— ኣነ (16, ወዲ) ዓረብያ ስንኩላን እየ ዝጥቀም። ምስ ኣዕሩኽተይ ክራኸብ ደስ ይብለኒ። ንሶም ይብሉኒ፣ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ዓረብያ ስንኩላን ስለ እትጥቀም ይብሉ። ናይ ብሓቂ ሰብኣይ ኣይኮንካን። ምርዳእ ኣብዩኒ። ልክዕ ድዩ እዚ?

— ኣይፋሉን፣ እዚ ልክዕ ኣይኮነን።
— ናይ „ብሓቂ“ ሰብኣይ ዝበሃል የለን።
— ደቂ ሰብ በበይኖም ኣዮም – ሰብኡትን ኣወዳትን እውን።
— ሰብኣይ ጉልቡት ወይ ደቂቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።
— ሰብኣይ ሰብኡት ወይ ድማ ኣንስቲ ከፍቅር ይኽእል እዩ።
— ሰብኣይ ዓረብያ ስንኩላን ክህልዎ ይኽእል ኣዩ።
— ንፍሲወከፍ ሰብኣይ ዝተፈለየ እዩ።
— ዓረብያ ስንኩላን ስለ ዘለካ ጸገም የብሉን።

— ኣብ ጾታዊ ርክብ እውን፣
— ዝተፈላለየ ዓይነት ጾታዊ ርክብ እዩ ዘሎ።
— ስጋዊ ርክብ ሓደ ዓይነት ጾታዊ ርክብ እዩ።
— ስጋዊ ርክብ፣ ብልዕቲ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ወይ ኣብ መቀመጫ ኣሎ ማለት እዩ።
— ካልኣት ዓይነታት ጾታዊ ርክባት እውን ኣለዉ።
— ንኽልቲኦም ደስ ዘበሎም ዘበለ ቅኑዕ እዩ።

— መጀመርያ ክትፈልጦ ዘሎካ፣ ኣበይ ክትንከፍ እዩ ደስ ዝብለካ?
— ንጓል ኣንስተይቲ ወይ ወዲ ተባዕታይ ዓርክኻ ብቕንዕና እንታይ ደስ ከም ዝብለካ ንገሮም።
— ንሱ ወይ ንሳ ኣንታይ ደስ ከም ዝብሎም እውን ሕተቶም።
— ክልቴኹም ነንሕድሕድኩም ደስ ዘብል ስምዒታት ክትወሃሃቡ ትኽእሉ ኢኹም።