ኣነ (ጓል 15 ዓመት) ንዓርከይ ሓንቲ ስእሊ ናተይ ምስ ሞታንታይ ሰዲደሉ። ንሱ ድማ እታ ስእሊ ንሓደ ዓርኩ ኣርእይዋ። እቲ ዓርኩ ድማ ንቡዝሓት ደቂ ክላሰይ ኣርእይዋ። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ?

ምናልባሽ ካልኦት ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ይሓስቡ ኢልኪ ብዙሕ ትጭነቒ ትኮኒ።
ምናልባሽ ንዓርክኺ ጸሊእክዮ ወይ ተቐይምኩሉ ትኾኒ።
ዘለኪ ስክፍታታት ግን ንበይንኺ ኣይትግበርዮ!
ካብ ዓበይቲ ሰባት ንመን ክትኣምኒ ትኽእሊ?
ነቲ ትኣምንዮ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንገርዮ።
ንሱ ወይ ንሳ ድማ ክትሕግዘኪ ትኽእል ትኸውን

ክፍለጥ ዘለዎ ኣገዳሲ ነገር ግና:
ብዘይ ናትኪ ፍቓድ ስእልኺ ንወልሓደ ሰብ ከመሓላልፍ መሰል የብሉን።
ስእልኺ ኣብ ኢንተርነት ክትደልያ ትኽእሊ ኢኺ።
ሽምኪ ኣብ ጉግል ትህቢ።
ኣብ ዝኾነ መርበብ ኢንተርነት ስእልኺ እንተ ረኺብክያ ድማ:
ነቶም መርበብ ኢንተርነት ጸሓፍሎም።
እዛ ስእሊ ብቕልጡፍ ክትድምሰስ ኣለዋ ናተይ ስለዝኾነት በልዮም።
ንመማህርትኺ ድማ:
እታ ስእሊ ናብ ዝኾነ ኣካል ክትመሓላለፍ የብላን በልዮም።
ትኣምንዮ ሰብ ክሕግዘኪ ድማ ጸውዒ።
ምስ ካልእ ክኢላ ክትዛረቢ ደሊኺ ወይ ሕቶታት እንተለኪ:
ኣማኸርቲ ኣብዚ ትረኽቢ www.save-me-online.de .
እቲ ምኽሪ ብነጻ ክፍሊት የብሉን ስምኪ ምርቋሕ እውን ኣየድልየክን እዩ።

ኣነ ወዲ 15 ዓመት እየ። ሓደ ሰብኣይ ድማ በዲሉኒ። ኣብ ማእከል ኣስላፈይ ሒዙኒ። ዘይደልዮ ነገር። በዛ ኩነታት እዚኣ ብዙሕ ይሓስብ። ሕጂ ሓንቲ ዓርኪ ገይረ ኣለኹ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብኸመይ ምስኣ ክዘራረብ ይኽእል፧

እዚ ጉዳይ ከም ዘተሓሳስበካ ርዱእ እዩ።
ብዙሓት ሰባት ብከምዚ ዓይነት ሕሉፍ ተግባራት ብዙሕ የሕስቦም እዩ።
ምናልባሽ ሕጂ ብዝያዳ ብዛዕብኡ የሕስበካ ይኸውን።
ምኽንያቱ ምስ ዓርክኻ ጥቡቕ ርክብ ስለ ዝጀመርኩም።
ምናልባሽ ኣብ ጥቕኣ ክትከውን እንከለኻ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ይህልወካ ይኸውን።
ምናልባሽ ክትነግራ ወይ ከይትነግራ ኣይወሰንካን ትኸውን።

