ኩሎም መሓዙተይ Lovoo ይጥቀሙ። እንታይ እዩ እዚ፧

Lovoo ናይ መላለዪ ኣፕ እዩ።
እዚ ናይ መላለዪ ኣፕ ዝበሃል ሓደ ኣፕ ኮይኑ ንምልላይን ንምፍቓርን ይጠቅም።
ካልኦት ሰባት ብሞባይኪ ክትላለዪ ትኽእሊ።
ሓደ ስእሊ ናይ ሓደ ሰብ ርኢኺ ክትጽሕፍሉ ትኽእሊ።
ዝተፈላለዪ ናይ መላለዪ ኣፕ ኣሎ።

ንኣብነት ኣብ Lovoo ብዙሓት መሓዙት ክትረኽቢ ትኽእሊ።
ወይ ዕርክነት ክትጅምሪ ትኽእሊ።
ኣብ Lovoo ብነጻ ክትምዝገቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ግን ልዕሊ 17 ዓመት ክትኮኒ ኣለኪ።
ኣስተውዕሊ: ገለ ገጻት ወይ ቀረባት ናይ Lovoo ገንዘብ ይሓትት እዩ።

ገለ ሰባት ነዚ ናይ መላለዪ ኣፕ ዝጥቀምሉ ንኻልእ ምኽንያት እዩ።
ንገሊኤን ክጻወትለን ይደሉ።
ወይ ስጋዊ ርክብ (ጥራይ) ክገብሩ ይደልዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ እውን ዕድሚኦም ይቕይሩ እዮም።

ምስ ሓደ ሰብ ክትራኸቢ እንተ ደሊኺ:
ኣብ ካልኦት ሰባት ዘለውዎ ቦታ ተራኸቢ።
እንታይ ትደልዪ ወይ እንታይ ኣይትደሊን ኣነጺርኪ ንገርዮ።
ዝኾነ ጸገም እንተ ኣጋጢሙ ሓገዝ ጸውዒ።

ኣነ (ጓል 15 ዓመት) ጥንሲ ምስ ሓዝኩ ኣስዲደዮ ነይረ። ካልኦት መማህርተይ ኣንቲ ቀታሊት ሰብ፡ ቆልዓ ቀቲልኪ ይብላኒ።

ቆልዓ ክትወልዲ ኣይደለኽን ምሽ
ጥንሲ ንኽቋረጽ ወሲንኪ እውን።
እዚ መሰልኪ እዩ።
ጥንሲ ምስዳድ ምቕታል ማለት ኣይኮነን።
ኣብ ጀርመን ሕግታት ምስዳድ ጥንሲ ኣሎ:
መዓስ እዩ ፍቑድ፧
መዓስ እዩ ኸ ዘይፍቑድ፧

ምናልባሽ ዘይርደኣኺ ኮምኡ ይብላ ይኾና።
ስለምንታይ ኮምኡ ከም ዝገበርኪ ክፈልጣ ደልየን ይኽዕና።

ክትብልየ ትኽእሊ ኢኺ፡
እቲ ንስኽን ትብልኦ ኣነ ክሰምዖ ኣይደልን እየ።
እቲ ንስኻትክን ትብልኦ ነዓይ የግሁየኒ ኣሎ።

ካልእ ክትብልዮ ትኽእሊ:
ንምንታይ ኮምኡ ገይረ ከረዳኣክን ይኽእል እየ።
ምናልባሽ ይርደኣኺ ይኾና ሽዑ።

ኣነ (ጓል 16 ዓመት) ምስ ኣላዪተይ ሰበይቲ ተመሓዝየ ኣለኹ። ሓደ ሓደ እዋን ምስኣ ንበይንና ምሕንባስ ይኸይድ። እቶም ካልኦት ኣለይቲ እዚ ጽቡቕ ኣይረኸብዎን ጥራይ ዘይኮነ ክኽልክሉኒ እውን ደልዮም። ስለምንታይ፧

እታ ኣላዪትኪ ስራሕ ኣለዋ።
እዚ ስርሓ ድማ ኣዋልድን ኣወዳትን ኣብ መንበሪኹም ምእላይ እዩ።
ንኹሎም ተቐማጦ ብሓደ ክትኣልዮም ይግባእ።

