ኣነ (16 ዓመት) ኣብ ሓደ ሓባራዊ መንበሪ ይቕመጥ። ኣብዚ ቦታ ኩሉ ግዜ ምሸት ኣብ ሰዓተይ ገዛ ክምለስ ኣለኒ። ተዘይኮይኑ ግና ናይ ገዛ ሕዩር ይኸውን። እዚ ቅኑዕ ድዩ፧

ኣላይኻ ኣብቲ ሓባራዊ መንበሪ ገዛ ክከናኸኑኻ ኣለዎም።
እዚ ማለት ኣብ ደገ ከተማሲ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት እዩ።
መጀመርያ ከምዚ ክብሉኻ ትኽክል እዩ:
ምሸት ኣብ ሰዓትካ ክትምለስ ኣለካ።
ምስ የዕሩኽትኻ ክትድሰት ግን መሰልካ እዩ።

ሓደ ሓደ እዋን እውን ግዜ ከይትግንዘብ ትኽእል ኢኻ።
ካብቲ ስምምዕ ወጻኢ እውን ዶንጊኻ ገዛኻ ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ።
ስለዚ እቶም ኣለይትኻ ትርር እንተበሉ ግጉይ ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ እዋን ከይፈተኻ ዶንጊኻ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ።
ንኣብነት ኣውቶቡስ ስለ ዝዶንጎየት።
ወይ ቆጸራኻ ቁሩብ ስለ ዝተመጠጠ።
ከምዚ እንተ ኮይኑ ክትግጻዕ ትኽክል ኣይኮነን።
ኣለይትኻ ከምዚታት ከይከውን ክግንዘቡ ኣለዎም።

ናይ ገዛ መሓዩር እንተ ኮይንካ ምናልባሽ ቅኑዕ ኣይኮነን።
እንተ ደኣ ብዘይግቡእ ተበዲልካ ሃገዝ ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ።
ንኣብነት ምስ ሞግዚኻ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

ኣነ (16 ዓመት) ብዘይ ወለደይ ኣብ ሓደ ናይ መናእሰያት መዕቆቢ ቦታ ይነብር። ብዙሕ ግዜ ምስ የዕሩኽተይ ክራኸብ ይደሊ። ግን ብዙሕ ቆጸራታት ኣለኒ። ኩሎም መዛኖይ ኣብ ጀርመን ዘለዉ ከምዚ ከማይ ግዜ ዘይብሎም ድዮም፧

ኩሎም ህጻናትን መናእሰያትን ኣብ ጀርመን ናይ ነጻ ግዜ፡ ጸወታን ደስታን መሰል ኣለዎም።
ንስኻ እውን ልክዕ ከምቶም ካልኦት እዚ መሰላት ኣለካ።
ኣለይትኻ እውን እዚ መሰላት ክግንዘብዎ ኣለዎም።

ይኹን ደኣምበር ንዓኻ እውን ግቡእ ክንክን ክገብሩልካ ኣለዎም።
ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ቆጸራታት ይግበረልካ።
ምናልባት ብዛዕባ ወረቐት መንበሪኻ ዝምልከት ናብ ቤት ጽሕፈት ክትከይድ ኣለካ።
ኣብዚ ዓዲ ንኽትቅመጥ ማለት እዩ።
ወይ ምስ ሞግዚትካ ክትዘራረብ ይህልወካ።
መታን እንታይ ክትሕዘካ ከም ዘለዋ ክትፈልጥ።
ወይ ዝኾነ ዶክመንት የድልየካ ይኸውን
መታን መንቀሳቐሲ ክትረክብ።

ገለ ቆጸራታት ከተኽብሮም ይግባእ ምኽንያቱ ብዘይ ወለዲ ስለ ኣብዚ ሃገር ትቕመጥ።
ስለዚ እዚ ቆጸራታት ኣለይትኻ ንበይኖም ከሳልጥዎ ኣይክእሉን እዮም።
እዞም ቆጸራታት ብዙሓት ኮይኖም ተሰሚዖሙኻ፧
ምስቶም ኣለይትኻ ብዛዕባ እዚ ነገር ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።
ወይ ድማ ሞግዚትካ ሕተታ።