ክትነግራ ደሊኻ ኣለኻ፧
ኣብ ኣካላታ ምስ ቀረብካ ካብኣ እንታይ ኢኻ ትደሊ፡ መጀመርያ ሕሰበሉ ኣጸቢቕካ።
ብድሕሪኡ ድማ እንታይ ኢኻ ክትብላ ትደሊ፧
ምናልባሽ እዞም ቃላት ይሕግዙኻ ይኾኑ:
ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ዓቢ በደል ኣብ ልዕለይ ፈጺሙ።
ስለዚ ዘዘኻኽሩኒ ነገራት ክገብር ኣይደልን እየ።
ሓደ ሓደ እዋን እቲ ምትሕቑቓፍ እውን ቀልጢፈ ከቛርጾ ይደሊ።
እዚ ግን እቲ ነገራት ስለ ዝዝከረኒ እዩ።
ምሳኺ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን።
ክሳብ ክንደይ ክትገልጸላ ከም ትደሊ ክትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ኣገዳሲ ነገር: ንዓኻ እውን ዘሰቅቕ ክኸውን የብሉን።
ምናልባሽ ካብኣ ትደልዮ ነገራት ክትሓታ ትኽእል ኢኻ።

ኣነ (ጓል 17 ዓመት) ትማሊ መስተ ጥዒመ። ደሓር ዓርከይ ኣብ ኣጥባተይን ኣብ መንጎ ኣስላፈይን ተናኺፉኒ። ኣነ ግን ደስ ኣይበለንን። ግን ክዛረብ ኣይከኣልኩን መልሓሰይ ተለዂቱ ስለ ዝነበረ። መሓዛይ ከም ዝነገረትኒ ግን መስተ ስለ ዝሰተኹ እየ ምዝራብ ስኢነ። ስለዚ ኣነ ድየ ገገኛ፧

ብርግጽ! ገገኛ ኣይኮንክን።
ከምዚ ምስ ዘጋጥም ንነብስኺ ከም ገገኛ ክትቆጽርያ ኣይግባእን።
እንተ ዘይደሊኺ ዝኾነ ሰብ ክትንክፈኪ ኣይግበኣን።

ሓደ ሓደ እዋን ሕማቕ መዓልቲ ኣሎ።
ዋላ እውን ምስ ትፈልጥዮ ሰብ!
ሓደ ሓደ እዋን ኣብ መጀመርያ ጥዑም ምሸት ኮይኑ ይጅምር።
ጸኒሑ ግን ዘይትደልይዮ ነገራት የጋጥሙ።
እቲ ቅኑዕ ስምዒትኪ ዝበሎን ዝደልዮን ጥራይ እዩ!
ዋላ እውን ሕጊ ዝብሎ:
ምስዓም፡ ምትንኻው ወይ ስጋዊ ርክብ ምስ ዘይደልዮ ሰብ ወይ ምስ ዘይትደልዮ ሰብ ምግባር ኩልኩል እዩ።
ዋላ እውን ኣብታ እዋን ኢቲኣ ብግልጺ ክትዛረቢ ኣይትኽኣሊ።
ዋላ እውን ሰቲኺ አምቢ ምባል ስኢንኪ እንተለኺ።
እቲ ዝግበር ዘሎ ነገር ደስ ይብለኪ ኣሎ ድዩ የለን ንምርድኦም ኣጸጋሚ ኣይኮነን።

ኩሉ ግዜ ሓገዝ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ምዩኒክ ንኣብነት IMMA Beratungs-Stelle ኣማኸርቲ ኣለው: http://www.imma.de/einrichtungen/beratungsstelle/kontakt.html
ኣብ መላእ ጀርመን ድማ ኣዋልድን ኣግባዝን ሓገዝ ክረኽብሉ ዝኽእሉሉ ኣብዚ ትረኽቡ: https://www.zanzu.de/de/hilfe-beratung

በቐዳማይ ኣብ ሓደ ፓርቲ ከይደ ነይረ (ጓል 16 ዓመት) ኣብ መንጎ ክዝክሮ ዘይክእል „Filmriss“ ነገር ኣሎ። እቲ ዝገርም መስተ ዝበሃል ነገር ኣይጠዓምኩን ሓሺሽ እውን ኣይወሰድኩን። እንታይ ኮይነ ክበሃል ይከኣል፧

