ኣነ (ጓል 14 ዓመት) ሰለስተ ግዜ ናይ ኣዴታተይ መጺኡኒ። ኣብ መንጎ ድማ ኩሉ ግዜ ሓደ ወርሒ የዕርፍ። ሕጂ ግን ንኣርባዕተ ወርሒ ደም የብለይን። ሓሚመ ድየ ዘለኹ፧

በዚ ናይ ነዊሕ ደው ምባል ስክፍታታት ኣለኪ።
ስክፍታኺ ርዱእ ኩነታት እዩ!
እዚ ግን ሕማም ኣለኪ ወይ ሓሚምኪ ማለት ኣይኮነን።

ብፍላይ ኣብ መጀመርያ ብዙሓት ኣዋልድ ጽግያተን ወይ ናይ ኣዴታተን ብስሩዕ ኣይኮነን ዝመጸን።
ሓደ ሓደ እዋን እቲ ፍልልይ ናይ መድመይቲ ሓጺር ይኸውን።
መሊሹ ደሓር ነዊሕ ግዜ ይኸውን ክሳብ ደም ዝመጻኪ።
ብዙሕ እዋን ድማ ጽግያት ብገምጋም ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ክመጸኪ ቅድሚ ምጅማሩ ነዊሕ ግዜ ይወስድ።
መብዝሕትኡ እዋን እቲ ናይ ደም ደው ምባል ኣብ መንጎ 21 ክሳብ 35 ዘሎ መዓልትታት የፈላለ።
ኣብ ገሊኤን ኣዋልድ ድማ እቲ ፍልልይ ሕጽር ዘበለ ወይ ንውሕ ዝበለ እዩ።

ካልእ ጉዳይ ክኸውን እውን ይኽእል እዩ።
ንኣብነት: ጸቕጢ ስለ ዘለኪ ክኸውን ይኽእል።
ከኒና ስለ ዝወሰድኪ ክኸውን ይኽእል።
ክብደት ሰውነትኪ ኣዝዩ ስለ ዝጎደለ ወይ ስለ ዝወሰኸ ክኸውን ይኽእል።
እንተደኣ ቅድሚ ሕጂ ስጋዊ ርክፍ ፈጺምኪ ትፈልጢ ኮይንኪ:
ምናልባሽ ጥንሲ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ርግጸኛ እንተ ዘይኮንኪ ናብ ሓኪም ደቀንስትዮ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።
እታ ሓኪም ክትምርምረኪ ትኽእ ሕቶኺ ድማ ክትምልሰኪ ትኽእል።