ኣነ (ጓል 16 ዓመት) ብዓረብያ እየ ዝኸይድ። ዓርኪ ሒዘ ኣይፈልጥን። መሓዙተይ ብዓረብያ ኣይኮናን ዝኸዳ። ኩላተን ድማ ዓርኪ ነይሩወን። ኣወዳት ብስንክልናይ ስለ ዘይፈትውኒ ድዮም ኣነ ዘይብለይ?

እዝስ እታ ዓረብያኺ ተሰክፈኪ ክትከውን ኣለዋ።
ምናልባሽ ካብተን ካልኦት መሓዙትኪ „ፍልይቲ“ ኮይኑ ይስመዓኪ ይኸውን።
እዚ ብዙሓት ሰባት ሻቕሎት ይገብሮሎም እዩ:
እንተደኣ „ፍሉያት“ ኮይኑ ዝስምዖም ኮይኑ።
ምናልባሽ ዘይከውን ዘረባታት እውን ሰሚዕኪ ትኾኒ ኢኺ።
ዘይከውን ዘረባታት ክርብሸኪ ይኽእል ይኸውን።

ነፍስወከፍ ሰብ ግን ፍሉይ ሰብ እዩ።
ናትኪ ፍሉይነት ከኣ ሰብ ብቕልጡፍ ክርእዮ ይኽእል።
ምናልባሽ ብኸምዚ ይኾኑ ሰባት ዝዛረቡኺ።
ምናልባሽ ብሰንኪ እዚ ብዙሕ ትሓስቢ ትኾኒ።
„ጽባቐ ሰብ“ ክበሃል ከሎ ግና ንኩሉ ሰብ ካልእ ትርጉም ኣለዎ።
ጽብቕቲ ዘግብረኪ እቲ ንስኺ ንስኺ ዘብለኪ ነገራት እዩ።
ምኽንያቱ ንስኺ ሓንሳብ ጥራይ ኢኺ ኣብዛ ዓለም ዘለኺ!

ብዙሓት ኣዋልድን ኣወዳትን ነዊሕን ሓጺርን ዝምድና ይገብሩ።
ግን: ብዙሓት ብዓረብያ ዝኸዱ ኣወዳትን ኣዋልድን እውን ዝምድና ይገብሩ እዮም።
ሓንቲ መዓልቲ ንዓኺ እውን ከጋጥመኪ እዩ።
ስለዚ ስጋብ ሕጂ ዓርኪ እንተ ዘይሓዝኪ ብዙሕ ዘሻቕል ኣይኮነን።