ከምዚ ዓይነት ተረሳዒ ህሞት ዘሻቕል ነገር እዩ።
ምኽንያቱ ዘጋጠመ ነገራት ፍጹም ኣይዝከረክን ማለት እዩ።
ዋላ እውን ከይደቀስኪ ከለኺ።

ምናልባሽ መሓዙትኪ ዘጋጠመኪ ኩነታት ይፈልጣ ይኾና።
መጀመርያ ንዓተን ሕተትየን።
ደሓር ናብ ሓኪም ክትከዲ ይግባእ።
ሓሚምኪ ከይትህልዊ ክትርኤኪ ትኽእል እያ።

ዝኾነ ሰብ ዕጸ-ፋርስ ኣብቲ ትሰትይሉ ዝነበርኪ ብርጭቆ የእትይሉ ክኸውን ይኽእል እዩ።
መብዝሕትኡ ግዜ እዚ ነገር „K.O.-Tropfen“ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ዝኾነ ጣዕሚ ወይ ሽታ የብሎምን።
ኣብ ትሰትይዮ ነገር ሓቢኦም የንጥቡልኪ።
ሓይልኺ ይደኽመኪ ነብስኺ ክትኣልዪ ኣይትኽእልን ወይ ዝለመስኪ ኮይኑ ይስመዓኪ።
ድሒሩ እውን ናይ ምዝካር ሃጓፍ ወይ Filmriss የጋጥም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ሓኪምኪ ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ናብ ኣማኸርቲ ትካል ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እውን ክትሰደኪ ትኽእል ኢያ።
ዘጋጠመ ነገር ዘይምፍላጥ ከሻቕለኪ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ሓገዝ ድለዪ።

ኣነ ወዲ 14 ዓመት መንእሰይ እየ። ዝኾነ ጌጋ እንተ ገይረ ኣቦይ ይሃርመኒ። ኣነ ነቦይ ብጣዕሚ እየ ዘኽብሮ ግን ካብ ሕጂ ንንየው ክሃርመኒ ኣይደልን እየ። እንታይ እንተበልኩዎ ይሓይሽ?

ብመጀመርያ ሓደ ነገር ክንነግረካ ንደሊ:
ኣብ ጀርመን ቆልዓ ምህራም ኩልኩል እዩ።
እቲ ሕጊ ከምዚ ይብል:
ህጻናት ከይተሃርሙ ክዓብዩ መሰል ኣለዎም።
ወለዲ ንደቆም ብፍላጥ ክጎድእዎም ኣይፍቀድን እዩ።
ኣካላዊ ሞግዳእቲ ከውርዱልካ ኣይፍቀድን እዩ።
መንፈስካ እውን ከህድምዎ ኣይፍቀደሎምን እዩ።
ማህረምቲ ድማ ኣካላውን መንፈሳውን መጉዳእቲ የስዕብ።

ከም ውላድ ወለድኻ መጠን ከኣ እዚ መሰል ኣለካ።
እዚ መሰል እዚ ድማ ህጻናት መንፈሳውን ኣካላውን ጥዕና ሃልይዎም ክዓብዩ ይሕግዝ።
እዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ኣቦኻ በይንኻ ክትዛራረብ ዘይትኽእል ኮይንካ፡ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈታት ኣለዋ።
ኣብ ሙንሸን ኣብዚ ናይ ኢንተርነት አድራሻ ኣቲኻ ኣብ ገዛውትኻ ዝርከቡ ኣማኸርቲ ትካላት ክትረክብ ትኽእል: http://www.muenchen.de/dienstleistungsfinder/muenchen/1053/
ኣብ መላእ ጀርመን ድማ ህጻናትን መናእሰያትን ኣብዚ Nummer gegen Kummer ክድውሉ ይኽእሉ እዮም: 116111
ኣብዚ ካብ ሞባይልካ ብዘይ ክፍሊት ክትድውል ትኽእል ኢኻ።
ካብ ሰዓት 14 ክሳብ ሰዓት 20 ከማኽረካ ዝኽእል ሰብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

