ቅድምሕዚ ኣላይተይ ዝነበረት (ጓል 22 ዓመት)ን ኣነን (ወዲ 16 ዓመት) ተፋቒርና ኣለና። የዕሩኽተይ ኩልኩል ምዃኑ ይዛረቡ። ትኽክል ድዩ? ንሳ ኣብዚ እዋን ኣብ ካልእ ቦታ እያ ትሰርሕ ዘላ።

የዕሩኽትኻ ዝበሉዃ ገሊኡ ጥራይ እዩ ሓቅነት ዘለዎ።
ሰብ ምፍቃር ተኸልኪሉ ኣይፈልጥን እዩ።
ኣካላዊ ምትንኻፍ ግን ገደብ ኣለዎ።
ኣላዪትካ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ወይ ክትስዕመካ ኣይፍቀዳን እዩ።
ምኽንያቱ ንስኻ „ክንክን ዘድልየካን“ ኣብኣ ስለ ትምርኮስን።
ንዓኻ ዝከናኸን ሰብ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ፍቑድ ኣይኮነን።
ዋላ እውን ንስኻ እንተደለኻ።
ብሕጊ ኩልኩል እዩ።

እንተደኣ ኣላይትካ ዘይኮና ግን ካልእ ኣርእስቲ እዩ።
እዚ ብሕጊ ኩልኩል ኣይኮነን።
ክትፈልጦ ዘለካ ግን:
እቲ ዝምድና ብናይ ክልቴኹም ድሌት ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።
ኣካላዊ ምትንኻፍ እውን ብናይ ክልቴኹም ውሳኔ ክኸውን ኣለዎ።
ስለዚ ክልቴኹም ዝደለኹሞ ነገር እንተኮይኑ ቅቡል እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ግን እቲ ትደልዮ ነገር ኣጸቢቕካ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ንሰብ ከተሐጉስ ኢልካ ውን ነገራት ትኣትዎ።
ከምዚ ምስ ዝኸውን ከይደለኻ ትፍጽም ኣለካ ማለት እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን እዚ ነገራት ፈላሊኻ ክትርእዮ ኣሸጋሪ እዩ።
ምናልባሽ እውን ምስ ሰብ ብዛዕባ እዚ እንተተዛራረብካ ወይ ምኽሪ እንተ ረኸብካ ጠቓሚ እዩ።