ምሕዝነት ምሳኺ ክበሃል እንከሎ:
ንዓኺ ብፉሉይ ትርእየኪ ከምስል ይኽእል።
ካብቶም ካልኦት ኣብሊጸ ይፈትዋ ክኸውን ይኽእል።
እዚ ድማ ኣብቲ መንበሪ ህውከት ክፈጥር ይኽእል እዩ።
ምናልባሽ ካልእ ሰብ:
እታ ኣላይት ፈላልያ ትርኢ ኢሉ ክሓስብ ይኽእል እዩ።

ምሕዝነት ብሓድ ሚዛን ክኸውን ኣለዎ።
ኣላይትኪ ግን ንዓኺ ዝኸውን ውሳኔ ክትውስን ኣለዋ።
እዚ ማለት ብማዕርነት ዝረአ ኣይኮነን።
ኣብ ጀርመን ከምዚ ዓይነት ምሕዝነት „ዘይሞያዊ“ ተባሂሉ ይግለጽ።

እዚ ማለት:
ስለዚ እዛ ኣላዪትኪ ሞያን ውልቃዊ ሂወትን ፈላልያ ክትርእዮ ይግባእ።

ኣነ (ጓል 13 ዓመት) ንዓርከይ ሓንቲ ሰክሲ ስእሊ ናተይ ክሰደሉ ደልየ። ኣብቲ ስእሊ ዳርጋ ጥራየይ እየ ዘለኹ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ግን ሓደ ሰብ እዚ ናይ ህጻናት ፖርኖ ግራፊ „Kinderpornographie“ እዩ ኢሉኒ። ክቕጻዕ ይኽእል ድየ፧

ኣይፋሉን፡ ብሕጊ መቕጻዕቲ ኣይመጻክን እዩ።

ከም ህጻን መጠን ጓል 14 ዓመት „ዕድመ ናይ ገበን ሓላፍነት ትወስድሉ“ ኣይኮነን።

ከም ህጻን መጠን ጓል 13 ዓመት ኮይንኪ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከም ገበነኛ ክትቁጸሪ ኣይትኽእልን ኢኺ።

ወለድኺ ወይ ኣለይትኺ ግን ክኽልክሉኺ ይኽእሉ እዮም።

ይኹን ደኣምበር ሓደ ሓደ ነገራት ኣለዉ ክትግንዘብሎም ዘለኪ።

ንኣብነት ዓርክኺ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ።

ልዕሊ 14 ምስ ዝኸውን ህጻን ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ግዜ ስእልታት ዝኽልከሉ ንስኺ ህጻን ጓል 13 ስለዝኾንኪ እዩ።

መዓስ እዩ ከምዚ ዝኸውን፧

  • እንተ ደኣ እቲ ስእሊ ነሓደ ሰብ ትሕቲ 14 ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ዘርኢ ኮይኑ።
  • እንተ ደኣ እቲ ስእሊ ብፍላይ ኣጥባትን ማእከል ኣስላፍ ዘሎ ኣከባቢ ምስ ዘርኢ

ዕድመ ብዘየገድስ ኩልኩል ዝኾኑ ነገራት:

  • እንተ ደኣ ሓንቲ ሰብ ንኸምዚ ዓይነት ስእሊ ክትገብር እንተ ድዒሳ ወይ ተገዲዳ።
  • ናብ ዘይትደልዮ ሰብ እቲ ስእሊ ብዘይ ድሌታ ምስ ዝመሓላለፍ።

ካልእ ኩልኩል ዝኾነ ነገር:

ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ስእሊ ብዘይ ፍቓድ ምስ ዘመሓላልፍ።

ሓደ ሓደ እዋን የጋጥም እዩ እዚ።

ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ሓገዝ ምስ ትደልዪ ኣብዚ ክትውከሲ ትኽእሊ ኢኺ:

http://www.nina-info.de/save-me-online/kontakt-beratung.html

ኣብዚ ኩሎም ብዙሕ ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ የዕልሉ እዮም። ኣነ (ወዲ 15 ዓመት) ከም ዝመስለኒ ዝኾነ ሰብ እዚ ኣይምልከቶን እዩ። ስለምንታይ እዮም ኩሎም ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ዝዛረቡ፧

