ዓርከይ ምሳይ ዕርክነት ኣቋሪጻ (ወዲ 15)። ብጣዓሚ ፍቑራት ኢና ኔርና። ሕጂ ክጻወሮ ኣብዘይክእል ደረጃ በጺሐ ኣለኹ። ብጣዕሚ ተሳቕየ። ስለዚ እየ ደድሕሪኣ ንትምህርቲ ክትከይድ ዝከታተላን ንኽትምለሰኒ ዝጽዕርን ዘለኹ። ትማሊ ግን ከምዚ ክገብር ብሕጊ ኩልኩል እዩ ኢላትኒ። ሓቃ ድያ፧

እወ ሓቃ ኣላ። ብዘይ ድሌታ ክትከታተላ ኣይፍቀደካን እዩ።
ምስ ዓርክኻ ምፍልላይ ኩሉ ግዜ መሪር እዩ።
ፍቕሪ እንተ ኣለካ ኸኣሞ መሊሱ ዝገደደ ቃንዛ ኣለዎ።

ፍቑራት ንኽበሃል ግና ክልተ ሰባት ክኾኑ ኣለዎም።
ዓርክኻ ኽትፍለየካ ከላ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ከቢድ እዩ።
ምሳኻ ክትከውን ግን ክትግድዳ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ፍቕሪ ዝምቅር ኩሉ ግዜ ብኽልቲኡ ሸነኽ ድሌት ምስ ዝህልው እዩ።
እዚ ማለት ክልቴኹም ብሓንሳብ ክትኮኑ ክትደልዩ ኣለኩም።

ነዓካ እውን እንተተገድደካ ደስ ኣይምበለካን ነይሩ።
ብሕጊ እውን እንተ ኮነ ንሓደ ሰብ ምክትታል ፍቑድ ኣይኮነን።
እዚ ማለት፡ ብዘይ ድሌታ ደድሕሪኣ ምኻድ ማለት እዩ።

ብዝተኻእለ መጠን ነብስኻ ክትጥብራን ኣብ ካልእ ጉዳይ ኣቲኻ ክተረሳስዓን ፈትን።
ከምዚ ኩነታት ንምርሳዕ ክጠቕሙ ዝኽእሉ ነገራት፡
ምስ ካልእ ሰብ ብዛዕባዚ ምዝራብ።
ምናልባሽ ኣጸቢቕካ ምብካይ።
ስፖርታዊን ካልእ ንጥፈታት ምግባርን።