ኣነ (ጓል 15 ዓመት) ካብ ሶርያ መጺአ ፍርቂ ዓመት ዝኣክል ኣብዚ ሃገር ይቕመጥ ኣለኹ። ናፍቖት ዓዲ ስለ ዘለኒ ብዙሕ ግዜ ይሓዝን። መን ክሕግዘኒ ይኽእል፧ ንዝኾነ ሰብ እውን ከሸግር ኣይደልን እየ።

ኣብ ጀርመን ንበይንኺ ኢኺ ዘለኺ።
ነዊሕ ናይ ስደት መንገዲ እውን ኣሕሊፍኪ ኢኺ።
ብርግጽ እውን ዘይምቹእን ኣሸጋርን እዩ ነይሩ።
ብዙሕ ኣጨናቒ ነገራት እውን ኣሕሊፍኪ ኢኺ።

ገና እኽልቲ ሰብ ኣይኮንክን ዘለኺ።
ሓገዝን ደገፍን ክግበረልኪ መሰል ኣለኪ።
ብተወሳኺ ድማ: ንኽትስምዒ መሰል ኣለኪ።
እዚ ማለት፡ ሰባት ክሰምዑኺ ኣገዳሲ እዩ።
ብዛዕባ እዚ ኩነታት ክትገልጺ እውን ኣገዳሲ እዩ።
እዚ ሓደ ካብቲ ናይ ውድብ ሑብራት ሃገራት መሰል ህጻናት እውን እዩ።
እዚ ማለት: እቶም ዝኣልዩኺ ሰባት ይሰምዑኺ ማለት ኣዩ።
እቲ ጠለባትኪ እውን የገድሶም እዩ።
ኣብዚ ሃገር ጽቡቕን ውሕስነትን ክስመዓኪ ድማ ይሕግዙኺ።

እዚ እንተ ዘይገይሮም ግን ዝኾነ ነገር ጌጋ ኣሎ ማለት እዩ።
ሓገዝ ከድልየኪ እዩ።
ናብ ትኣምንዮ ዓቢ ሰብ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብ ጀርመን ብዙሕ መሰላት ትሕተ ዕድመ ኣሎ ይበሃል? እዚ እንታይ ማለት እዩ?

ዳርጋ ኣብ ኩለን ኣህጉር ዓለም እዚ ናይ UN-መሰል ደቂሰባት ኣሎ።
ንሱ ከም ዝብሎ: ኩሉ ሰብ ክቡርን ኣገዳስን ብማዕረ ይርእን።
እተን ሃገራት ድማ ከምቲ ግቡእ ንኽሉ ሰብ ብሓደ መልክዕ ክርእይኦ ይግባእ።

እዚ መሰል ደቂ ሰባት እንኮላይ ንህጻናትን ትሕተ-ዕድመን ይምልከት።
ይኹን ደኣምበር ህጻናት ዝያዳ መሰላት እውን የድልዮም እዩ።
ንዚ ዝምልከት ውዕል መሰል ህጻናት ኣሎ።
ኩሎም ህጻናት ብጽቡቕ ክዓብዩ መሰል ኣለዎም።
ኩሎም ህጻናት ብውሕስ ክዓብዩ ኣለዎም።
ኩሎም ህጻናት ክተባብዑ ይግባእ።
ርእይተኦም ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ኩሉ ግዜ ክስምዑ ይግባእ።
እዚኦም ድማ እቶም መሰላት ህጻናት እዮም።

