ኣብዚ ቀረባ እዋን (ወዲ 14 ዓመት) ኣብ ገጸይ ጸጉሪ ክቦቅለኒ ጀሚሩ። ድምጸይ ከኣ ከም ገለ ክኸውን ጀሚሩ። እዚ ከኣ የሕፍረኒ ኣሎ።

ሰውነትካ ይቀያየር ስለ ዘሎ ስክፍታታት ይገብረልካ ኣሎ።
እዚ ግን ንቡር ነገር እዩ። ትጉብዝ ኣለኻ ማለት እዩ።

ኣብ ሰውነትካ Sexual-Hormone ይፍጠሩ ኣለው።
እዞም ሆርሞናት ድማ ሓድሽ እዮም ንሰውነትካ።
እንታይ ለውጢ ሰውነትካ ክገብር ከም ዘለዎ ይሕብርዎ።
ሰውነትካ ናይ ጉብዝና ለውጢ ከም ዝገብር ይገብሩ።
እዚ ናይ ለውጢ ግዜ „Pubertät“ ወይ ጉብዝና ይበሃል።

ኣብ ቱሽቱሽካን ኣብ ከቢቢ መትሎኻን ጸጉሪ ክቦቅሉ ይጅምሩ።
ጭሕሚ ከተቡቅል ትጅምር እንተ ደሊኻ ድማ ክትላጽዮ ትኽእል ኢኻ።
ድምጽኻ ካብ ናይ ቆልዓ ናብ ናይ ዓቢ ድምጺ ክቅይር ይጅምር
ዘርኢ ከተፍስስ ትጅምር።
እዚ ማለት፡፡ካብ መትሎኻ ፈራዪ ዘርኢ ይወጽእ።
እዚ ለውጢ ግን ብሓደ ለይቲ ኣይኮነን ዝፍጠር፡ ግዜ ዝወስድ መስርሕ እዩ።
ብተወሳኺ ድማ: እቶም ሆርሞናት ስምዒታትካ ብዝያዳ ከም ዝፍለጠካ ይገብሩ።
ሓደ ሓደ እዋን ትሓዝን፡ ሓደ ሓደ እዋን ትሓርቅ፡ ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ኣዚኻ ሕጉስ ትኸውን።
እዚ ኩሉ ምስ ጉብዝና ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ምስ ዕብየት ዝቁጸር።
ኣብ ዝኾነ እዋን ድማ እቲ ናይ ስሚዒት ለውጥታት ቀስ ኢሉ ይረጋጋእ።