የዕሩኽተይ (ደቂ 15 ዓመት መናእሰያት) ናብ ከተማ ብምኻድ ኣዋልድ ይጻረፉን ይተናኽፉን። ምስኣቶም ከምኡ ክገብር ኣይፈቱን እየ። እንታይ ተገበርኩ ይሕሸኒ፧

የዕሩኽትኻ ጸወታ ኣይኮኑን ዝጻወቱ ዘለዉ።
እዚ ተግባራት እዚ ኣብ ጀርመን ኩልኩል እዩ።
ክቕጽዑ እውን ይኽእሉ እዮም።

ኣዋልድን ኣንስትን ሓደ ዓይነት መሰል ምስ ኣወዳትን ሰብኡትን ኣብዚ ሃገር ኣለዎም።
ክድፈራ እውን ኣይግባእን።
ዋላ ሓደ ሰብ እውን ብዘይ ድሌተን ክትንክፈን መሰል የብሉን።
ዋላ ሓደ ሰብ እውን ወይ ከፈራርሀን ወይ ክጎድእን መሰል የብሉን።

ምስ የዕሩኽትኻ ናብቲ ዝኸድዎ ኣይትኺድ።
ምስኦም እንተ ኣለኻ ክትልከም ትኽእል ኢኻ።
ዋላ ንስኻ ኣዋልድ ኣይትዳፈር።

የዕሩኽትኻ ምናልባት ይተኻቱኹኻ ይኾኑ።
ምስኦም ክትህሉ ይደልዩ ይኾኑ።
እስኻ ድማ የዕሩኽቲ ትደሊ ትኸውን።
ስለዚ “እምቢ” ክትብል ብዙሕ ድፍረት የድልየካ ይኸውን።

ሓደ ዓቢ ሰብ ክሕግዘካ ሕተቶ።
ምናልባት እሱ ወይ እሳ ብኸመይ ካብዚ ትእለ ዝኾነ ርእይቶ ይህልዎ ወይ ይህልዋ ይኸውን።
ገበን ምፍጻብ ኣም መጻኢ ብሩህ ሂወትካ ዓቢ ሳዕቤን ከውርድ ይኽእል እዩ።

ኣነ (ጓል 13 ዓመት) ኣብ ዓደይ ከም ዝፈልጦ፡ ኣወዳት ዑጉግ ይብሉንን ይተሓሕዙንን ነይሮም። ኣብዚ ድማ ልክዕ ከምኡ። ብጣዕሚ እየ ዝሓፍር። መን ከ ክሕግዘኒ ይኽእል፧

እቶም ኣወዳት ዝገብርዎ ነገራት፡ ኣብ ጀርመን ኣብዚ እዋን እዚ ኩልኩል እዩ።
ዘሕፍር የብልክን።
እዞም ኣወዳት ዝገብርዎ፡ ከቕጽዖ ይኽእል እዩ።

ኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ጀርመን ልክዕ ከም ኣወዳትን ሰብኡትን እዩ ማዕረነት ዘለወን።
ክዋረዳ ኣይግብኡን እዩ።
ዋላ ሓደ ሰብ እውን ብዘይ ናተን ድሌት ክትንክፈን መሰል የብሉን።
ዋላ ሓደ ሰብ ድማ ከፈራርሐን ኮነ ክጎድእን መሰል የብሉን።

ስለዚ ሓገዝ ጸውዒ።
ንመምህርኪ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንገርያ።
ወይ ድማ ንዝኾነ ትኣምንዮ ሰብ ንገርዮ።

