ኣብ ቤት ትምህርተይ ኣነ (ጓል 14 ዓመት) ካልኦት ኣዋልድ ብዛዕባ „HPV-ክታበት“ ክዛረባ ሰሚዐ። እንታይ እዩ እዚ ክታበት፧ የድልየኒ ድዩ ነዓይ፧

HPV ኣሕጽሮት ናይ „Humane Papilloma Viren“ እዩ።
ቫይረስ ሕማም ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም።
ሕማማት ናይ HPV ንኣብነት:
„ሕማም መንሽሮ ክሳድ ማህጸን“ ከምኡ `ውን „ቁስሊ ኣብ ብልዕቲ“.
ሕማም መንሽሮ ክሳድ ማህሰን ከቢድ ሕማም ኣካላት እዩ።
እዚ ክሳድ ማህጸን ኣብ ውሽጢ ሰውነት ኣብ ልዕሊ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ይርከብ።
ቁስሊ ብልዕቲ ነኣሽቱ ሓመድዊ ሕራር ዝመስሉ እዮም።
ሓደ ሓደ እዋን ሳሓ ወይ ዘቃጽሉ እዮም።

HPV ብስጋዊ ርክብ ክመሓላለፍ ዝኽእል እዩ።
ብዙሓት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን እዚ HPV ይሕዞም እዩ።
ግን ኩሎም ስለዝሓዞም ጥራይ ይሓሙ ማለት ኣይኮነን።
„ክታበት“ ምበኣር ሕማም ከይሕዘኩም ይከላኸል።
„ክታበት“ ክበሃል እንከሎ:
እቲ ሕማም ከይትሓማ መርፍእ ትውገኣ።
እዚ መርፍእ ንኣካላት ነቶም ቫይረስ ከየጥቅዕዎ ይከላኸሉ።
ብዛዕባ እዚ ንሓኪም ማህጸንክን ክትውከሳ ትኽእላ ኢኽን።
ውሳኔ ንምግባር ክትሕግዘኪ ትኽእል እያ።
ክትከትበኪ እውን ትኽእል እያ።
ቅድሚ ፈልማይ ስጋዊ ርክብ ምፍጻምኪ እንተ ተኸተብኪ እቲ ዝበለጸ እዩ።
ክታበት ናይ HPV ብነጻ እዩ።