መሓዛይን ኣነን(ወዲ 16 ዓመት) መዓስ እየ ንስጋዊ ርክብ ክዳነይ ዘውጽኦ እንዳልና ንሓስብ ኢና?

እዚ ሕቶ ከቢድ እዩ ክትምልሶ።
ሰባት ዝተፈላለየ መንገዲ ስለዝጥቀሙ።
ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለየ ኣገባብ ይጥቀሙ።

ምስ ክዳንካ ሴክስ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ልዕሊ ክዳውንትኹም እንከለኹም ክትተናኸፉ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ስረ ምናልባሽ ትፈትሖ።
ምናልባሽ እቲ ክዳን ንላዕሊ ከተደይቦ ትኽእል።
ወይ ውን ነሓድሕድኩም ክዳውንትኹም ከተውጽእዎ ትኽእሉ ኢኹም።
መጀመርያ ላዕለዋይ ክዳን ደሓር ስረ።
ወይ በንጻሩ።
ወይ መጀመርያ ትደራረዙ እሞ ደሓር ክዳውንትኹም ተውጽእዎ።
በብሪጋ ናብ ባኞ ብምኻድ ክዳውንትኹም ከተውጽእዎ ትኽእሉ።

ሰብ በብናቱ ደስ ዝብሎ ኣሎ።
ክልቴኹም ትሰማምዕሉ ክኸውን ጥራይ ኣለዎ።
ድሌታትኩም ክትፈልጥዎን ክትግንዘብዎን ኣገዳሲ እዩ።
ስለዚ ኣብዚ እዋን እንታይ ከም ትደልዩ ምፍላጥ ኣለኩም።
ነሓድሕድኩም ተዛረቡ እንታይ ከም ትደልዩ።
ክዳውንቲ ከተውጽእ እንተዘይደሊኻ
ክትነግራ ጥራይ እዩ ዘድልየካ።

ኣነ (ጓል 16 ዓመት) ውሱናት የዕሩኽ ወይ ጀምዓ ኣለውኒ። ብዙሕ ግዜ በሓንሳብ ድማ ነሕልፍ። ሓደ ካብኣቶም ግን ብዙሕ ጥብቕ ይብለኒ ኣሎ። ኣነ ግን ኮምኡታት ኣየድልየንን እዩ። ብኸመይ ክነግሮ ይኽእል፧ መሓዙት ኢና እኮ!

ብመጀመርያ ክንብሎ ንደሊ:
ስምዒትኪ ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን!
ዝኾነ ሰብ ክቐርበኪ የብሉን እንተ ደኣ ንስኺ ዘይትደልዪ ኮይንኪ።
ሓደ ሓደ እዋን ግና „ኣይደልይን ኢየ“ ምባል ይኸብደካ እዩ።
ምናልባሽ ነቲ መሓዛኺ ከም ሰብ ስለ ትፈትውዮ።
ምናልባሽ ኩሎም እቶም ካልኦት ጀምዓኹም ስለ ዝፈትውዎ።
ምናልባሽ ደስ ከም ዘይብለኪ ኣይርደኦን ይኸውን።
ክትዛረብዮ ግን ትኽእሊ ኢኺ:
ብጣዕሚ ትቐርበኒ ኣለኻ።
ክትገድፎ ትኽእል ዶ፧
ኣነ ኣፍተወኒን እዩ ከምኡ።
ነዚ ጠለብኪ ድማ ከኽብሮ ኣለዎ።

ሓገዝ እውን ክትደልዪ ትኽእሊ ኢኺ።
ምናልባሽ ሓንቲ መሓዛኺ ወይ ሓደ መሓዛኺ ምስኡ ኣብ ትዘራረብሉ እዋን ምሳኹም ከም ክህሉው ግበሪ።
እንተ ደኣ እቲ „ኣይደልን እየ“ ዝበልክዮ ዘይኣኽቢርዎ:
ትኣምንዮም ዓበይቲ ከይድኪ ተወከስዮም።
ወይ ከኣ ናብ ኣማኸርቲ ትካል ኪዲ።
ኣማኸርቲ ትካላቲ ኣብዚ ትረኽቢ: https://www.hilfeportal-missbrauch.de/nc/adressen/hilfe-in-ihrer-naehe/kartensuche.html?tx_nxshelpdesk_helpdesk%5binstitutionType%5d=21

ኣብ ገዛውትና ሓደ ዕብይ ዝበለ ወዲ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደ እዋን ምሳይ (ጓል 15 ዓመት) ባቡር ዝሕዛ ኣሎ። ኩሉ ግዜ ድማ ይከታተለኒ። ኣነ ድማ ካብኡ ይፈርህ። ሰባት ግና ስቕ ኢልኪ ኣይትሸርሸሪ ይብሉኒ።