እዞም መሰላት ህጻናት ዳርጋ ኣብ ኩለን ኣህጉር ዓለም የገልግሉ።
እዞም መሰላት ድማ ህጻናት ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ክሳብ 18 ዕድመ ዝገብሩ የገልግሉ።
ዓበይቲ ድማ ነዞም መሰል ህጻናት ኣብ ተግባር ንኽውዕሉ ሓላፍነት ይወስዱ።
ኣብ ጀርመን እውን መሰል ህጻናት ኣገደስቲ መሰላት እዮም።
ኣዋልድን ኣወዳትን ከኣ ሓደ መሰል ኣለዎም።
ኩሉ ሰብ ኣብ ጀርመን ድማ መሰል ህጻናት ክሕሉ ይቕየድ።
ከም ትሕተ-ዕድመ መጠን እንታይ መሰል ኣለካ/ ኣለኪ?
ባዛዕባ እዚ ኣብ ካልእ እዋን ክንገልጾ ኢና።

ኣብ ጀርመን (15) ዕድመይ ከሎ ሽጋራ ከትክኽ ኣይፍቀደንን እዩ። ስለምንታይ? እዚ ናይ ትሕተ ዕድመ ሕጊ ኸ እንታይ እዩ?

እዚ ናይ ትሕተ ዕድመ ሕጊ መናእሰያትን ህጻናትን ካብ ሓደጋ ዝከላኸል ሕጊ እዩ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ግዳም ዝምልከት እዩ። እዚ ማለት ካብ ገዛኻ ምስ ትወጽእ።
ዓበይቲ መናእሰያትን ህጻናትን ሓደ ሓደ ነገራት ከይገብሩ ይኽልክሉ እዮም።
እንተ ዘይከልኪሎም ድማ መቅጻዕቲ ክወርዶም ይኽእል እዩ።

እቲ ሕጊ ህጻናትን መናእሰያት ትሕተ ዕድመን ፈላለዩ ይርኢ።

እንታይ እዩ ንዓኻ ዘይፍቀድ?
ካብ ሰዓት 23 ንንዮው ኣብ ባራት ከተምሲ ኣይፍቀደልካን እዩ።
ገንዘብ ክትበልዓሉ ትኽእል ናይ ቁማር ጸወታታት ክትጻወት ኣይፍቀደካን እዩ።
መስተ ክትሰትን ሽጋራ ከተትክኽን ኣይፍቀደካን እዩ።
ዝኾነ ፊልም “ንዕድሜኻ ዘይምልከት” ክትገዝእን ክትካረን ኣይፍቀድን እዩ።

ንዝኾነ ፊልም ናይ ዕድመ ገደብ ክረኣዮ ዝኽእል ኣለዎ።
ኣብቲ መኽደኒ ካሴት ከኣ ተለጢፍዎ ይርከብ።
እዚ ሕግታት ንናይ መጻወቲ ጌይም ናይ ኮምፕዩተር ከምኡ ‘ውን ናይ ሞባይል ገይም እውን ይምልከት።

ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ክትፈልጥ እንተደሊኻ ኣብዚ ተወከስ፡
https://www.rosenheim.de/fileadmin/Dateien/Jugendamt/Jugendschutztabelle_01.pdf
ንዓበይቲ: እዚ ሕጊ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብዚ ኣብታሕቲ ዘሎ ጌርኩም ንትሕተ ዕድመ ክትእዝዝሎም ትኽእሉ፡
http://www.drei-w-verlag.de/shop/shop/juschg-tabelle-in-6-sprachen.html

ኣነ (ጓል 15 ዓመት) ንበይነይ ክወጽእ ኣይፍቀደንን እዩ። መሓዙተይ ዝኾነ ነገር ክገብራ ከለዋ ኣነ ግን ወይ ይኣብየን ወይ ድማ ሓወይ ሒዘ ክኸይድ ኣለኒ። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ?

