ኣነ ጓል 14 ዓመት እየ። ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ጀሚረ ታምፖን (ኣብ ብልዕቲ ዝኣቱ ሞዴስ) ንደም ናይ ኣዴታተይ ይጥቀም ኣለኹ። ትማሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ታምፖን ረሲዐዮስ ሓዲሽ ኣብ ልዕሊኡ የእቲየሉ። ሕጂ እታ ናይ ቅድም ከውጽኣ ኣይከኣልኩን። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፧

እዚ ንብዙሓት ደቀንስትዮ* የጋጥመን እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን እቲ ታምፖን ባዕልኺ ከተውጽእዩ ትኽእሊ።
ባዕሉ ድማ „ኣይጠፍእን“ እዩ።
እታ ብልዕቲ ድማ ቅሩብ ሰንቲ ሜተር ንውሓት እዩ ዘለዋ።

ገለ ጠቐምቲ ሓበሬታ ክንህበኪ:
ተገቲርኪ ኮፍ በሊ ወይ ድማ ሽንቲ ቤት እተዊ።
ክትረጋግኢ ፈትኒ ድማ
ምኽንያቱ ነብስኺ እንተ ዘይተኣሲሩ ወይ እንተ ዘይተጨኒቕኪ እዩ ክሰልጥ ዝኽእል።
ምናልባሽ እቲ ታምፖን ወይ ነታ ፈትሊ ብኢድኪ ተርክብያ ትኾኒ።
„ንታሕቲ ክትደፍእያ“ ፈትኒ ኢኺ።
እንተ ደፊእኪዮ፡ ታምፖን ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ባዕሉ ሸተት ኢሉ ይወጽእ እዩ።

እንተ ደኣ ብኸምዚ ዘይቀኒዑ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ቀልጢፍኪ ኪዲ።
ንሳ ድማ መርሚራ ነታ ታምፖን ከተልግሳ ትኽእል።
ታምፖን ምስ ዝርሳዕ ከሕምመኪ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ብቕልጡፍ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ምኻድ ኣለኪ።
ዋላ እውን ታምፖን ኣብ ውሽጢ ከም ዝረሳዕኪ ርግጸኛ እንተዘይኮንኪ ናብ ሓኪምኪ ኪዲ።
ዘሕፍር ጉዳይ እውን ኣይኮነን።
ንኸይትሓሚ ድማ ኣገዳስነት ኣለዎ።