ኣነ ወዲ 15 ዓመት ወዲ ኢየ። ከም ዝመስለኒ ን ሓደ ወዲ ፈተዮ ኣለኹ። እዚ ኩልኩል ድዩ፧ እንታይ ክገብር ይኽእል፧

ሰብ ምፍታው ጽቡቕ ስምዒት እዩ ኣብ ጀርመን ድማ ንመን ብዘየገድስ ፍቑድ እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ሓንቲ ጓል ንኻልእ ጓል ተፍቅር።
ሓደ ሓደ እዋን ድማ ወዲ ንኻልእ ወዲ የፍቅር።
እዚ ጸገም የብሉን።
ኩልኩል ውን ኣይኮነን፡፣

ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራትን ሃይማኖትን ሓጢኣት ምዃኑ ሰባት ይዛረቡ።
ምናልባት ብሰንኪ እዚ እውን ስሚዒትካ ሕማቕ እዩ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።
ምናልባት ብሰንኪ እዚ እውን ከተፍቅር ኣይትደልን ትኸውን።
ሓደ ነገር ክትፈልጦ ዘለካ ግን፡
ስምዒታትካ ተፈጥራዊ ባህርያት ድኣምበር ሓጥኣት ከምዘይኮነ ክንሕብረካ ንፈቱ።
ስምዒታቱ ባዕሉ ክመርጽ ዝኽእል ሰብ የለን።
ስለዚ ስምዒትካ ሕማቕ ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ነገራት ንሰብ እንተ ገሊጾም ይፈኽሶሎም።
ንሰብ ብዛዕባ እዚ ምንጋር ግን ቀሊል ኣይኮነን ብዙሕ ሓቦ ውን ይሓትት።
ምናልባት ንተኣምኖ ሰብ ብዛዕባ ምፍቃር ወዲ ከተዕልሎ ትኽእል ኢኻ።
ኣብዚ መርበብ ኢንተርነት ዘድሊ ሓገዝ ትረክብ ኢኻ: www.sextra.de

ወዲ ሓትነይ (22 ዓመት ዘለዎ) ንዓይ (ጓል 13 ዓመት) ኣብ መንጎ ኣስላፈይ ተንኪፉኒ። ከምዚታት ኣይደለኹን ኣነ። ስለዚ እንታይ የጋጥም ንሰብ እንተ ነጊረ፧

ወዲ ሓትነኺ ከምዚ ክገብር ኣይግባእን ኢዩ።
ኣብቲ ናይ ክብረትኪ ቦታ ክትንክፈኪ ዝፍቀዶ ሰብ ዋላሓደ የሎን።
ጓል ዲያ ወዲ ብዘየገድስ።
ኣብርእሲኡ ድማ ህጻን ኢኺ።
ኣብ ጀርመን እዚ ተግባር ኩልኩል እዩ።
ምስ ዓበኺ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ መን ክትንክፈኪ ይኽእል።

እዚ ጉዳይ ን ኣላዪኺ ክትነግርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ሓገዝ ክገብሩልኪ ይኽእሉ ኢዮም።
መታን ካልኣይ ግዜ ከምዚታት ከይድገም።
ኣብ ኣማኸርቲ ኪኢላታት ኬድኪ ውን ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣገዳሲ ነገር ግን፡
ናትኪ ጌጋ ኣይኮነን
ትቕጽዕሉ ምኽንያት የብልክን
ወዲ ሓትነኺ ውን ክቕጻዕ ይኽእል ኢዮ እንተ ደኣ ደሊኺ።
ኣብ ፖሊስ ኬድኪ እንተ ኸሲስክዮ ማለት እዩ።
ብዛዕባ እዚ ውን ኣማኸርቲ ክተሓባበሩኺ ይኽእሉ ኢዮም።

ኣነ ወዲ 14 ዓመት እየ። ሓደ ኣላዪየይ ኩሉ ግዜ ክስዕመኒ ይደሊ። ኣነ ግነ ከምዚታት ከፈንፍነኒ መዓይ እዩ። ስለዚ እንታይ ክገብር ይኽእል፧

