ጓል 15 ዓመት በዓልቲ ሓዳር ዘመድ ኣላትኒ። ዝሓለፈ እዋን ምብ በዓልት ቤታ (ወዲ 25 ዓመት) ናብ ጀርመን መጺኣ። ሓዳራ ኣብዚ ሃገር ቅቡል ኣይኮነን ተባሂሉ። ስለምንታይ?

ዘመድካ ኣብ ካልእ ሃገር ኢያ ተመርዕያ።
ኣብ ጀርመን መርዓ ካብ 18 ዕድመ ንላዕሊ ጥራይ እዩ ዝፍቀድ።
ክልቲኦም ዕድሚኦም ምስ መልአ ማለት እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን እውን ሓደ ካብቶም መጻምዲ 16 ወይ 17 እንተ ገይሩ ወይ ገይራ ሓዳር ክገብሩ ይፍቀደሎም እዩ።
እዚ ድማ ናይ ስድራቤት ቤት ፍርዲ እዩ ዝውስኖ።
እዚ ንኽግበር ግና ቅድሚ መርዓ ምግባሮም መመልከቻ ኣብ ቤት ፍርዲ ከእትዉ ይግባእ።

ዝኾነ ትሕቲ 16 ዕድመ ዘለዎ ሰብ ግን ኣብ ጀርመን ክምርዖ ኣይፍቀደሉን እዩ።
ከምዚ ዓይነት ሓዳር ኣብ ካልእ ሃገር ምስ ዝፍጸም እውን ኣብዚ ሃገር ተቐባልነት ኣይረክብን እዩ።
እቲ ምኽንያት ድማ፣ ዝኾነ ሰብ ሓዳር በሲሉ ጥራይ ክኣትዎ ስለ ዝግባእ።

ኣብ ጀርመን መንግስቲ ንህጻናትን መናእሰያትን ክከናኸኖም ግብኡ እዩ።
ስለዚ መንግስቲ፣ መናእሰያት ብድሌቶም ጥራይ ይምርዓው ከም ዘለዉ ርግጸኛ ክኸውን ኣለዎ።
እዚ ማለት: ዝኾነ ሰብ ንሓዳር ክግድደካ ወይ ከድዕሰካ ኣይግባእን (ንኣብነት ወለድኻ) ።
ናይ ባዕልኻ ውሳኔ ጥራይ ክኸውን ይግባእ።
ስለዚ እዩ እምበኣር ናይ መርዓ ገደብ ዕድመ ዝተገብረ።