ምስ ስድራቤትኪ ብዛዕባ እዚ ክትዛራረብሉ ክትፍትኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ምኽንያቱ፡ ባዕልኺ ዝኾነ ነገር ክትገብሪ መሰል ኣለኪ ብሕጊ።
ሕጊ ትሕተ-ዕድመ ዝበሃል ነገር ኣሎ።
እዚ መሰል እዚ ንኹሎም ህጻናትን መናእሰያትን ኣብ መላእ ዓለም ዝምልከት እዩ።
ሰለስተ ካብዚ ሕግታት ንወለድኺ ክትሕብርዮም ትኽእሊ ኢኺ።

መሰልኪ ክሕለወልኪ ምሉእ መሰል ኣለኪ!
እዚ ማለት: ንስኺ እውን ልክዕ ከም ሓውኺ ብማዕረ ክትረኣዩ ኣለኩም።
ኣብ እዋን ዕረፍትኺ ክትዛወርን ከተዕርፍን መሰል ኣለኪ!
እዚ ማለት: ኣብ ዕረፍቲ እዋን እንታይ ትገብሪ ባዕልኺ ክትውስኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ናይ ውልቃዊ ብሑትነት መሰል እውን ኣለኪ!
እዚ ማለት: ንበይንኺ ግዜ ክህልወኪ ይግባእ፡ ዋላ እውን ምስ መሓዙትኪ።

ምናልባሽ ወለድኺ ኣይክሰምዑኽን ይኾኑ።
ምናልባሽ እውን ምስኦም ደፊርኪ ክትዛረቢ ይኸብደኪ ይኸውን።
ናብ ኣማኸርቲ ኣተዓባብያ ህጻናት ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።
ጸገማት እንተ ኣለዲ ከኣ ኣብኡ ንብሕትኺ ምኽሪ ክግበረልኪ ይከኣል እዩ።
ኣብቲ ቦታ ድማ እቲ ኣማኻሪ ምሳኽን ምስ ወለድኽን ክዛረብ ይኽእል እዩ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣማኸርቲ ትካላት ኣብዚ ትረኽቢ:
http://www.bke.de/?SID=00F-6B8-FCB-4F5
ኣብዚ መርበብ ኣድራሻኺ ምስ ትህቢ ኣብ ጥቃኺ ዘለው ቤት ጽሕፈታት ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ሓደ ዓርከይ (ወዲ 16 ዓመት) ከም ዘዕለለኒ: ኣብ ጀርመን ንጓል ኣብ መዓኮራ እንተ ሒዝካያ ወላሓንቲ ዝብለካ ሰብ የነን። እዚ ሓቂ ድዩ፧

እዚ ሓቂ ኣይኮነን።
ካብ ሕዳር 2016 ጀሚሩ ሓዲሽ ሕጊ እውን ወጺኡ ኣሎ።
ምናልባት ዓርክኻ ብዛዕባ እዚ ኣይፈለጠን ከይከውን።

ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ እምበኣር፡
ሰብ “ብዓይኒ ስጋዊ ርክብ” ንኻልእ ሰብ ብዘይ ድሌት ኣብ ሰውነቱ ክሕዝ ኣይፍቀድን እዩ።
“ብዓይኒ ስጋዊ ርክብ” ክበሃል ከሎ፡
እቲ ምትንካፍ ምስ ስጋዊ ርክብ ዝተሓሓዝ ዓይነት እንተ ኮይኑ።
እቲ ምትንካፍ ኣብ ናይ ስጋዊ ርክብ ቦታታት እንተ ኮይኑ።
ንኣብነት ኣብ መዓኮር፡ ኣብ ኣጥባት፡ ወይ ውን ኣብ መንጎ ሰለፍ።
እዚ “ምድፋር ብስጋዊ ርክብ” ወይ „sexuelle Belästigung“ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኩሉ ሰብ ባዕሉ እዩ ዝውስን ብኸመይ ክትንከፍ ከም ዝደሊ።
ኩሉ ሰብ ድማ ባዕሉ እዩ ዝውስን ኣበይ ክትንከፍ ከም ዝደሊ።
እዚ ድማ “ናይ ስጋዊ ርክብ ርእሰ-ውሳኔ” ወይ „sexuelle Selbst-Bestimmung“ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
እዚ መሰል ንኹሉ ወድ-ሰብ እዩ።
ዝኾነ ሰብ ነዚ ዝጥሕስ ድማ ክቕጻዕ ግድን እዩ።