ኣላዪኻ ክስዕመካ ኣይፍቀድን እዩ።
ኣብዚ ሃገር ክሕገዙ ዘለዎም ሰባት ክትጥቀመሎም ኣይፍቀድን እዩ።
ክሕገዙ ዘለዎም ሰባት ማለት፡
ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ሓገዝን ክንክን የድልዮ።
ስለዚ እዚ ኣላዪ ጌጋን ኩልኩል ነገርን ጌሩ።
እስኻ ክትሰዓም ከምዘይትደሊ ሓብሮ።
እዚ ንሱ ክኽበሎ ናይ ግድን እዩ።

እንተኣብዩካ ሓገዝ ድለ።
ንካልእ ኣላዪ ወይ ኣላዪት ወይ ወኪል ስዳራኻ ሓብር።
እሳቶም ውን እንተዘይሓጊዞምኻ ካልኦት ሰባት ድለ።
ክሳብ ዝኾነ ሰብ ዝሕግዘካ።

እቲ ቐንዲ ነገር ግን፡
ስሚዒትካ ቅቡል እዩ
ብሰንኪ እዚ መቕጻዕቲ የብልካን
ኣይደልን ክትብል መሰልካ እዩ።

ሰብ ብስጋዊ ርክብ ተጋሲሱኒ። መን ክሕግዘኒ ይኽእል፧

ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ሃገር መንእሰያት ይሕግዙ።
ኣብ ናይ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ይሰርሑ።
ማህረምቲ ምስ ዝወርደኩም ውን ይሕግዝኹም እዮም።
ኣብ ናይ ስጋዊ ርክብ በደላት ውን ይተሓባበሩ።

እቲ ምኽሪ ብነጻ ኣገልጉሎት እዩ።
ምሳኻ ኮይኖም እቲ ዘሓሸ ፍታሕ የናድዩ።

ኣብዚ ኣድራሻ ድማ ትረኽቦም
http://www.zanzu.de/de/hilfe

https://www.hilfeportal-missbrauch.de/nc/adressen/hilfe-in-ihrer-naehe/kartensuche.html?tx_nxshelpdesk_helpdesk[institutionType]=21
ኣብዚ ኣድራሻ ናይ መናእሰያት ስደተኛታት ኣማኸርቲ ውን ኣለው።
እዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ ግን ብጀርመን ጥራይ እዩ።

መብዝሕቲኡ ግዜ ድማ ቆጸራ ክትገብሩ ኣለኩም።
ሰብ ክሕግዘኩም ይኽእል ተኾይኑ ሕተቱ። ብዙሓት ኣተርጎምቲ ሒዞም ይመጹ እዮም።
ኣቶርጓሚ ተዘይብልካ፡ ቋንቋ ዝኽእል ሰብ ሒዝኪ ኪዲ።

ስጋዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻም ገንዘብ ተቐቢለዮ። እዚ ኩልኩል ድዩ፧

ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ኩንኪ።
ኣብዚ ዕድመ ንስጋዊ ርክብ ገንዘብ ክኽፍለኪ ኣይፍቀድን እዩ።
እዚ ኣብ ጀርመን ኩልኩል እዩ።

ሕማቕ ነገር ግን ኣይገበርክን።
ኣስተውዕሊ! ስለ ኸምዚ ዝገበርኪ ኣይክትቅጽዕን ኢኺ።
እቶም ምሳኺ ስጋዊ ርክብ ዝፈጸሙ ግን ጌጋ ተግባር ኢዮም ኣተግቢሮም።
ንሳቶም ክቕጽዑ ይኽእሉ ኢዮም።

ካልኣይ ግዜ ክትደግምዮ ኣየድልየክን ኢዩ።
ናብ ፖሊስ ውን ክትሕብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብዚ ሃገድ ድማ ፖሊስ እዚ ተግባር እዞም ሰባት ከይደግሙ ይተሓባበሩኺ።

ብዛዕባ እዚ እንተተማማዪጥክሉ ጽቡቕ እዩ።
ምናልባት ብድሕሪ እዚ ነዓኺ ውን ይፎኽሶኪ ይኸውን እዩ።
ነዚ ክትገልጽሉ ትኽእልሉ እሙን ሰብ ድለዪ።
ስለ ከምዚ ዝገበርኪ ክጸልኣኪ ዘይክእል ሰብ።

