— ኣነ (17, ጓል ኣንስተይቲ) ኣብ መጻኢ ኣደ ክኸውን እደሊ። ስድራይ ግን ነዚ ኣይደልይዎን እዮም። ሓደስቲ ነገራት ኣብ ምምሃር ጸገማት ኣሎኒ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣይፍቀደለይን እዩ። እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ ኣደ ክኸውን ብሓቂ ኣይፍቀደለይን እዩ?

— ምናልባት ምስ ስድራኺ ብዛዕብኡ ክትዛረቢ ትደልዪ ትኾኒ።
— ሓገዝ ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ።
— ምናልባት ሓደ ትኣምንዮ ዓቢ ሰብ ክሕግዘኪ ይኽእል ይኸውን።
— እቶም ናይ ምኽሪ ቦታታት ዝበሃሉ እወን ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም።

— ኣብ ጀርመን ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ኣደ ክትከውን ትኽእል እያ።
— ንስኺ ግን ናይ ግድን ኣደ ክትኮኒ የብልክን።
— እቲ ውሳነ ቀሊል ኣይኮነን።

— ንስኺ ገና ንእሽቶይ ኢኺ።
— ነዚ ውሳነ ገና ነዊሕ ግዜ ኣሎኪ።
— ቀስ ኢልኪ እንተሓስብክሉ ጸገም የብሉን።

— እቶም ናይ ምኽሪ ቦታታት እውን ኣብ ውሳነ ምውሳድ ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም።
— ሓንሳብ ኣደ እንተደኣ ኮይንኪ፣
— ንኹሉ ግዜ ኣደ ኢኺ።
— ኣደ ምዃን ቀሊል ኣይኮነን።
— ሓገዝ ኣብ`ዚ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ፣ http://www.behinderte-eltern.de/Papoo_CMS/index.php?menuid=98
— ቆልዓ ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ይሓትት እዩ።
— ውላድኪ ክጥዕሞ ኣለዎ።
— ውላድኪ ሕጉስ እውን ክኸውን ኣለዎ።
— ሰብ እንተሓገዘኪ ጽቡቕ እዩ።

— ዓርከይ ኣነ ሽግርኡ ክውሕጦ ይደሊ። ሽግሪ እንታይ እዩ? ክትውሕጦኸ ብሓቂ ይከኣል ድዩ?

— ሽግሪ ሓደ መጠግጠግ ዝብል ፈሳሲ እዩ።
— እቲ ፈሳሲ ካብ ብልዕቲ ሰብኣይ ዝወጽእ እዩ።
— እዚ ሽግሪ ኣብ ዝፈሰሉ እዋን እዩ።
— ብዛዕባ ምፍሳስ ሽግሪ ኣብ‘ዚ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ፣
https://refu-tips.de/en/my-friend-told-me-that-he-ejaculated-what-does-that-mean/

— ሽግሪ ብምውሓጥ ነፍሰ ጾርነት ከጋጥመኪ ኣይክእል እዩ።
— ሽግሪ ግን ሕማማት ከመሓላልፍ ይኽእል እዩ።
— ሽግሪ ክውሓጥ እንከሎ እውን።
— ዓርክኺ ጥዕንኡ ምሉእ ምዃኑ ርግጸኛ እንተደኣ ዘይኮይንኪ፣
— ሽግሪ እንተዘይወሓጥኪ ዝሓሸ እዩ።

— ጣዕሙ ዝተፈላለየ እዩ።
— ገሊኦም ሰባት ጣዕሙ ይፈትውዎ እዮም።
— ገሊኦም ድማ የፈንፍኖም።
— ክልቲኡ ዘሎ እዩ።

— ሽግሪ ናይ ግድን ምውሓጥ የብልክን።
— ዝኾነ ይኹን ሰብ እውን ንኽትውሕጢ ከገድደኪ ኣይፍቀደሉን እዩ።
— ዓርክኺ እውን ከይተረፈ።

— ኣነ (16, ወዲ) ዓረብያ ስንኩላን እየ ዝጥቀም። ምስ ኣዕሩኽተይ ክራኸብ ደስ ይብለኒ። ንሶም ይብሉኒ፣ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ዓረብያ ስንኩላን ስለ እትጥቀም ይብሉ። ናይ ብሓቂ ሰብኣይ ኣይኮንካን። ምርዳእ ኣብዩኒ። ልክዕ ድዩ እዚ?

— ኣይፋሉን፣ እዚ ልክዕ ኣይኮነን።
— ናይ „ብሓቂ“ ሰብኣይ ዝበሃል የለን።
— ደቂ ሰብ በበይኖም ኣዮም – ሰብኡትን ኣወዳትን እውን።
— ሰብኣይ ጉልቡት ወይ ደቂቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።
— ሰብኣይ ሰብኡት ወይ ድማ ኣንስቲ ከፍቅር ይኽእል እዩ።
— ሰብኣይ ዓረብያ ስንኩላን ክህልዎ ይኽእል ኣዩ።
— ንፍሲወከፍ ሰብኣይ ዝተፈለየ እዩ።
— ዓረብያ ስንኩላን ስለ ዘለካ ጸገም የብሉን።

— ኣብ ጾታዊ ርክብ እውን፣
— ዝተፈላለየ ዓይነት ጾታዊ ርክብ እዩ ዘሎ።
— ስጋዊ ርክብ ሓደ ዓይነት ጾታዊ ርክብ እዩ።
— ስጋዊ ርክብ፣ ብልዕቲ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ወይ ኣብ መቀመጫ ኣሎ ማለት እዩ።
— ካልኣት ዓይነታት ጾታዊ ርክባት እውን ኣለዉ።
— ንኽልቲኦም ደስ ዘበሎም ዘበለ ቅኑዕ እዩ።