ከምዚ ዓይነት ድፍረት ኣወዳት ብኸመይ ትምክትዮ ክትመሃርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ምል ካልኦት ከማኺ ኮንኪ ኮርስ ክትቀስሚ ትኽእሊ ኢኺ።
ብድሕሪ እዚ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃንኪ ነብስኺ ክትፈልጥያ ኢኺ።
ወይ ድማ ማዓስ ክትሃድሚ ከም ዘለኪ ትፈልጢ።
ከምኡ ‘ውን እንታይ ክትብሊ ከም ዘለኪ ትፈልጢ።
ከምኡ ድማ መን ክሕግዘኪ ከም ዝኽእል ትፈልጢ።
ከምዚ ዓይነት ኮርስ ምስ መሓዛኺ ኮይንኪ እውን ክትሳተፊ ትኽእሊ ኢኺ።
መምህርኪ ኣበይ ቦታ እቲ ኮርስ ክትወስድዮ ከም ትኽእሊ ክትሕብረኪ እያ።
እንተ ደሊኺ እውን እታ ናይ ቤት-ትምህርቲ ሳይኮሎጂስት ወይ ናይ ሶሻል ሰራሕተኛ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ክትወክስየን ትኽእሊ ኢኺ።

ጌጋ ትገብርዮ ወላሓንቲ የለን
እቶም ኣጉባዝ እዮም ሓላፍነት ዝወስዱ ካብ ከምዚ እውን ክውገዱ ዘለዎም።

ኣብ እዋን ጉዕዞ ናብ ስደት (መንእሰይ፡ ወዲ13 ዓመት) ምስ ክልተ ኣወዳት እየ ኣሕሊፈዮ። እዞም ሰባት ዘጽልኣካን ዘሕፍርን ነገራት ጌሮሙኒ። ሕጂ ኣነ ግብረ ሰዶማዊ ድየ፧

ግብረ ሰዶም ማለት:
ሓደ ወዲ ንሓደ ወዲ ከፍቅሮ ከሎ
ወይ ድማ ሓንቲ ጓል ምስ ካልእ ጓል ፍቕሪ ክሕዛ ከሎ ማለት እዩ።
እዚ ማለት ብናይ ክልቲኦም ድሌት ነንሓድሕዶም ስጋዊ ርክብ ክፍጽሙ ከለዉ እውን እዩ።
ሰባት፡ ሽቩል ንወዲ ለስቢሽ ድማ ን ጓል እንዳበሉ የሰምይዎም።

ከምዚ ዓይነት ነገር ከይፈተኻ እንተ ጌርካ፡
ናይ ስጋዊ ርክብ ዓመጽ ጌሮም ማለት እዩ።
እዚ ኩልኩል እዮ። ዓበይቲ ንትሕቲ ዕድመ ከምዚ ንኸምዚ ተግባር ምስ ዝግድድዎም ብኸቢድ ገበን ይፍርዱ።

ሓንቲ ንእተይ ታሪኽ ክንነግረካ:
ኣብ ሓንቲ ገረብ ደዪብካ ኣብ ሕንቲ ጨንፈር ኮፍ ትብል።
ሃንደበት ሓደ ሰብ ናብቲ ገረብ ደዪቡ ካብቲ ጨንፈር ደፊኡ የውድቐካ።
ወዲቕካ ቃንዛ ትመውት።
ምውዳቕካ ናትካ ጉድለት ኣይኮነን ነይሩ።
ሓደ ሰብኣይ ኢዩ ደፊኡካ።
ናብቲ ገረብ መሊስካ ምስ ደየብካ ዋላ ሓደ ሰብ የለን።
ከም እንደገና ግን ኣይትወድቕን ኢኻ።
ተደሊኻ ኣብኡ ኮፍ ትብል ተደሊኻ ኣብ ካልእ ጨናፍር ትኸይድ።
ስለ ዝተደፋእካ ኢኻ እምበር፡ ኩሉ ግዜ ካብ ገረብ ትወድቕ ማለት ኣይኮነን።

እዚ ማለት: ሰብ ብስጋዊ ርክብ ስለ ዝዓመጸካ ግብረ ሰዶማዊ ኢኻ ማለት ኣይኮነን።
ግብረ ሰዶም ዲኻ ትፈቱ ወይ ኣይኮንካን ባዕልኻ ቀስ ኢልካ ክትፈልጥ ኢኻ።
ምስ ካልእ ወዲ ፍቕሪ ክሕዘካ ከሎ እዩ ዝፍለጠካ።

