— ኣነ (17, ጓል ኣንስተይቲ) ኣብ መጻኢ ኣደ ክኸውን እደሊ። ስድራይ ግን ነዚ ኣይደልይዎን እዮም። ሓደስቲ ነገራት ኣብ ምምሃር ጸገማት ኣሎኒ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣይፍቀደለይን እዩ። እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ ኣደ ክኸውን ብሓቂ ኣይፍቀደለይን እዩ?

— ምናልባት ምስ ስድራኺ ብዛዕብኡ ክትዛረቢ ትደልዪ ትኾኒ።
— ሓገዝ ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ።
— ምናልባት ሓደ ትኣምንዮ ዓቢ ሰብ ክሕግዘኪ ይኽእል ይኸውን።
— እቶም ናይ ምኽሪ ቦታታት ዝበሃሉ እወን ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም።

— ኣብ ጀርመን ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ኣደ ክትከውን ትኽእል እያ።
— ንስኺ ግን ናይ ግድን ኣደ ክትኮኒ የብልክን።
— እቲ ውሳነ ቀሊል ኣይኮነን።

— ንስኺ ገና ንእሽቶይ ኢኺ።
— ነዚ ውሳነ ገና ነዊሕ ግዜ ኣሎኪ።
— ቀስ ኢልኪ እንተሓስብክሉ ጸገም የብሉን።

— እቶም ናይ ምኽሪ ቦታታት እውን ኣብ ውሳነ ምውሳድ ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም።
— ሓንሳብ ኣደ እንተደኣ ኮይንኪ፣
— ንኹሉ ግዜ ኣደ ኢኺ።
— ኣደ ምዃን ቀሊል ኣይኮነን።
— ሓገዝ ኣብ`ዚ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ፣ http://www.behinderte-eltern.de/Papoo_CMS/index.php?menuid=98
— ቆልዓ ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ይሓትት እዩ።
— ውላድኪ ክጥዕሞ ኣለዎ።
— ውላድኪ ሕጉስ እውን ክኸውን ኣለዎ።
— ሰብ እንተሓገዘኪ ጽቡቕ እዩ።

ኣነ (ጓል 15 ዓመት) ጥንሲ ምስ ሓዝኩ ኣስዲደዮ ነይረ። ካልኦት መማህርተይ ኣንቲ ቀታሊት ሰብ፡ ቆልዓ ቀቲልኪ ይብላኒ።

ቆልዓ ክትወልዲ ኣይደለኽን ምሽ
ጥንሲ ንኽቋረጽ ወሲንኪ እውን።
እዚ መሰልኪ እዩ።
ጥንሲ ምስዳድ ምቕታል ማለት ኣይኮነን።
ኣብ ጀርመን ሕግታት ምስዳድ ጥንሲ ኣሎ:
መዓስ እዩ ፍቑድ፧
መዓስ እዩ ኸ ዘይፍቑድ፧

ምናልባሽ ዘይርደኣኺ ኮምኡ ይብላ ይኾና።
ስለምንታይ ኮምኡ ከም ዝገበርኪ ክፈልጣ ደልየን ይኽዕና።

ክትብልየ ትኽእሊ ኢኺ፡
እቲ ንስኽን ትብልኦ ኣነ ክሰምዖ ኣይደልን እየ።
እቲ ንስኻትክን ትብልኦ ነዓይ የግሁየኒ ኣሎ።

ካልእ ክትብልዮ ትኽእሊ:
ንምንታይ ኮምኡ ገይረ ከረዳኣክን ይኽእል እየ።
ምናልባሽ ይርደኣኺ ይኾና ሽዑ።

ብምስዓም ክጥነስ ይከኣል ድዩ፧

ብምስዓም ጓል ክትጠንስ ኣይትኽእልን እያ!
ክጥነሰሉ ዝከኣል እንቲ እንኮ መንገዲ፡ እንተ ደኣ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ብልዕቲ ኣትዩ ወይ ድማ ኣብቲ ብልዕቲ ፈሲሱ እዩ።
ስለዚ ስጋዊ ርክብ ምስ ትፍጽም ጥራይ እዩ ዘጋጥም።
እዚ ከማን ብሉዕ መሸኒ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ብልዕቲ ዋላ ንሓጺር እዋን እንተ ኣትዩ ጥራይ እዩ።
ካብቲ መሸኒ ዘርኢ ይወጹ።
እዞም ዘርእታት ነታ እንቋቕሖ ጓል ኣንስተይቲ ከጫጭሕዎ ይኽእሉ።
ኣብ እዋን ጽግያት እውን ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ!
ክትጠንዚ ዘይትደልዪ እንተ ኮይንኪ ኩሉ ግዜ ብመከላኸሊ ተጠቒምኪ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም እዩ እቲ ውሑስ ኣገባብ።

ዝተፈላለዩ መከላኸሊ ጥንሲ ኣለዉ።
ኣስተምህሮ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ እንዳ ሓኪም ወይ ውን ኣብ ቤት-ምኽሪ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ኮንዶም ኣብ ኩሉ ቦታ ክግዛእ ይከኣል እዩ፡ ኣብ ሱፐር ማርኬት፡ ኣብ ፋርማሲ ወይ ዱኳን።
ውሑስን ካብ ካልኦት ሓማማት እውን ዝከላኸልን ኣገባብ እዩ።
ከኒና፡ ኣብ ማህጸን ዝኣቱው፡ ናይ ብልዕቲ ቀለቤት ዘኣመሰሉ ከኣ ሆርሞን ዘለዎም መከላኸሊ ጥንሲ እዮም።
ብሓኪም ጥራይ እዮም ድማ ተጻሒፎም ዝወሃቡኺ።

ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ከኣ ኣብ ፋርማሲ ብድሕሪ ስጋዊ ርክብ ዝውሰድ መድሃኒት ኣሎ።
“ሓደጋ” ክበሃል ከሎ፡ መከላኸሊ እንተ ዘይተጠቒምኪ ወይ ውን እንተ ኣጋጢሙ ማለት እዩ።
እቲ መድሃኒት ብድሕሪ ስጋዊ ርክብ ዝውሰንድ ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ጥራይ እዩ ክውሰድ ዝከኣል።

Text: pro familia München e.V.

