ኣብ ቤት ትምህርቲ መምህረይ፡ ስጋዊ ርክብ ምስጢርነት የድልዮ እዩ ኢላ ነይራ። ምስጢራውነት እንታይ ማለት እዩ? ኣብ ስጋዊ ርክብ እንታይ ዘራኽቦ ኣለዎ?

ምስጢራውነት ወይ „Intimität“ ከባድ ቃል እያ።
እዚ ማለት: ንሓደ ሰብ ክቱር እምነት ኣለኪ ማለት እዩ።
እቲ ሰብ ድማ ከምኡ እምነት ኣባኺ ኣለዎ።
ካብዚ ሰብ ትሓፍርሉ ነገር ዋላሓደ የለን።
ክልቴኹም በይንኹም ምስ ትህልዉ፡ ሕቡእኪ ከተርእይዮ ትኽእሊ

እዚ ኣብ መንጎ ፍቑራት ዝፍጠር ኮይኑ:
ኣዚኻ ምቅርራብ ማለት እዩ።
ዓይኒ ዓይንኻ ትጠማመት።
ቀስ ኢልካ ብትሑት ድምጺ ነሓድሕዳ ምዝርራብ።
ነሓድሕድካ ትተናኸፍን ትደራረዝን‘ውን።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ክልቴኻ ምስ ትደሊ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ትኽእል።

እዚ ግን ኩሉግዜ ከምኡ ይግበር ማለት ኣይኮነን።
ሓደ ሓደ እዋን ክትደራረዚ ጥራይ ትደልዪ ትኾኒ።
እዚ ማለት: ልሳብ ኣብዚኣ ዕግብቲ ኢኺ ካብኡ ንላዕሊ ምቕጻል‘ውን ኣይትደልዪን ትኾኒ።
ኣገዳሲ ነገር: ክልቴኹም ትደልይዎ ነገር ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።