ሓንቲ ጓል ንመጀመርያ ግዚኣ ሴክስ ክትፍጽም እንከላ፡ ካብ ሓደ ሊትሮ ንላዕሊ ደም ተፍስስ ድያ?

ኣይፋሉን፡ ከም ግቡእ ሓንቲ ጓል ክሳብ ክንድዚ ብዙሕ ደም ኣብ ፋልማይ ስጋዊ ርክባ ኣይተፍስስን እያ።
ሴክስ ክትብሊ እንከለኺ ሳጋዊ ርክብ ማለትኪ እንተኾይኑ
እዚ ማለት: እቲ መትሎ ወዲ ተባዕታ ኣብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ይኣቱ።

ገለ ኣዋልድ ‘‘ኣብ መጀመርያ‘‘ እቲ ናይ ድንግልና ረቂቕ ቆርበት ይቕደድ።
ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ሓበሬታ ትረኽቢ: https://refu-tips.de/en/i-14-year-old-had-my-period-last-week-i-used-a-tampon-and-i-suddenly-started-bleeding-heavily-i-am-afraid-i-may-have-damaged-my-hymen-what-can-i-do-now/
ናይ ገለ ኣዋልድ እቲ መናድቕ ናይ ብልዕቲ በቲ መትሎ ወዲ ተባዕታይ ይጉዳእ እዩ።
እዚ ማለት: ነኣጭቱ ጭንዳሓት ወይ ነቓዓት ኣብ ብልዕቲ የጋጥም።
ኣብ ብልዕቲ ክንብል ከለና ኣብ ውሽጢ ኣካላት ማለትና እዩ።
ከባቢ ፍርቂ ደቀንስትዮ ኣብዚ ዓለም ኣብ መጀመርያ ስጋዊ ርክብ ኣይደምያን እየን።

ሓንቲ ጓል ምስ ትደሚ:
ቁሩባት ነጠብጣብ ክኸውን ይኽእል።
መብዝሕትኡ ግዜ ድማ እዚ ሓደገኛ ኣይኮነን።
እቶን ነኣሽቱ ቅዳዳት ባዕሎም ክሓውዩ ይኽእሉ።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ንቑሩብ መዓልቲ ቀጻሊ ክደምዩ ይኽእሉ ብውሕድ ነጠብጣብ።
እዚ‘ውን ሓደገኛ ኣይኮነን።

ብዙሕ መድመይቲ እንተኮይኑ ግና:
እታ ጓል ናብ ሓኪም ክትከይድ ይግባእ።