ስጋዊ ርክብ ውልቃዊ ኣርእስቲ እዩ።
ስለዚ እዮም ከኣ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ክዛረቡ ዘይደልዮ።
ብዙሓት መናእሰያት ግና ሕቶታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣለዎም።
ርግጸኛታት ኣይኮኑን ወይ ዘይፈልጥዎ ነገራት ኣሎ።
እቲ ኣገዳሲ ነገር ነዓኻ ግና:
ሕቶታትካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።
ምስ ዝኾነ ሰብ ግና ናይ ግድን ኣይኮንክን ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ ክትዛረብ።

ሓደ ሓደ እዋን ምዝርራብ ብዛዕባ እዚ ጽቡቕ እዩ።
ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ ምዝራብ ዝተፈላለየ ምኽንያት ኣለዎ።
መናእሰያት ብዙሕ ሓደስቲ ተመኩሮ ይገብሩ እዮም።
ምናልባሽ ምስ ካልኦት መናእሰያት ብዛዕባ እዚ ምምይያጥ የድሊ ይኸውን።
ኣዝዩ መሳጢ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ!

ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ናይ መናእሰያት ሕቶታት ክምልሱ ይኽእሉ እዮም።
ሓበሬታታት ክህብኹም ይኽእሉ እዮም።
ክሕግዝኹም መታን።
መናእሰያት ኣብዚ ኩሉ ግዜ ክፈልጥዎ ዘለዎም:
ብዛዕባ ጽቡቕን ሕማቕን ተመክሮታት ምስ ዓበይቲ ክመያየጥ ይኽእል እየ።
ብዛዕባ ኩሉ ኣርእስቲ ናይ ኣካላተይን ስጋዊ ርክብ ክሓትት ይኽእል እየ።
ሓገዝ ምስ ዘድልየኒ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል እየ።

ኣብ ቤት ትምህርተይ ኣነ (ጓል 14 ዓመት) ካልኦት ኣዋልድ ብዛዕባ „HPV-ክታበት“ ክዛረባ ሰሚዐ። እንታይ እዩ እዚ ክታበት፧ የድልየኒ ድዩ ነዓይ፧

HPV ኣሕጽሮት ናይ „Humane Papilloma Viren“ እዩ።
ቫይረስ ሕማም ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም።
ሕማማት ናይ HPV ንኣብነት:
„ሕማም መንሽሮ ክሳድ ማህጸን“ ከምኡ `ውን „ቁስሊ ኣብ ብልዕቲ“.
ሕማም መንሽሮ ክሳድ ማህሰን ከቢድ ሕማም ኣካላት እዩ።
እዚ ክሳድ ማህጸን ኣብ ውሽጢ ሰውነት ኣብ ልዕሊ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ይርከብ።
ቁስሊ ብልዕቲ ነኣሽቱ ሓመድዊ ሕራር ዝመስሉ እዮም።
ሓደ ሓደ እዋን ሳሓ ወይ ዘቃጽሉ እዮም።

HPV ብስጋዊ ርክብ ክመሓላለፍ ዝኽእል እዩ።
ብዙሓት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን እዚ HPV ይሕዞም እዩ።
ግን ኩሎም ስለዝሓዞም ጥራይ ይሓሙ ማለት ኣይኮነን።
„ክታበት“ ምበኣር ሕማም ከይሕዘኩም ይከላኸል።
„ክታበት“ ክበሃል እንከሎ:
እቲ ሕማም ከይትሓማ መርፍእ ትውገኣ።
እዚ መርፍእ ንኣካላት ነቶም ቫይረስ ከየጥቅዕዎ ይከላኸሉ።
ብዛዕባ እዚ ንሓኪም ማህጸንክን ክትውከሳ ትኽእላ ኢኽን።
ውሳኔ ንምግባር ክትሕግዘኪ ትኽእል እያ።
ክትከትበኪ እውን ትኽእል እያ።
ቅድሚ ፈልማይ ስጋዊ ርክብ ምፍጻምኪ እንተ ተኸተብኪ እቲ ዝበለጸ እዩ።
ክታበት ናይ HPV ብነጻ እዩ።

ስድራቤተይ ነዓይ ከኸንሽቡ (ጓል 13 ዓመት) ይሻባሸቡ ኣለው። ኣነ ድማ ፈሪሀ ኣለኹ። ስድራቤተይ ከዘራርቡኒ ኣይደለዩን። ምስ መን ክዘራረብ ይኽእል፧