ኣነ (ወዲ 16 ዓመት ወዲ) የሕዋተይ ኣዋልድ ምስ ኣወዳት ከይወጻ ክቆጻጸረን ኣለኒ። ኣብ ደገ እውን ስነ-ስርዓት ክገብራ ኣለወን። እዚ ከኣ ንስድራይ ክብረት እዩ። ስለዚ ነዓይ ሓላፍነት ሂቦምኒ ስድራይ ነሕዋተይ ክሕሉ። እዚ ግን ነዓይ ከቢድ እዩ ስለዚ እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፧

ነሕዋትካ ምሕላው ከቢድን ዓቢ ሓላፍነትን እዩ።
ንኣሕዋትካ እውን ኣይምቹእን እዩ።
ንዓኻ እውን ሂወትካ ኮነ መዓልትኻ ከም ድላይካ ከተስተማቕሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ክብረት ወለዲ ኣብ ብዙሓት ስድራቤት ኣገዳሲ እዩ።
ንዓኻን ንስድራቤትካን ክብረት እንታይ ማለት ምዃኑ ሕሰብ።
ብፍላይ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
ሓፍትኻ ምስ ሓደ ወዲ እንተ ወጺኣ እንታይ ትገብር፧
ሕማቕ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ከምዚታት ንውላዶም ዘጋፍዑ ስድራቤት ኣለዉ።
ክሃርምወን ከለዉ ድማ ንኽብረት ስድራቤት እዮም ዝብሉ።
ክብረት ግን ብግፍዕን ማህረምትን ክትካእ ኣይክእልን እዩ።

ካልኦት መናእሰያት ከምዚ ዘኣመሰለ ናይ ክብረት ዕዮ ምውሳድ ዝኣበዩ ኣለው።
“ክብረት ነዓይ፡ ንነጻነት ሓፍተይ ክቃለስ ከለኹ እየ” ዝብሉ እውን ኣለዉ።
ብኸምዚ እውን ክብረት ክርእ ይከኣል እዩ።
ምናልባት ንዓኻ ክትሓስበሉ እውን ይጽግመካ ይኸውን።
ምናልባት ሓገዝ ካብ ካልኦት መናእሰያት የድልየካ ይኸውን።
ምስ ፍሉይ ኣረኣእያ ዘለዎም መናእሰያት ብዛዕባ ክብረት ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።
ምናልባት ይሕጉዝኻ ይኾኑ ክብረት እንታይ ምዃኑ ንዓኻ ንኽትውስን።
ኣብዚ ኣድራሻ ኣለካ፡
www.heroes-net.de (ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት)
http://www.aufbruch-neukoelln.de/

ኣነ (ጓል 16 ዓመት) ቅድሚ ሕጂ ስጋዊ ርክብ ስለ ዝገበርኩ ድንግልናይ ኣፍሪሰዮ። ኣብ ስድራቤተይ እዚ ከም ክብረትካ ምቕንጣጥ እዩ ዝቑጸር። ስለዚ ስደራይ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ከይፈልጡ ብጣዕሚ እየ ዝፈርህ። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፧

እዚ ጉዳይ ንዓኺ ከቢድ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ።
ስለዚ እዚ ዝስዕብ ክትፈልጢ ኣገዳሲ እዩ፡
ክብረት ሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዝተፈላለየ መዕቀኒ ኣለዎ።

ኣብ ጀርመን ንኣብነት ክብረት ዘቐንስ ነገር:
ሕጊ ወይ ስርዓት ዘይተኽብር ምስ ትኸውን
ህጻናት ወይ ደቀንስትዮ ዝወቅዕን ዝጋሰስን
ክብረት ምህላው ማለት ድማ፡ ንዝተሸገረ ሰብ ምሕጋዝን ምትሕብባርን እውን ማለት እዩ።