ኣብቲ ኣነ ዝነብረሉ ሓደ ጥዑም ዋርድያ ኣሎ። ብዙሕ ይተሓባበረኒን የፍቅደለይን። ትማሊ ግን ብዙሕ ግዜ ነብሰይ ይተሓሕዘኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ከምዚ ኣይፈቱን እየ። እንታይ ክገብር ይኽእል፧

ምናልባት ትሓስቢ ትኾኒ:
እቲ ዋርድያ ይሕልወኒ ይኸውን።
ብዙሕ ይሕግዘክን የፍቅደልክን ።
ምናልባት እንተ ደኣ ነጊርክሉ ኣይሕግዘክን ይኸውን።
ምስ መን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትዛረቢ ከም ትኽእሊ ኣይትፈልጥን ትኾኒ።

እንተ ደኣ እቲ ዋርድያ ተሓባቢሩኪ ናቱ ውሳኔ ጥራይ ይኸውን።
ይኹን ደኣምበር እንተ ደኣ ንስኺ ዘይትደልይዮ ነገራት ገይሩ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን።
መን ነብስኺ ክትንክፈኪ ከም ዝኽእል ባዕልኺ ጥራይ ኢኺ ትውስኒ።

ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ክሕግዙኺ ዝኽእሉ።
ነዚ ሓገዝ እዚ ምስጋና ጥራይ እዩ ዘድልየኪ፡ ካልእ ትገብርዮ ነገር የብልክን።
ዝኾነ ሰብ ክሕግዘኪ ምስ ዝደሊ፡
ዘይትደልዮ ነገር ክገብር የብሉን።

ምስ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትዘራረቢ ጽቡቕ እዩ።
ናብቶም ናይ ሶሻል ሰራሕተኛታት መንበሪኺ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።
ወይ ከኣ ምስ ኣማኸርቲ ናይ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ክትዛራረቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ናይ ኣማኸርቲ ኣድራሻ ኣብዚ ትረኽቢ፡
http://www.zanzu.de/de/hilfe-beratung

https://www.hilfeportal-missbrauch.de/nc/adressen/hilfe-in-ihrer-naehe/kartensuche.html?tx_nxshelpdesk_helpdesk[institutionType]=21

ወዲ ሓትነይ (22 ዓመት ዘለዎ) ንዓይ (ጓል 13 ዓመት) ኣብ መንጎ ኣስላፈይ ተንኪፉኒ። ከምዚታት ኣይደለኹን ኣነ። ስለዚ እንታይ የጋጥም ንሰብ እንተ ነጊረ፧

ወዲ ሓትነኺ ከምዚ ክገብር ኣይግባእን ኢዩ።
ኣብቲ ናይ ክብረትኪ ቦታ ክትንክፈኪ ዝፍቀዶ ሰብ ዋላሓደ የሎን።
ጓል ዲያ ወዲ ብዘየገድስ።
ኣብርእሲኡ ድማ ህጻን ኢኺ።
ኣብ ጀርመን እዚ ተግባር ኩልኩል እዩ።
ምስ ዓበኺ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ መን ክትንክፈኪ ይኽእል።

እዚ ጉዳይ ን ኣላዪኺ ክትነግርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ሓገዝ ክገብሩልኪ ይኽእሉ ኢዮም።
መታን ካልኣይ ግዜ ከምዚታት ከይድገም።
ኣብ ኣማኸርቲ ኪኢላታት ኬድኪ ውን ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣገዳሲ ነገር ግን፡
ናትኪ ጌጋ ኣይኮነን
ትቕጽዕሉ ምኽንያት የብልክን
ወዲ ሓትነኺ ውን ክቕጻዕ ይኽእል ኢዮ እንተ ደኣ ደሊኺ።
ኣብ ፖሊስ ኬድኪ እንተ ኸሲስክዮ ማለት እዩ።
ብዛዕባ እዚ ውን ኣማኸርቲ ክተሓባበሩኺ ይኽእሉ ኢዮም።