ኩሎም መሓዙተይ Lovoo ይጥቀሙ። እንታይ እዩ እዚ፧

Lovoo ናይ መላለዪ ኣፕ እዩ።
እዚ ናይ መላለዪ ኣፕ ዝበሃል ሓደ ኣፕ ኮይኑ ንምልላይን ንምፍቓርን ይጠቅም።
ካልኦት ሰባት ብሞባይኪ ክትላለዪ ትኽእሊ።
ሓደ ስእሊ ናይ ሓደ ሰብ ርኢኺ ክትጽሕፍሉ ትኽእሊ።
ዝተፈላለዪ ናይ መላለዪ ኣፕ ኣሎ።

ንኣብነት ኣብ Lovoo ብዙሓት መሓዙት ክትረኽቢ ትኽእሊ።
ወይ ዕርክነት ክትጅምሪ ትኽእሊ።
ኣብ Lovoo ብነጻ ክትምዝገቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ግን ልዕሊ 17 ዓመት ክትኮኒ ኣለኪ።
ኣስተውዕሊ: ገለ ገጻት ወይ ቀረባት ናይ Lovoo ገንዘብ ይሓትት እዩ።

ገለ ሰባት ነዚ ናይ መላለዪ ኣፕ ዝጥቀምሉ ንኻልእ ምኽንያት እዩ።
ንገሊኤን ክጻወትለን ይደሉ።
ወይ ስጋዊ ርክብ (ጥራይ) ክገብሩ ይደልዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ እውን ዕድሚኦም ይቕይሩ እዮም።

ምስ ሓደ ሰብ ክትራኸቢ እንተ ደሊኺ:
ኣብ ካልኦት ሰባት ዘለውዎ ቦታ ተራኸቢ።
እንታይ ትደልዪ ወይ እንታይ ኣይትደሊን ኣነጺርኪ ንገርዮ።
ዝኾነ ጸገም እንተ ኣጋጢሙ ሓገዝ ጸውዒ።

ኣነ (ጓል 15 ዓመት) ሎሚ ዓመት ናብ Münchner Oktoberfest ክኸይድ ደልየ ኣለኹ። ኣብኡ ከይደ ኣይፈልጥን እየ። ኣቐዲመ ክፈልጦ ዘለኒ ነገር ኣሎ ድዩ፧

ኦክተበር ፈስት እቲ ዝዓበየ ፌስታ ኣብ ዓለም እዩ።
ኣብ ሓደ መዓልቲ ክሳብ 600.000 ሰብ እዩ ዝመጽእ!
ስለዚ ዘይምቹእ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ናብቲ ቦታ ክትከድ እንከለኻ ኣብዚ ጠቐምቲ ሓበሬታ ትረክብ።

ኦክተበር ፈስት ብዙሕ ከዘናግዕ ይኽእል እዩ።
ግን ደስ ዘየብል ሃዋሕው እውን ኣሎ ኣብቲ ፌስታ:
ሃንደበት በይንኺ ምስ ትኾኒ።
ሰባት ክለኽፉኺ እንከለዉ።
ባእሲ ምስ ዝፍጠር።
እንሆ ሓደ ሓደ ኣብነታት፡

ክንነግረኪ ንደልዮ ነገር ግን: ስምዒታትኪ ንቡርን ኣገዳስን እዩ!
ሓገዝ እንተ ደሊኺ ናብቲ ናይ ጸጥታ ኖቕጣ ነዋልድን ደቀንስትዮን (Security Point für Mädchen und Frauen) ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።
ዝኾነ ጸገማት ምስ ዝህልወኪ ጥዑማት ኣንስቲ ኣለዋ ዝተሓባበራ።
ኩሉ መዓልቲ ካብ ሰዓት 18 ክሳብ 1 ቀዳም ድማ ካብ ሰዓት 15 ክሳብ 1 ኣለዋ።
እቲ Security Point ኣብቲ Servicezentrum ይርከብ።
ኣብዚ ቦታ ፖሊስ፡ ቀጽሕ መስቀል ከምኡ ድማ ናይ ዝጠፍአ ንብረት ዝርከበሉ ቦታ ይርከቡ።
እንተ ደሊኺ እውን ነቶም ናይ ጸጥጣ፡ ፖሊስ ወይ ተሳሳይቲ ክትሓትዎም ትኽእሉ ኢኹም።
ናብኡ ከብጽሑኺ ይኽእሉ ኢኹም።
www.sicherewiesn.de

የዕሩኽተይ ምሳይ (14) ናብ መሐንበሲ ቦታ ክኸዱ ደልዮም። ኣብኡ ደቀንስትዮ ጥራየን ክትርእየን ይከኣል እዩ ኢሎሞ። ትኽክል ድዩ እዚ፧

