ ዘራኽቦ ኣለዎ?

ምስጢራውነት ወይ „Intimität“ ከባድ ቃል እያ።
እዚ ማለት: ንሓደ ሰብ ክቱር እምነት ኣለኪ ማለት እዩ።
እቲ ሰብ ድማ ከምኡ እምነት ኣባኺ ኣለዎ።
ካብዚ ሰብ ትሓፍርሉ ነገር ዋላሓደ የለን።
ክልቴኹም በይንኹም ምስ ትህልዉ፡ ሕቡእኪ ከተርእይዮ ትኽእሊ

እዚ ኣብ መንጎ ፍቑራት ዝፍጠር ኮይኑ:
ኣዚኻ ምቅርራብ ማለት እዩ።
ዓይኒ ዓይንኻ ትጠማመት።
ቀስ ኢልካ ብትሑት ድምጺ ነሓድሕዳ ምዝርራብ።
ነሓድሕድካ ትተናኸፍን ትደራረዝን‘ውን።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ክልቴኻ ምስ ትደሊ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ትኽእል።

እዚ ግን ኩሉግዜ ከምኡ ይግበር ማለት ኣይኮነን።
ሓደ ሓደ እዋን ክትደራረዚ ጥራይ ትደልዪ ትኾኒ።
እዚ ማለት: ልሳብ ኣብዚኣ ዕግብቲ ኢኺ ካብኡ ንላዕሊ ምቕጻል‘ውን ኣይትደልዪን ትኾኒ።
ኣገዳሲ ነገር: ክልቴኹም ትደልይዎ ነገር ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።

ኣገዳሲ ሓበሬታ: ካልኦት ተወሰኽቲ ጽሑፋት ኣይክህልዉን እዮም።

ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ገጽ ብዙሕ ግዜ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ኣስፊርና ኔርና።
ብዙሓት ኣርእስትታት ኣልዒልና‘ውን ተዛሪብናሎም ኢና።
እቶም ዘልዓልናዮም ኣርእስትታት ንዓኻትኩም ኣገደስቲ ክኾኑ ተስፋ ንገብር።
ኣብዚ መርበብ ኢንተርነትና መጺእካ/ኪ ብምክትታልካ/ኪ ሕጉሳት ኢና!

ካብ ጥሪ 2019 ጀሚርና ግና ካልኦት ሓደስቲ ጽሑፋት ኣይክንገብርን ኢና።
እዚ መርበብ ኢንተርነት www.refu-tips.de ግና ኩሉ ግዜ ክህሉ እዩ።
እዚ ማለት: እቲ ጽሑፋት ኣብ ዝኾነ እዋን ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ገለ ገለ ዘይተመለሱልካ/ኪ ሕቶታት ገና ክህልው ይኽእሉ እዮም።
ንገለ ዓበይቲ ሰባት ክትሓትት ይከኣል እዩ።
ወይ እቶም ጽሑፋት ኣብ www.refu-tips.de ይሕግዙኻ/ኺ ይኾኑ።

ኣብ ናይ ኣማኸርቲ ትካላት እውን ምኻድ ይከኣል እዩ።
እንተ ጎነጽ ኣጋጢሙ፡ ብዛዕባ‘ዚ ዘማኽሩ ትካላት ኣለው።
ብዛዕባ ስጋዊ ርክብን ብዛዕባ ኣካላት ወዲ ሰብን ዘብርሁ ኣማኸርቲ ትካላት‘ውን ኣለዋ።
እዘን ኣማኸርቲ ኣብዚ ትረኽብዎም: https://www.hilfeportal-missbrauch.de/nc/adressen/hilfe-in-ihrer-naehe/kartensuche.html
ኣብቲ „PLZ/Ort…“ ዝብል ትቕመጥሉ ከተማ ጽሓፍሉ።
ኣብቲ „Alle Zielgruppen“ ንኣብነት ክንደይ ዕድመኻ/ኺ ምዃኑ ክትሕብር ይከኣል።
ብድሕሪኡ ኣብዚ „Suche starten“ ጠውቕ/ቒ።
ኣብኡ ድማ ክተሓባበሩ ዝኽእሉ ሰባት ክርከብ ይከኣል።