ኣነ (ጓል 13 ዓመት) ኣብ ሞታንታይ ደም መጺኡኒ። ሓሚመ ዲየ ዝለኹ?

ንመጀመርያ ግዜ „ጽግያትኪ“ ወይ ናይ ኣዴታትኪ እዩ ክኸውን ዘለዎ።
ኣብ ገለ ስድራቤት ወይ ሃገራት ፌስታ ዝግበረሉ እዋን እዩ እዚ።
እዚ ከም ዝጎበዝኪ እዩ ዘርእይ።

„ጽግያት መጺኡኪ“ ክበሃል ከሎ:
እቲ ኣብ ስረኺ ዘሎ ደም ካብ ብልዕትኺ ዝመጸ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ብልዕትኺ ሓንቲ ንእሽተይ በዓቲ ኣላ።
እዛ በዓቲ ማህጸን ትበሃል።
ጥቃ ማህጸን ከኣ ክልተ ማሕደረ እንቋቅሖ ኣለዋ።
ኣብ መንጎ እታ ማሕደረ እንቋቅሖን ማህጸንን ድማ መደየቢ እንቋቅሖ
ካብቲ ማሕደረ እንቋቅሖ ብገምጋም ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ሓንቲ ንኡሽቶይ እንቋቅሖ ናብቲ መደየቢ ትወድቅ።

ኣብዚ እዋን እዚ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።
እዚ ንኽፍጠር ግን ምስ ሓደ ሰብኣይ ወይ ምስ ሓደ ወዲ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽሚ ኣለኪ።
ነዚ ክትገብሪ ግን ገና ንእሽቶይ ኢኺ ዘለኺ።
ኣብ ስጋዊ ርክብ ግን እታ እንቋቅሖ ብዘርኢ ወዲ ተባዕታይ „ትቦቅል“, እዚ ማለት ጥንሲ ሒዝኪ ኣለኺ ማለት እዩ።
እታ እንቋቅሖ ኣብ ማህጸን እያ ትዓቢ።
ንስኺ ግን ጥንሲ ስለ ዘይብልኪ፡ ደም ካብ ብልዕትኺ ይወጽእ።
ካብ ሕጂ ንንየው ዳርጋ ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ማህጸንኪ ብደም ተሓጻጺቡ ይወጽእ።
እዚ ድማ ቁሩብ መዓልቲ ይወስድ።

ነቲ ደም መጽረዪ ኣብ ዱኳናንት ወይ ፋርማሲ ሞዴስ ወይ ታምፖን ኣለኪ።
ሞዴስ እንተ ኮይኑ ኣብ ሞታንታኪ ኢኺ ትሰጥሕዮ።
ታምፖንስ ድማ ናብ ብልዕትኺ ትውትፍዮ።
ምናልባሽ ነዴኺ ወይ ንመሓዛኺ ክሕግዛኺ ሕተትየን።

ሓደ ሓደ እዋን እቲ መድመይቲ ነዊሕ ግዜ ይወስድ እዩ ወይ ድማ ብርቱዕ ቃንዛ ክገብረልኪ ይኽእል እዩ።
ከምዚ ምስ ዘጋጥመኪ ናብ ሓኪምኪ ኪዲ።