ሓወቦይ (ወዲ 14 ዓመት) ከም ዝበለኒ፡ እንተ ደኣ ኩሉግዜ ባዕለይ ስምዒተይ ዘርዊ ኮይነ፡ ክሓምም ይኽእል እየ። ኣነ ድማ እንተወሓደ ሓንሳብ ንመዓልቲ ይገብር እየ። ኣብ ጥዕናይ ጸገም ከምጽኣለይ ይኽእል ድዩ፧

እቲ ንስኻ ትገብሮ ንቡር ነገር እዩ።
ዋላ እውን ንመዓልቲ ብተደጋጋሚ ስምዒትካ እንተርወኻ ስለ ኸምኡ ዝገበርካ ክትሓምም ኣይትኽእልን ኢኻ።
ኣዋልድ እውን ልክዕ ከምኡ።

ሓደ ሓደ እዋን መናእሰያት ባዕላቶም ስምዒቶም ከየርውዩ ይኽልከሉ እዮም።
ከም ብሂል: ስምዒትካ ምርዋይ (ሴጋ) የሕምም ወይ ዓይኒ የዕውር ይበሃል።
እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ነዓኻ ከፈራርሑ ዝብልዎ እዩ።

ኣወዳት ስምዒቶም ኣብ ዘርውይሉ እዋን ላዕለዋይ ቆርበት መትልኦም በእዳዎም ንቕድሚትን ንድሕሪትን የብልዎ።
ወይ ድማ ርእሲ መትሎ ይፍሕፍሕዎ።
ኣዋልድ እውን ባዕለን ስምዒተን ከርውያ ይኽእላ እየን።
ንኣብነት ቅንጢር ብልዕተን እንዳ ደረዛ።
ቅንጢር ኩምር ዝበለ ስጋ ኣብ መንጎ ከናፍር ብልዕቲ ዝርከብ እዩ።

ስለዚ ነብስኻ ክትደርዝ እንከለኻ ስምዒት ስጋዊ ርክብ ወይ ድሌት ከም ዝህልወካ ትገብር ኣለኻ ማለት እዩ።
በዚ ኣገባብ ድማ እቲ ዝበለጸ ስምዒት ስጋዊ ርክብ ወይ ድማ ከተፍስስ ትኽእል።
ነብስኻ ዕጋበት ምሃብ ንቡር ተርእዮ ደቅሰባት እዩ።
ዓቢ ኹን መንእሰይ ብዘየገድስ።
ኣካላትካ በዚ መጠን ጽቡቕ ጌርካ ትላለዮ።
ኣየናይ ትንካፈ ኣካላትካ ደስ ከምዝብለካን ኣየናይ ዘይምቹእ ምዃኑን በዚ ኣገባብ ክትፈልጥ ትኽእል።
እዚ ተግባር ኣብ መጻኢ ንመጻምድትኻ ወይ መጻምድኻ ከተብርሃላ ወይ ከተብርሃሉ ትኽእል ኢኻ።
እዚ የሕምም ዘይኮነስ በንጻሩ የዛንይ ወይ የቕስን እዩ።