ጥንሲ ሒዘ ኣለኹ። እቲ ቆልዓ ውን ክወልዶ ይደሊ እየ። ስለዚ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

እዚ ዓቢ ለውጢ ኣብ ሂወትኪ እዩ።
ብድሕሪ እዚ ዝመጽእ ባዕልኺ ክትውስኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ዓቢ ሓላፍነት ስለ ዝኾነ።
ይኹን ደኣምበር ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ኣብዚ ጉዳይ ክሕግዙኺ ዝኽእሉ።

ንነብስኺ ክትሓልይላ ኣገድሲ እዩ።
ከምኡ ውን ብዛዕባ ጥዕናኺ።
ብመጀመርያ ናብ ናይ ደቀንስትዮ ሓኪም ክትከዲ ኣለኪ።
ንሳቶም እኹል ትምህርቲ ክህቡኺ ኢዮም።
ብተወሳኺ እውን ከመይ ጌርኪ ጥዕናኺ ትሕልዊ ጠቓሚ ሓበረታ ክህቡኺ እዮም።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ጥንሲ ክኢላታት ኣማኸርቲ ኣለው።
ኣብኡ ንኹሉ ሕቶታትኪ ክምልሱልኪ ይኽእሉ እዮም።
ነዚኦም ንኣብነት ኣብዚ ኣድራሻ ትረኽብዮም።
http://www.zanzu.de/de/themen/schwanger-sein
http://www.familienplanung.de/beratung/beratungsstellensuche/
ወይ ሰብ ክሕግዘኪ ኣለዎ ኣድራሽኦም ክትረኽቢ።
እቲ ገጽ ብ ቋንቋ ጀርመን ጥራይ እዩ።
ምስ ኣቶርጓሚት እንተ ኬድኪ ዝምረጽ እዩ።

ጥንሲ ሒዘ፡ ኣነ ግን ክወልዶ ኣይደለኹን። እንታይ ተገበርኩ ይሕሸኒ፧

ቆልዓ ትወልድዮ ዲኺ ኣይትወልድዮን ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ።
ምስ ትኣምንዮ ሰብ ብዛዕባ እዚ ከተማኽርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
እቲ ውሳኔ ግን ናትኪ ኢዩ ዝኸውን።

ጥንሲ ከተቋርጺ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ጀርመን እዚ ፍቑድ እዩ።
እዚ ግን እቲ ህጻን ገና ድቂ ክሳብ ዘሎ እዋን ጥራይ እዩ።
እዚ ማለት፡ ቅድሚ ናይ ሰለስተ ወርሒ ጥንሲ ክሳብ ዝኸውን እዩ።
እንተ ደኣ ትሕቲ 18 ዓመት ኣለኪ እሞ ኸኣ ብ ኦፖረሽን መደንዘዚ ተወጊእኪ ክትሓርሲ ደሊኺ፡
ስድራኺ ወይ ኣለይትኺ ውን ምሳኺ ክውስኑ ኣለዎም።

ብቅድሚ እዚ ውን ኣብ ናይ ጥንሲ ግጭት ኣማኸርቲ ክኢላታት ክትከዲ ኣለኪ።
ኣብዚ ኣድራሻ ናይዞም ኣማኸርቲ ትረኽቢ፡ http://www.familienplanung.de/beratung/beratungsstellensuche
ዘፍርሕ ዋላሓንቲ የብሉን፡ ምሳኺ ክዘራረቡ ጥራይ እዮም።
ስለምንታይ ጥንሲ ክትሰዲ ከም ዝደለኺ ክትገልጽሎም ትኽእሊ ኢኺ።
ብድሕሪ እዚ ኣብኡ ከም ዝተሳተፍኪ ምስክር ክህቡኺ እዮም።
እቲ ምስክር ድማ ጥንሲ ንምስዳድ ከድልየኪ እዩ።
ጥንሲ ትሰድሉ ኣድራሻ ናይ ሓኪም ወይ ናይ ሕክምና ውን ክህቡኺ ኢዮም።
ኣብኡ ኬድኪ ክትሰድዮ ድማ እቲ ውሕስነት ዘለዎ ኣገባብ እዩ።
ካልእ ኣገባብ ክትጥቀሚ ከይትሓስቢ። ምኽንያቱ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ክትበጽሒ ስለ ትኽእሊ።

እቲ ድቂ ህጻን ምስ ዝኸውን ግን ክትወልድዮ ጥራይ እዩ ዘለኪ።
እቲ ህጻን ውን ን ካልኦት ስድራቤት ክትህብዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ቤት ጽሕፈት ዩገንድ ኣምት ውን ነቲ ህጻን ስድራቤት ክረኽበሉ ይኽእል ኢዩ።