ንበይንኺ ኣይኮንክን ከምዚ ዘጋጥመኪ
ብዙሓት ደቀንስትዮ ምኽንሻብ የፍርሀን እዩ።
ብዙሓት ደቀንስትዮ ክኽንሸባ ኣይደልያን እየን።
ብዙሓት ስድራቤት ምኽንሻብ ንጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጥዕናኣ ጉድኣት ከስዕበላ ከም ዝኽእል ኣይፈልጡን እዮም።
ምኽንሻብ ንጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጀርመን ብሕጊ ኩልኩል እዩ።

ገለ ኣዋልድ ብዛዕባ ምኽንሻብ ክዛረባሉ ይኸብደን እዩ።
ይሓፍራ ወይ እንታይ ከም ዝብላ ኣይፈልጣን።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ እቲ ትኽክለኛ ቃላት ኣይረኽባን።
ስምዒት ክህልወካ ጸገም የብሉን።

ብዛዕባ እዚ ኣርእሲት ክኢላታት ኣማኸርቲ ኣለዉ።
ኣብዚ ቦታ ኣዋልድ ምስ ዓበይቲ ሰባት ክዘራረባ ይኽእላ።
ብዛዕባ ፍርሒ፡ ሕፍረትን ካልእ ኣርእስትን ክዘራረባ ይኽእላ።
ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ዝርከባ ደቀንስትዮ ነተን ኣዋልድ ኣይፈርድአንን እየን።
ክሕግዘአን ጥራይ እየን ዝደልያ።
ዝደለኽዮ ነገር ክትዛረባ ትኽእላ ኢኽን ኣብዚ ቦታ።

ኣብ ሙንሸን ንኣንነት እዘን ኣማኸርቲ ትካል: Wüstenrose (PDF 3,3 MB).

ዓርከይ ምሳይ ዕርክነት ኣቋሪጻ (ወዲ 15)። ብጣዓሚ ፍቑራት ኢና ኔርና። ሕጂ ክጻወሮ ኣብዘይክእል ደረጃ በጺሐ ኣለኹ። ብጣዕሚ ተሳቕየ። ስለዚ እየ ደድሕሪኣ ንትምህርቲ ክትከይድ ዝከታተላን ንኽትምለሰኒ ዝጽዕርን ዘለኹ። ትማሊ ግን ከምዚ ክገብር ብሕጊ ኩልኩል እዩ ኢላትኒ። ሓቃ ድያ፧

እወ ሓቃ ኣላ። ብዘይ ድሌታ ክትከታተላ ኣይፍቀደካን እዩ።
ምስ ዓርክኻ ምፍልላይ ኩሉ ግዜ መሪር እዩ።
ፍቕሪ እንተ ኣለካ ኸኣሞ መሊሱ ዝገደደ ቃንዛ ኣለዎ።

ፍቑራት ንኽበሃል ግና ክልተ ሰባት ክኾኑ ኣለዎም።
ዓርክኻ ኽትፍለየካ ከላ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ከቢድ እዩ።
ምሳኻ ክትከውን ግን ክትግድዳ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ፍቕሪ ዝምቅር ኩሉ ግዜ ብኽልቲኡ ሸነኽ ድሌት ምስ ዝህልው እዩ።
እዚ ማለት ክልቴኹም ብሓንሳብ ክትኮኑ ክትደልዩ ኣለኩም።

ነዓካ እውን እንተተገድደካ ደስ ኣይምበለካን ነይሩ።
ብሕጊ እውን እንተ ኮነ ንሓደ ሰብ ምክትታል ፍቑድ ኣይኮነን።
እዚ ማለት፡ ብዘይ ድሌታ ደድሕሪኣ ምኻድ ማለት እዩ።

ብዝተኻእለ መጠን ነብስኻ ክትጥብራን ኣብ ካልእ ጉዳይ ኣቲኻ ክተረሳስዓን ፈትን።
ከምዚ ኩነታት ንምርሳዕ ክጠቕሙ ዝኽእሉ ነገራት፡
ምስ ካልእ ሰብ ብዛዕባዚ ምዝራብ።
ምናልባሽ ኣጸቢቕካ ምብካይ።
ስፖርታዊን ካልእ ንጥፈታት ምግባርን።