ሓቅኺ ኣለኺ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።
ሓደ ሓደ እዋን እቲ ስምዒት ትኽክል ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ መሲሉኪ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ይኹን ደኣምበር እቲ ስምዒትኪ ሸለል ክትብልዮ ኣይግባእን።
ጸገም ንኸየጋጥመኪ እንታይ ክትገብሪ ከም ትኽእሊ ጽቡቕ ጌርኪ ሕሰብሉ።

ምናልባት ክትሓትዮ ትኽእሊ ኢኺ:
ስለምንታይ ኢኻ ትከታተለኒ፧ ኢልኪ
ወይ ድማ:
እንታይ ኢዩ ጸገምካ፧
እዚ ትከታተለኒ ዘለኻ ፍጹም ባህ ኣይብለንን እዩ ዘሎ። ከተቋርጾ ይላበወካ!
ምናልባሽ ስለምንታይ ከም ዝከታተለኪ ይነግረኪ ይኸውን ወይ ድማ የቋርጾ ይኸውን።

ምናልባሽ ንወለድኺ ወይ ድማ ኣለይትኺ ከምዚ ኢልኪ ክትነግርዮም ትኽእሊ ኢኺ:
እዚ ወዲ የፍርሃኒ ኣሎ።
ይከታተለኒ እዩ።
እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ?
ኣየናይ እዩ ነዓኺ ዘዋጻእኪ የዕሙቕኪ ሕሰብሉ..
ምናልጻሽ እቲ ወዲ እንተደኣ ኣፈራሪሁኪ፡
ንክሕግዙኺ ዝኽእሉ ሰባት ብቕልጡፍ ንገርሉ።

ኣነ (ጓል 16 ዓመት) ምስ ኣላዪተይ ሰበይቲ ተመሓዝየ ኣለኹ። ሓደ ሓደ እዋን ምስኣ ንበይንና ምሕንባስ ይኸይድ። እቶም ካልኦት ኣለይቲ እዚ ጽቡቕ ኣይረኸብዎን ጥራይ ዘይኮነ ክኽልክሉኒ እውን ደልዮም። ስለምንታይ፧

እታ ኣላዪትኪ ስራሕ ኣለዋ።
እዚ ስርሓ ድማ ኣዋልድን ኣወዳትን ኣብ መንበሪኹም ምእላይ እዩ።
ንኹሎም ተቐማጦ ብሓደ ክትኣልዮም ይግባእ።

ምሕዝነት ምሳኺ ክበሃል እንከሎ:
ንዓኺ ብፉሉይ ትርእየኪ ከምስል ይኽእል።
ካብቶም ካልኦት ኣብሊጸ ይፈትዋ ክኸውን ይኽእል።
እዚ ድማ ኣብቲ መንበሪ ህውከት ክፈጥር ይኽእል እዩ።
ምናልባሽ ካልእ ሰብ:
እታ ኣላይት ፈላልያ ትርኢ ኢሉ ክሓስብ ይኽእል እዩ።

ምሕዝነት ብሓድ ሚዛን ክኸውን ኣለዎ።
ኣላይትኪ ግን ንዓኺ ዝኸውን ውሳኔ ክትውስን ኣለዋ።
እዚ ማለት ብማዕርነት ዝረአ ኣይኮነን።
ኣብ ጀርመን ከምዚ ዓይነት ምሕዝነት „ዘይሞያዊ“ ተባሂሉ ይግለጽ።

እዚ ማለት:
ስለዚ እዛ ኣላዪትኪ ሞያን ውልቃዊ ሂወትን ፈላልያ ክትርእዮ ይግባእ።

ሓፈተይ (ጓል 16 ዓመት) ከልቢ እያ። ኣብ ኣፋ እየ ኮምኡ ዝብላ። ሕጂ ድማ ነቲ ሞግዚትና ሓቢራቶ። እቲ ቃላተይ „sexistisch“ እዩ ኢሉኒ። ዓቢዱ ኣሎ ምስለኒ?

„Bitch“ ማለት ሓላፊት ከልቢ ማለት እዩ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዚ ቃል እዚ ንደቀንስትዮ እዩ ዝበሃል።
ሰቢ ከምዚ ኢሉ ንሓንቲ ጓል ክጻረፍ እንከሎ ምስ ብዙሓት የዕሩኽ ከም ትወጽእ ክዛረብ ስለ ዝደለየ እዩ።
ወይ ከኣ እታ ጓል ቅድሚ ሕጂ ስጋዊ ርክብ ከም ዝገበረት ክነግር።
ንሓንቲ ጓል ግን እዚ ጸርፊ ኣዝዩ ዘዋርድ ጸርፊ እዩ።
ሞግዚትካ ሓቁ ኣሎ። እዞም ቃላት እዚኦም ኣጸየፍቲ እዮም።
ካልኦት ኣዋልድ ዘናሽዉ ቃላት እውን መሊኦም ኣለዉ።
ኣወዳት እውን ብጸርፊ ይዋረዱ እዮም ሓደ ሓደ እዋን።
ንኣብነት „Schlappschwanz“ (ልኽሱስ መሸኒት) ተባሂሎም ይጽረፉ።