ናይዚ ጉዳይ ኣማኸርቲ ቦታታት እውን ኣሎ።
ንደቂ መንእሰያት ተባዕትዮ: http://www.marikas.de/
ን መንእሰያት ደቀንስትዮ: http://www.mimikry.net/
ንኹሎም: http://www.jadwiga-online.de/kontakt.php
ን ደቀንስትዮ : http://www.solwodi.de/33.0.html?&L=0%3FkeepThis%3Dtrue

ጥንሲ ሒዘ ኣለኹ። እቲ ቆልዓ ውን ክወልዶ ይደሊ እየ። ስለዚ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

እዚ ዓቢ ለውጢ ኣብ ሂወትኪ እዩ።
ብድሕሪ እዚ ዝመጽእ ባዕልኺ ክትውስኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ዓቢ ሓላፍነት ስለ ዝኾነ።
ይኹን ደኣምበር ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ኣብዚ ጉዳይ ክሕግዙኺ ዝኽእሉ።

ንነብስኺ ክትሓልይላ ኣገድሲ እዩ።
ከምኡ ውን ብዛዕባ ጥዕናኺ።
ብመጀመርያ ናብ ናይ ደቀንስትዮ ሓኪም ክትከዲ ኣለኪ።
ንሳቶም እኹል ትምህርቲ ክህቡኺ ኢዮም።
ብተወሳኺ እውን ከመይ ጌርኪ ጥዕናኺ ትሕልዊ ጠቓሚ ሓበረታ ክህቡኺ እዮም።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ጥንሲ ክኢላታት ኣማኸርቲ ኣለው።
ኣብኡ ንኹሉ ሕቶታትኪ ክምልሱልኪ ይኽእሉ እዮም።
ነዚኦም ንኣብነት ኣብዚ ኣድራሻ ትረኽብዮም።
http://www.zanzu.de/de/themen/schwanger-sein
http://www.familienplanung.de/beratung/beratungsstellensuche/
ወይ ሰብ ክሕግዘኪ ኣለዎ ኣድራሽኦም ክትረኽቢ።
እቲ ገጽ ብ ቋንቋ ጀርመን ጥራይ እዩ።
ምስ ኣቶርጓሚት እንተ ኬድኪ ዝምረጽ እዩ።

ሓደ ዝፈልጦ ሰብ የፍቅረካ ኢሉኒ ኣነ ግን ኣይፍቅሮን ኢየ። እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

ምናልባት ንሱ ይሓዝን ይኸውን
እስኺ ውን ትድንግጽሉ እኾኒ።
ዋላ ውን መሓዙት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም።
ይኹን ደኣምበር ቕንዕና ክህልወኪ ኣለዎ።
ብጋህሪ ክትዛረቢ ኣለኪ
„ኣየፍቅረካን ኢየ“ በሊ

ሓደ ሓደ እዋን ውን ስምዒትኪ ክቕየር ይኽእል እዩ።
ምናልባት ኣብ መጀመርያ ኣፍቂርኪ ኔርኪ ትኾኒ
ሕጂ ግን ፍቕርኺ ወጺልኪ ይኸውን።
እዚ ውን ንቡር እዩ።

ክትገብርዮ ዘይትደሊ ነገር ምግባር ኣየድልየኪን ኢዩ።
እቲ ዓርክኺ ውን ይሓርቕ ወይ ይሓዝን ይኸውን
ይኹን ደኣምበር ውሳኔኺ ከኽብር ናይ ግድን እዩ።
ስምዒትኪ ከም ዝተቐየረ ክቕበሎ ኣለዎ።
ስምዒት ወድ ሰብ ከተገድዶ ኣይከኣልን እዩ።

ኣነ ጓል 14 ዓመት ኢየ። ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ይከኣል ድዩ፧

ኩሉ ምትንኻብ ኣብ ናይ ስምዒታዊ ከባቢ „ሴክስ“ ኢልና ንሰምዮ።
እዚ ኣብ ጀርመን ቅድሚ መርዓ ብመሰረቱ ፉቑድ እዩ።
ግን ክልቲኦም ጽምዲ ፍቓደኛታት ክኾኑ ኣለዎም።
ስለኢ ስጋዊ ርክብ እንተ ዘይደሊኻ ውን ጸገም የለን።

