ኣነ (ወዲ 16) ሎሚ ምስ ዓርከይ ስጋዊ ርክብ እናገበርኩ መትሎይ ጎዲኤዮ። ተቖጽዩ ጥራይ ዘይኮነ ቃዕ ኢሉ‘ውን። ሕጂ ሓቢጡ ሰመያዊ ሕብሪ ገይሩ ድማ ኣሎ። ከቐንዝው ድማ መዓት። ክስበር ይኽእል ድዩ?

ኣብ መትሎ ወዲ ተባዕታይ ዓጽሚ የሎን።
ስለዚ ዓጽሚ ክስበር ኣይክእልን እዩ።
ብዙሕ ግዜ ኣየጋጥምን እዩ።
ኮይኑ ግን: መትሎኻ ከቢድ መጉዳእቲ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት መጉዳእቲ እምበኣር:
መትሎ ተሰይሩ ይበሃል‘ዩ ከም ልሙድ።

ስለዚ ብቕልጡፍ ናብ ሓኪም ክትከይድ ኣለካ።
ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረዲኤት የድልይ እዩ።
ምናልባሽ ቅዳዳት ኣብ ውሽጢ መትሎ ኣጋጢሙ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኮምኡ ተኾይኑ መጥባሕቲ ክግበር ኣለዎ።

ስለዚ ናብ ሓኪም ምኻድ ኣይትዶናገ።
ናብ ዩሮሎጂ ሓኪም ምኻድ ኣለካ።
ወይ ከኣ ናብ ህጹጽ ሕክምና ሆስፒታል።
መትሎይ ብኸቢድ ተጎዲኤ በሎም።
ዘሕፍር ነገር ኣይኮነን።
ብኸመይ ኣጋጢሙ ምንጋር ኣየድልይን እዩ።
ንጥዕናኻ ኣገዳሲ እዩ።
ሕክምና እንተዘይኬድካ ከኣ ንኹሉ ግዜ ክጉዳእ ይኽእል እዩ መትሎኻ።