ሰብ ኣየናይ ቃላት ይጥቀም ኣገዳሲ ኣይኮነን።
እቲ ዝበልዎ የሕምመኪ እንተ ኮይኑ ግን ግቡእ ኣይኮነን።
ምስ ሰባት ብዛዕባ እዚ ምዝርራብ ጽቡቕ እዩ።
በዚኦም ቃላት ጌርካ ክብረት ሰብ ምቕንጣጥ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን።
ስለዚ ይቕረ ክትብሊ ይግባእ።

ተግባራት ሓፍትኺ ትኽክል ኣይኮነን ትብሊ እንተ ኮይንኪ ምስኣ ተዘራረቢ።
ነሓድሕድክን ክትከባበራ ኣገዳሲ እዩ።
ነዚ ምትግባር ድማ ምዝርራብ የድሊ። ክሳብ ክንደይ ከም ተኽብርያ መግለጺ እውን እዩ።

ሓደ ወዲ ክላሰይ ከብ ዝብሎ: „ኣዋልድ ኩሉ ግዜ ኣብ መጀመርያ ስጋዊ ርክብ እንዳ ደለያ ኣይንደልን ኢየን ዝብላ ምኽንያቱ ክልመና ስለ ዝደልያ“። ሓቁ ድዩ?

ተመሳሰልቲ ብሂላት ብዙሓት ኣለዉ።
ንኣብነት: „ኣወዳት ኩሉ ግዜ ቀዳማይ ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም“።
ወይ ድማ: „ኣዋልድ እንታይ ከም ዝደልያ ኣጸቢቐን ኣይፈልጣን እየን“።
መብዝሕትኡ ግዜ እዚ ብሂላት ሓቅነት የብሉን።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣዋላድ ተቐላጢፈ ሕራይ ክብል የብለይን ኢለን ይሓስባ እየን።
ምኽንያቱ እቲ ወዲ ብዛዕባይ ሕማቕ ከይሓስብ ኢለን ስለ ዝፈርሃ።
ይኹን ደኣምበር ጓል ኣይፋል እንተ ኢላ ኣይፋል እዩ።
ምሳኻ ገና ርግጸኛ ኣይኮነትን ዘላ ማለት እዩ።

ዋላ እውን ኣብ እዋን ምልላይ ኩነታት ዘይንጹር ወይ ዘይብሩህ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዝኾነ ሰብ „ሕራይ“ ድዩስ „ኣይፋል“ ማለቱ እዩ ንምፍላጥ ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን።
እዚ ምስ ምልላይ (ምቅጣብ) ዝተሓሓዝ ኩነታት ስለ ዝኾነ መሳጢ ክኸውን ይኽእል እዩ።
መስተውዓሊ ክትከውን ግን ኣለካ።
እንተዘይኮኑ ግን ነታ ሰብ እውን ከይተረዳኣካ ክትብድላ ትኽእል ኢኻ።

ስለዚ ኣይፋል እንተበለት እውን ግቡእ ክብራ ክትህባ ኣለካ።
ስጋዊ ርክብ ንምፍጻም ንሰብ ከተድዕሶ ወይ ከተርግጾ ኣይግበኣን እዩ።
ኣዋልድ ኮና ኣወዳት ብስነስርዓት ክተሓዙ ይደልዩ እዮም።
ርግጸኛ እንተዘይኮይንካ ሕተት።
ብዙሓት ኣዋልድ ከምዚ ምስ ትገብር ጽቡቕ ይረኽብኦ!
ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ንኣብነት ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል: http://www.echt-krass.info/trial_error.html

ቅድምሕዚ ኣላይተይ ዝነበረት (ጓል 22 ዓመት)ን ኣነን (ወዲ 16 ዓመት) ተፋቒርና ኣለና። የዕሩኽተይ ኩልኩል ምዃኑ ይዛረቡ። ትኽክል ድዩ? ንሳ ኣብዚ እዋን ኣብ ካልእ ቦታ እያ ትሰርሕ ዘላ።

የዕሩኽትኻ ዝበሉዃ ገሊኡ ጥራይ እዩ ሓቅነት ዘለዎ።
ሰብ ምፍቃር ተኸልኪሉ ኣይፈልጥን እዩ።
ኣካላዊ ምትንኻፍ ግን ገደብ ኣለዎ።
ኣላዪትካ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ወይ ክትስዕመካ ኣይፍቀዳን እዩ።
ምኽንያቱ ንስኻ „ክንክን ዘድልየካን“ ኣብኣ ስለ ትምርኮስን።
ንዓኻ ዝከናኸን ሰብ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ፍቑድ ኣይኮነን።
ዋላ እውን ንስኻ እንተደለኻ።
ብሕጊ ኩልኩል እዩ።