— መጀመርያ ክትፈልጦ ዘሎካ፣ ኣበይ ክትንከፍ እዩ ደስ ዝብለካ?
— ንጓል ኣንስተይቲ ወይ ወዲ ተባዕታይ ዓርክኻ ብቕንዕና እንታይ ደስ ከም ዝብለካ ንገሮም።
— ንሱ ወይ ንሳ ኣንታይ ደስ ከም ዝብሎም እውን ሕተቶም።
— ክልቴኹም ነንሕድሕድኩም ደስ ዘብል ስምዒታት ክትወሃሃቡ ትኽእሉ ኢኹም።

— ኣነ (17, ወዲ) ንነብሰይ እሓታ፣ ኮንዶም ክልተ ግዜ ክጥቀመሉ እኽእል ድየ?

— ኣይፋሉን፣ ኣይከኣልን ኣዩ።
— ኮንዶም ካልኣይ ግዜ ኣብ ብልዕትኻ ኣንድሕር ኣእቲኻዮ፣
— ሽግሪ ብጌጋ ኣብ ላዕሊ ናይ‘ቲ ኮንዶም ክነጥብ ይኽእል እዩ።
— በዚ ድማ ሽግሪ ኣብ ርሕሚ ናይ‘ታ ጓል ኣንስተይቲ ክኣቱ ይኽእል እዩ።
— እታ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ነፈስ ጾርነት ከጋጥማ ይኽእል እዩ።

— ሓድ ሓደ ምዕዶታት ክንህበካ፣
— ተዓሺጉ ዝነበረ ኮንዶም ጥራይ ተጠቐም።
ከም‘ዚ ዝስዕብ እንተኾይኑ ድማ ኮንዶም ኣይትጠቐመሉ፣
— እቲ መዐሸጊ ዝተበላሸወ እነተኾይኑ።
— ወይ እቲ ኮንዶም ዝተበላሸወ እንተኾይኑ።
— ወይ ድማ ዕለቱ ዝወደቐ እንተኾይኑ።

— እንተደኣ ሽግሪ ኣፍሲስካ።
— ወይ ነቲ ኮንዶም ካብ ብልዕትኻ እንተደኣ ኣውጺእካዮ።
— እቲ ኮንዶም ብትኽክል ብልዕትኻ እንተዘይሸፊንዎ።
— ሽዑ ነቲ ኮንዶም ደርብዮ።

— ሓያለ ኮንዶማት ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ።
— ኣብ ድሮገሪ ዋግኡ መጠነኛ ዝኾነ ኮንዶም ኣሎ።
— ኮንዶም ምግዛእ ንቡር ኣዩ።
— ከምኡ ብምግባርካ ሓላፍነት ከም ዝስመዓካ ተርኢ።
ከሕፍረካ ኣይግባእን እዩ!

— ዓርከይ (17 ዝዕድሚኡ) ፍርቂ ሰውነቱ ለማስ እዩ። ትማሊ ከም ዝነገረኒ፣ ኣዲኡ ኣብ ሕፍርቱ ትላጽዮ። እዚ ድማ ኣብ ናይ እስልምና ናይ ጽሬት ሕጊ ዝተመርኮሰ እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ? ናይ ግድን ክላጸ ኣለዎ ማለት ድዩ?

— ናይ ጽሬት ሕጊ ፣ ከም‘ቲ እቲ ሃይማኖት ዝእዝዞ ጽሩይ ምዃን ማለት እዩ።
— ምስልምና ከም ዝብሎ፣ ሓደ ኣስላማይ ወይ ሓንቲ ኣስላመይቲ ክጽልዩ ከለዉ ጽሩያት ክኾኑ ኣለዎም።
— ዓርክኻ/ኺ ስንኩል እዩ።
— ምናልባት ክጽሊ ኣይክእልን ይኸውን።
— ክጽሊ ዝኽእል እንተኾይኑ፣
— ምናልባት እውን ባዕሉ ክላጸ ይክእል ይኸውን።

— ሃይማኖተኛ እንተደኣ ከይኑ፣ ሕግታት ከኽብር ይኽእል እዩ።
— እዚ ባዕሉ ክውስኖ ይኽእል እዩ።
— ድለይት ምልጻይ እውን ባዕሉ ክውስኖ ይኽእል እዩ።
— ስለ ዘይተላጸየ ግን ሕማቕ ኣስላማይ እዩ ማለት ኣይኮነን።
— ኣዲኡ ስለ እትላጽዮ እውን ሕማቕ ይስምዖ ይኸውን።
— ክውስን ይኽእል እዩ፣ መን ክላጽዮ ከም ዝፍቀደሉ?

— ኣገዳሲ ነገር፣ ዓርክኻ/ኺ ውልቃዊ መሰላት ኣለዎ።
— ውልቃዊ መሰል ዝበሃል ንኣብነት፣
— ንሰውነቱ ብዝምልከት ባዕሉ ክውስን ይኽእል እዩ።
— ሕማቕ ስምዒት ዝፈጥረሉ ነገራት ክገብር ዘገድዶ ሰብ የለን።
— ብስንክልነኡ ምኽንያት እውን ኣይከኣልን እዩ።