ኣነ ንሓንቲ ጓል ብማዕዶ ጥራይ ፈተያ። ነዛ ጓል ክዛረባን ክላለያን ደልየ ግን ብኸመይ ኣይፈልጥን። እንታይ ክገብር ይኽእል?

ሓንቲ ሰብ ጽብቕቲ ወይ ጥዕምቲ ወይ ደስ እንተ ኢላትካ
ኣፍቂርካያ ኣለኻ ማለት እዩ።
መጀመርያ ግን ክትላለያ ኣለካ።
ብድሕሪኡ ኢኻ ትኾነካ ድያ ኣይትኾነካን ትፈልጥ።
ወይ ንሳ እውን ትፈትወካ ድያ ኣይትፈትወካን ትፈልጥ።
 
ክትዛረባ እንከለኻ ብትሕትና ክኸውን ኣለዎ።
ነገራት ከይከብድ ድማ ነዞም ጠቐምቲ ነገራት ኣብ ምልላይ ተገንዘብ:

  1. ክትላለያ እንከለኻ ኣብ ጽቡቕ ሙድ ወይ መዓልቲ እንከለኻ ክኸውን ኣለዎ።
  2. ዘኒጥካ ግን ከኣ ምቹእ ክዳን ገይርካ (መታን ዓቕልኻ ከይጸበካ) ርኸባ።
  3. ኣብ ጥቓኣ ኮይንካ ግን ከኣ እኹል ርሕቀት ሓሊኻ ተዛረባ።
  4. ዓይና እንዳ ሓለኻን ገጻ እንዳ ረኣኻን ኣዛርባ።
  5. „ብዝያዳ ንኽላለየኪ ፍቓደኛ ዲኺ?“ ኢልካ ሕተታ።
  6. ሕራይ እንተ ኢላትካ ዝኾነ ነገር ሕተታ። ንኣብነት ትፈትዎ ሙዚቃ ወይ ዝንባለኣ ሕተታ።
  7. ኣብታ ሰብ ዘለካ ተገዳስነት ኣርእያ።
  8. ኣድናቖትካ ግለጸላ ወይ ኣብኣ ደስ ዝብለካ ነገራት ወይ ትፈትዎ ነገራት ንገራ።
  9. እተን ቀዳሞት ኣድናቖታት ግን ብዛዕባ ኣካላታ ክኾና የብለንን።
  10. ንኣብነት ትሰምዖ ሙዚቃ ወይ ድማ ኣዘራርባኣ ከም ትፈትዎን ደስ ከም ዝብለካን ንገራ።
  11. ንዓኣ እውን ደስ እንተ ኢልካያ ኣብኡ እንከሎ ክርደኣካ እዩ።

ንሓደ ሰብ ክትዛረቦ ብዙሕ ድፍረት ይሓትት እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ንሓንቲ ጓል ትሓታ እሞ ድሌት ከም ዘይብላ ትነግረካ።
እዚ ድማ ከም ዘሕርቐካ ፍሉጥ እዩ።
ይኹን ደኣምበር ምፍላጥካ እውን ጽቡቕ እዩ።