ኩሎም መሓዙተይ Lovoo ይጥቀሙ። እንታይ እዩ እዚ፧

Lovoo ናይ መላለዪ ኣፕ እዩ።
እዚ ናይ መላለዪ ኣፕ ዝበሃል ሓደ ኣፕ ኮይኑ ንምልላይን ንምፍቓርን ይጠቅም።
ካልኦት ሰባት ብሞባይኪ ክትላለዪ ትኽእሊ።
ሓደ ስእሊ ናይ ሓደ ሰብ ርኢኺ ክትጽሕፍሉ ትኽእሊ።
ዝተፈላለዪ ናይ መላለዪ ኣፕ ኣሎ።

ንኣብነት ኣብ Lovoo ብዙሓት መሓዙት ክትረኽቢ ትኽእሊ።
ወይ ዕርክነት ክትጅምሪ ትኽእሊ።
ኣብ Lovoo ብነጻ ክትምዝገቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ግን ልዕሊ 17 ዓመት ክትኮኒ ኣለኪ።
ኣስተውዕሊ: ገለ ገጻት ወይ ቀረባት ናይ Lovoo ገንዘብ ይሓትት እዩ።

ገለ ሰባት ነዚ ናይ መላለዪ ኣፕ ዝጥቀምሉ ንኻልእ ምኽንያት እዩ።
ንገሊኤን ክጻወትለን ይደሉ።
ወይ ስጋዊ ርክብ (ጥራይ) ክገብሩ ይደልዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ እውን ዕድሚኦም ይቕይሩ እዮም።

ምስ ሓደ ሰብ ክትራኸቢ እንተ ደሊኺ:
ኣብ ካልኦት ሰባት ዘለውዎ ቦታ ተራኸቢ።
እንታይ ትደልዪ ወይ እንታይ ኣይትደሊን ኣነጺርኪ ንገርዮ።
ዝኾነ ጸገም እንተ ኣጋጢሙ ሓገዝ ጸውዒ።