ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለዋ።
ዕድመኻን እቲ ዝምድና ምስ መጻምድትኻን።
ኣብዚ ሰንጠረጅ ስጋዊ ርክብ ዝፍቀድን ዘይፍቀድን ክትከታተል ትኽእል።
| ዕድመ | 0-13 | 14-15 | 16-17 | 18-20 | 21+ | 
| 0-13 | ኣይፋል | ኣይፋል | ኣይፋል | ኣይፋል | ኣይፋል | 
| 14-15 | ኣይፋል | እወ | እወ | እወ | ኣይፋል | 
| 16-17 | ኣይፋል | እወ | እወ | እወ | እወ | 
| 18-20 | ኣይፋል | እወ | እወ | እወ | እወ | 
| 21+ | ኣይፋል | ኣይፋል | እወ | እወ | እወ | 
እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ግን፡ ብክልቲኦም ሸነኽ ድሌት ክህሉ ይግባእ።
ሓደ ምስ ዝኣቢ፡ ስጋዊ ርክብ ኩልኩል ይኸውን።
ዝኾነ ሰብ ን ስጋዊ ርክብ ክግድድ ኣይፍቀድን።
ኣብ መንበሪ ጉጅለ ወይ ኣብ ሃይም ትቕመጥ፧
ኣብዚ መንበሪ ክሳብ 16 ትኸውን ስጋዊ ርክብ ኣይፍቀደካን እዩ።
ስጋዊ ርክብ ኣብ መንጎ እዞም ሰባት ኩልኩል እዩ።
- ስድራን ደቆምን
 - ሰይተቦ ሰብኣይ ኣደን ደቆምን
 - መምህር ምስ ተመሃሮ
 - ኣለይቲ ምስ መንእሰያት ኣብ መንበሪ ጉጅለ ወይ ናይ መንእሰያት መዕቆቢ
 - ኣብ ግዜ ሞያዊ ስልጠና፡ ኣብ እዋን ስራሕ ወይ ኣብ ፕራክቲኩም መምህርካ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ኩልኩል እዩ።
 - ኣብ ሓደ ስድራቤት ተዓቒብካ ትነብር እንድሕር ኣለኻ፡ እቶም ኣለይቲ ስድራኻ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽሙ ኣይፍቀድን እዩ።
 - ዋላ ውን ወኪል ናይ ሕጊ ኣላዪኻ ውን ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ኣይከኣልን።
 
ዝኾነ ይኹም ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽሙ ኣይፍቀድን እዩ።
ከምዚ ምስ ዘጋጥም ብቕልጡፍ ሓገዝ ኣምጽእ።