ኣደይን ዓባየይን ኩሉ ግዜ “ጓል ተጋሕሺና ኮፍ ትብል እንተ ኮይና፡ ድንግልነታ ኣጥፊኣ ኣላ ማለት እዩ” ይብላኒ። እዚ ሓዊ ድዩ?

እዚ ነገር ብኮብ ኣበሃህላ ክፍልጥ ዝኾነ ኣይኮነን።
በቶም ዓበይቲ ወለዶ ኣብ ጥንቲ እዋን ግን ከምኡ ይበሃል ነይሩ።
እዚ ግን ጓል እግራ ኣኪባ መታን ኮፍ ክትብል ኢሎም እዮም ዝብሉ ዝነበሩ።

ከምዚ ተመሳሳሊ ታሪኻት (ብሂላት) ኣለዉ፡
ንኣብነት: „ኣዋልድ ብችግለታ እንተ ዘዊረን ድንግልነተን ይጠፍእ።“
ወይ: „ኣዋልድ ክነጥራ የብለንን ምኽንያቱ፡ ድንግልነታ ስለ ዝቅደድ።“

እዚ ብሂላት ሓደ ሓደ እዋን ንገሊእን ኣዋልድ የፍርሐን እዩ።
ኣዋልድ ኣብ ዝገብርኦ ንጥፈታት ወይ ተግባራት ክቁጠባ ይግድድ።
ገለ ኣዋልድ ድማ ኮምኡ ከይ ገብራ ይፈርሓ።፡

ተመሳሳሊ ሓሳባት ብዛዕባ ጽግያትን ጥንስን እውን ኣሎ፡
ንኣብነት: „ጓል ናይ ኣዴታታ እንተ መጺእዋ ክትሕጸቦ የብላን መታን ከይትሓምም።“
ወይ ድማ: „ጓል ኣብ መሐንበሲ ቦታ ብዘይ ስጋዊ ርክብ እውን ክትጠንስ ትኽእል እያ።“

እዞም ኩሎም ብሂላት ሓቂ ኣይኮኑን።
ጓል እንተ ኮይንኪ፡ ነታ ሓኪምኪ ክትሓትያ ትኽእሊ ኢኺ።፡
ብዛዕባ እዚ ኩሉ ኣርእስቲ እኹል ሓበሬታ ክትህበኪ ትኽእል እያ።