እንተደኣ ኣላይትካ ዘይኮና ግን ካልእ ኣርእስቲ እዩ።
እዚ ብሕጊ ኩልኩል ኣይኮነን።
ክትፈልጦ ዘለካ ግን:
እቲ ዝምድና ብናይ ክልቴኹም ድሌት ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።
ኣካላዊ ምትንኻፍ እውን ብናይ ክልቴኹም ውሳኔ ክኸውን ኣለዎ።
ስለዚ ክልቴኹም ዝደለኹሞ ነገር እንተኮይኑ ቅቡል እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ግን እቲ ትደልዮ ነገር ኣጸቢቕካ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ንሰብ ከተሐጉስ ኢልካ ውን ነገራት ትኣትዎ።
ከምዚ ምስ ዝኸውን ከይደለኻ ትፍጽም ኣለካ ማለት እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን እዚ ነገራት ፈላሊኻ ክትርእዮ ኣሸጋሪ እዩ።
ምናልባሽ እውን ምስ ሰብ ብዛዕባ እዚ እንተተዛራረብካ ወይ ምኽሪ እንተ ረኸብካ ጠቓሚ እዩ።

ሓደ ዝፈልጦ ሰብ የፍቅረካ ኢሉኒ ኣነ ግን ኣይፍቅሮን ኢየ። እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

ምናልባት ንሱ ይሓዝን ይኸውን
እስኺ ውን ትድንግጽሉ እኾኒ።
ዋላ ውን መሓዙት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም።
ይኹን ደኣምበር ቕንዕና ክህልወኪ ኣለዎ።
ብጋህሪ ክትዛረቢ ኣለኪ
„ኣየፍቅረካን ኢየ“ በሊ

ሓደ ሓደ እዋን ውን ስምዒትኪ ክቕየር ይኽእል እዩ።
ምናልባት ኣብ መጀመርያ ኣፍቂርኪ ኔርኪ ትኾኒ
ሕጂ ግን ፍቕርኺ ወጺልኪ ይኸውን።
እዚ ውን ንቡር እዩ።

ክትገብርዮ ዘይትደሊ ነገር ምግባር ኣየድልየኪን ኢዩ።
እቲ ዓርክኺ ውን ይሓርቕ ወይ ይሓዝን ይኸውን
ይኹን ደኣምበር ውሳኔኺ ከኽብር ናይ ግድን እዩ።
ስምዒትኪ ከም ዝተቐየረ ክቕበሎ ኣለዎ።
ስምዒት ወድ ሰብ ከተገድዶ ኣይከኣልን እዩ።

ባሊጋይ (13) ሓንቲ ቴሌፎን ለጊሱለይ። ክንፋኖ ከለና ክሓቕፎኒን ክስዕመንን ደልዩ። ከምዚታት እንድሕር ዘይፈቱ ኮይነ ስነስርዓት ዘይብላ ዶ ይበሃል።

እታ ተለፎን ምስ ሃበኪ ተሓጒስኪ ትኮኒ።
ስለቲ ህያብ ውን ኣመስጊንኪዮ ትኾኒ።

ህያብ ግን ንኻልእ ተግባር ዘገድደኪ ነገር ኣይኮነን።
ህያብ ማለት ንሓደ ከሐግሶ ትህቦ ማለት እዩ።
ሓጎስኪ ከተርእይዮ ተትኽእሊ ንባሊጋኺ ጽቡቕ እዩ።

ሓደ ሓደ እዋን ብህያብ ኣይትሕጎስን ኢኺ።
ምናልባት ኣይተድልየክን ትኸውን ወይ ከምታ ትደልያ ኣይትኸውንን ወይ ደስ ኣይትብለክን ትኸውን።
ይኹን ደኣምበር ምምስጋኑ ጽቡው እዩ።
እቲ ዝህበኪ ሰብ ንጽቡቕኪ ኢሉ እዩ።

እቲ ምሕቋፍን ምስዓምን ምስቲ ህያብ ወላሓንቲ ዘተሓሕዝ የብሉን።
ኣይፈቱን እየ ምባል ውን ትኽክል እዩ።

ከምዚ በሊ፡ ይፈትወካ ኢየ ከም ሰብ
ምሕቋፍን ምስዓምን ግን ኣይፈቱን እየ።
በጃኻ ተረዳኣኒ። እዚ ኣገዳሲ እዩ ነዓይ።

ባሊጋኺ ውን እዚ ክርደኦን ከኽብሮን እዩ ዘለዎ።
ከምኡ እንተ ዘይገይሩ ግን ካብ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ሓገዝ ድለዪ።