ኣዋልድን ኣወዳትን ከምኡ ድማ ሰብኡትን ኣንስትን ምሕንባስ ብዙሕ የዘውትሩ።
ኩነታት ኣየር ጽቡቕ ምስ ዝኸውን ድማ ኣብ ቀላያት ይኸዱ።
ኣብቲ ሳዕሪ ኮንካ ድማ ተዕርፍን ጸሓይ ትጽለውን።
መጻወቲ ቦታ ድማ ፍሉይ ተወሳኺ ኣለዎ።
ሕማቕ ኣየር ምስ ዝኸውን ደማ ኣብ ዕፉን መሐንበሲ ቦታ ይኸዱ።
ኣብዚ ድሕሪ ምሕንባስ ከተዕርፍ ትኽእል ኢኻ።

ኩሉ ሰብ ድማ መሐንበሲ ክዳይ ይኽደን።
ሰብ ወይ ክሕንብስ፡ ከዕርፍ ወይ ክዘናጋዕ እዩ ዝመጽእ።
ዝኾነ ይኹን ሰብ ክጥመት ወይ ክትንከፍ ኢሉ ዝመጽእ የለን።

ኣብ ኤውሮፓ ኣብ መሐንበሲ ቦታ ቁሩብ ጥራይ ኢዮም ዝኽደኑ።
እዚ ድማ ዝጠልቀየ ቀልጢፉ ስለ ዝነቅጽ እዩ።

ኣዋልድን ኣንስትን ምጥማት ኣብኡ ኣዝዩ ኣጸያፊ ነገር እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን እተን ደቀንስትዮ ብዙሕ ምስ ዝጥመጣ ብጣዕሚ የሕርቐን እዩ።
ክትጥምት እንተ ደሊኻ ኣሕጽር ኣቢልካ ጠምት።
ክትትንክፋ ወይ ክትለኽፋ ግን ኣይፍቀድን እዩ። ኮምኡ ምስ ትገብር ኣብዘይሽግርካ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
ኣዋልድን ኣንስትን ምትንኻፍ ኩልኩል እዩ።

ጓል ክትላለ እንተደሊኻ ብስነስርዓት ክትሓታ ትኽእል ኢኻ።
ከምዚ ኢልካ ሕተታ፡ ጀላቶ ክጋብዘኪ ይፍቀድ ድዩ፧
ወይ ማሳይ ፒንግ ፖንግ ክትጻወቲ ትደልዪ ዶ፧

ኣገዳሲ ነገር፡ ምሕንባስ ኣቐዲምካ ክትመሃር ኣለካ ኣብ ማይ ከይትጥሕል።

ብ ሞባይለይ ጌረ ፈይስ ቡክ ተመዝጊበ። ብኸመይ ኣብኡ ሰብ ክላለ ይኽእል፧

ፈይስ ቡክ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኢንተርነት እዩ።
ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ክበሃል ከሎ፡
ኣብዚ ቦታ ካብ ምሉእ ዓለም ሰባት ከዕልሉ ይኽእሉ።
ኢንስታግራም ወይ ዋትስ ኣፕ ውን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን እየን።
በዚ መንገዲ ጌርካ ምስ ናይ ቀደም የዕሩኽትኻ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
ሓደስቲ የዕሩኽ ውን ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ።

ዘይትፈልጦም ሰባት ክትላለ ከለኻ መሳጢ እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ግን ምስዘይትፈልጦም ሰባት ጥንቅቕ ምባል የድሊ።
ዘይትፈልጦም ሰባት ክንብል ከለና፡
እዚ ሰብ እዚ ቅድሚ ሕጂ ብኣካል ርኢኺዮ ኣይትፈልጥን ኢኺ።

ስለዚ ሓገዝቲ ሓበሬታታት ክንህበኪ፡
ትኽክል ሽምክን ኣድራሻኽን ተቐላጢፍኪ ኣይትሃቢ።
ቁጽሪ ተለፎንኪ ኣይትሃቢ።
ስእሊ ናይ መሓዙትኪ ኣብ ኢንተርነት ኣይትስቀሊ።
መሓዙትኪ ኣይፈትዉን ይኹኑ።

ኣገዳሲ ነጥቢ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝተላለኽዮ ሰብ በይንኺ ኮንኪ ከይትረኽብዮ።
ጽቡቕ ትፈልጥዮ ሰብ ሒዝኪ ርኸብዮ።
ኣብ እንዳ ሻሂ ወይ ኣብ ከተማ ድማ ቁጸርዮ።