ኣብ ካልእ ባህልታት ድማ ክብረት ብኻልእ መዳይ ይትመን:
ኣብ ገሊኡ ባህሊ ክብረት ማለት፡ ጓል ክሳብ ሓዳር ትገብር ብድንግላ ክትጸንሕ ከላ እዩ።
ወይ ድማ ጓል ኮነ ወዲ ተባዕታይ ስድራቤታ ዘምጽኡላ ወይ ዘምጽኡሉ ሰብ ክምርዖ ከሎ ማለት እዩ።
እዚ ውሳኔታት ባዕልኺ ክትውስንዮ ኣለኪ።
ናይ ውልቅኺ መሰል እዩ እዚ!
ዋላሓደ ሰብ መሰልኪ ክግህዘኪ ኣይክእልን እዩ።

ስድራቤትኪ ካልእ ርእይቶ እንተለዎም ወይ ጸቕጢ ዝገብሩልኪ እንተ ኮይኖም ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ብሰንኪ ምፍራስ ድንግልናኺ ስድራቤትኪ ጸቕጢ ክገብሩ ግቡእ ኣይኮነን ኣብዚ ሃገር።
ሓገዝ ትረኽብሉ ኣድራሻ:

http://www.scheherazade-hilft.de/

http://www.imma.de/einrichtungen/fachstelle-zwangsheirat/kontakt.html

https://profamilia.sextra.de/pages/sextra/beratung/onlineberatung/fragen/

http://www.fpz-berlin.de/

ኣነ ጓል 16 ዓመት እየ። ቅድሚ ቁሩብ ሰሙናት እየ ድማ ናብ ጀርመን መጺእ። ኣብዚ ኩሉ ነገር ሓዲሱኒ። ኣዋልድን ደቀንስትዮን ከመይ ይነብራ ኣብዚ ሃገር፧

ብዙሕ ነገር ኣብዚ ሃገር ፍልይ ይብል።
ኣዋልድን ኣንስትን ምስ ኣወዳትን ኣሰብኡትን ሓደ ዓይነት መሰል ኣለወን።
እዚ መሰል እዚ ንኹለን ኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ጀርመን ዝነብራ ይምልከት።
ን ደቀንስትዮ እዚ መሰላት ክትፈልጥኦ ኣገዳሲ እዩ።
ትፈልጥዮ ዲኺ እዚ መሰላት፧

ቁሩብ ኣብነታት፡
ክትመሃርን ቤት ትምህርቲ ክትከድን መሰኪ እዩ።
ዝደለኽዮ ዓይነት ስራሕ ክትሰርሒ ትኽእሊ ኢኺ።
ዕድመኺ ምስ ዝኣክል ውን ንበይንኺ ክትገሺ ትኽእሊ ኢኺ።
ንነብስኺ ዝበቅዕ ትብልዮ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ።
ክትምርዓዊ ወይ ከይትምርዓዊ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ።
ዓርኪ ክትሕዚ ወይ መሓዛ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ።
ደስ ዝበለኪ ዓይነት ኣከዳድና ክትክደኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ምስ ደስ ዝበለኪ ሰብ ክትወጺ ትኽእሊ ኢኺ።

ንኹሎም ኣወዳትን ሰብኡትን ውን ሕግታት ክትፈልጡ ኣገዳሲ እዩ።
ነቶም ሕግታት ውን ከተኽብርዎም ይግባእ።

ኣብዚ ኣድራሻ ድማ ብዛዕብኡ ዝተፈላለዩ ሓበሬታ ትረኽቡ።
ናይ ሓበሬታ ጽሑፋት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣሎ። (ብ ኣልባንያ፡ ዓረብ፡ ቦዝንያ፡ እንግሊዝ፡ ፋርሲ፡ ዳሪ፡ ፈረንሰኛ፡ ሰርብያ፡ ሶማል፡ ከምኡ ውን ካልኦት ሓደስቲ ቋንቋታት ክጽንበረኦ እየን)
http://wie-kann-ich-helfen.info/geh-deinen-weg-deine-rechte-als-frau-in-deutschland-infoflyer-fuer-weibliche-fluechtlinge/3063
እቲ ጽሑፍ ኩሉ ንበብዎ።
መሰላት ደቀንስትዮ ኣብዚ ሃገር ክትፈልጦ ኣገዳሲ እዩ ነዓኻ።