እዚ ኣብ ጀርመን ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ውን ኣሎ።
ንሰብ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ምግዳድ ኩልኩል እዩ።
ንዓኻ ውን ዝግድደካ ሰብ ክህሉ የብሉን።
ኩሉ ግዜ ኣይደልን ኢየ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ሓሳባትካ ውን ክትቅይር ትኽእል ኢኻ።
ምናልባት ድሒርካ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ትደሊ ትኸውን።
ስለዚ ድርቕ ምባል ኣየድልየካን እዩ።
ደቂ ሰባት ኩሉ ጊዜ ስጋዊ ርክብ ክገብሩ ድሌት የብለሙን።
ሓደ ሓደ ጊዜ ደስ ይብሎም ሓደ ሓደ ጊዜ ግን ኣይደልዩን።
እዚ ኸኣ ንቡር እዩ።

ንስኺ ብጣዕሚ ንእሽቶይ ኢኺ ዘለኺ።
እንታይ ትደልዪ ኣጸቢቕኪ ሕሰብሉ።
ኣብ ስዒቡ ዘሎ ጽሑፋት እቲ ትኽክል ናይ ስጋዊ ርክብ ናይ ዕድመ ዶብ ተገሊጹ ኣሎ።

ሓንቲ ጓል ኣፍቂረ ሞ ምስኣ ውን ዝምድና ክገብር ድሌተይ ኢዩ። ስለዚ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

ሰብ ከተፍቅር ጽቡቕ ነገር እዩ።
ብዙሕ ጊዜ ውን ምስኣ ከተሕልፍ ትደሊ።
ከም ትፈትዋ ውን ክትገልጸላ ትደሊ።
እዚ ድማ ጽቡቕን ንቡሩን ኢዩ!

ሓደ ሓደ ግዜ ውን ግዜ በሊዕ ኢልካ ትሓስብ።
ምናልባት እሳ ውን ትፈትወካ ትኸውን።
ምናልባት ውን ርግጸኛ ኣይኮነትን።
ምናልባት ድማ ኣየፍቀረትን ትኸውን።

ድሌት ናይቲ ካልእ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።
እንታይ ከም ትደሊ ኩሉ ግዜ ክትነግር ትኽእል ኢኻ።
ስምዒትካ ውን ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ።

እታ ጓል እንታይ ከም ትደሊ ሕተታ
ንሳ ውን ባዕላ ስሚዒታን ድሌታን ክትነግረካ ኢያ።
እንተ ዘይደልያ ድማ ክትትንክፋን ክትስዕማን መሰል የብልካን።
ንስኻ ተዘይደሊኻ ውን ንሳ ክትትንክፈካን ክትስዕመካን መሰል የብላን።

ሓንቲ ጀርመናዊት ዓርኪ ይደሊ ኣለኹ። እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

ኣብዚ ሃገር ጓል ኣንስተይቲ ብኸመይ ክትላለያ ትኽእል፧
ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስፖርት፡ ኣብ ክለባት፡ ዲስኮን ፓርቲን።
የዕርኽቱኻ ጓል የላልዩኻ።

ኣዋልድን ኣወዳትን ክዘናግዑ ይደልዩ።
ኣከዳድነእን ውን ካብቲ ንስኻ ትፈልጦ ፍልይ ክብል ይኽእል ኢዩ።
ኣብዚ ዓዲ ዋላሓንቲ ጸገም የለን።
በከዳድነእን ሕማቕ ሰብ ማለት ኣይኮናን።

ክብረት ይጽበዩ እዮም።
ዋላ ቃልዕ ክዳይ ይከደና እምበር ወዲ ክሕዘን ኣይደልያን እየን።
ምሳኻ ብዙሕ ከዕልላ ይደልያ።

መብዝሕተኦም ኣወዳትን ኣዋልድን ነንሕድሕዶም ይከባበሩ እዮም።
ክረዳድኡ ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ይረኣኣዩ።
ብድሕሪ እዚ ይፋቐሩ።
ብድሕሪ ናይ ክልቲኦም ውሳኔ ውን ይሰዓዓሙ።