ኣነ (ጓል 15 ዓመት) ንዓርከይ ሓንቲ ስእሊ ናተይ ምስ ሞታንታይ ሰዲደሉ። ንሱ ድማ እታ ስእሊ ንሓደ ዓርኩ ኣርእይዋ። እቲ ዓርኩ ድማ ንቡዝሓት ደቂ ክላሰይ ኣርእይዋ። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ?

ምናልባሽ ካልኦት ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ይሓስቡ ኢልኪ ብዙሕ ትጭነቒ ትኮኒ።
ምናልባሽ ንዓርክኺ ጸሊእክዮ ወይ ተቐይምኩሉ ትኾኒ።
ዘለኪ ስክፍታታት ግን ንበይንኺ ኣይትግበርዮ!
ካብ ዓበይቲ ሰባት ንመን ክትኣምኒ ትኽእሊ?
ነቲ ትኣምንዮ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንገርዮ።
ንሱ ወይ ንሳ ድማ ክትሕግዘኪ ትኽእል ትኸውን

ክፍለጥ ዘለዎ ኣገዳሲ ነገር ግና:
ብዘይ ናትኪ ፍቓድ ስእልኺ ንወልሓደ ሰብ ከመሓላልፍ መሰል የብሉን።
ስእልኺ ኣብ ኢንተርነት ክትደልያ ትኽእሊ ኢኺ።
ሽምኪ ኣብ ጉግል ትህቢ።
ኣብ ዝኾነ መርበብ ኢንተርነት ስእልኺ እንተ ረኺብክያ ድማ:
ነቶም መርበብ ኢንተርነት ጸሓፍሎም።
እዛ ስእሊ ብቕልጡፍ ክትድምሰስ ኣለዋ ናተይ ስለዝኾነት በልዮም።
ንመማህርትኺ ድማ:
እታ ስእሊ ናብ ዝኾነ ኣካል ክትመሓላለፍ የብላን በልዮም።
ትኣምንዮ ሰብ ክሕግዘኪ ድማ ጸውዒ።
ምስ ካልእ ክኢላ ክትዛረቢ ደሊኺ ወይ ሕቶታት እንተለኪ:
ኣማኸርቲ ኣብዚ ትረኽቢ www.save-me-online.de .
እቲ ምኽሪ ብነጻ ክፍሊት የብሉን ስምኪ ምርቋሕ እውን ኣየድልየክን እዩ።

ኣነ (14 ዓመተይ) ብዙሕ ግዜ ይቑጣዕ። ብዙሕ ሕሉፍ ነገራት ድማ ይዝክር። ሓደ ሓደ እዋን እዚ ነገር የፍርሃኒ እዩ። ሓደ ሓደ እዋን ድማ ከመይ ኢለ ከምዚ ኢለ ከም ዝነብር ይጠፍኣኒ እዩ። ምስ ወለደይ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክዛረብ ግና ኣይደፍርን። መን ክሕግዘኒ ይኽእል?

ብዙሓት ሰባት ከምዚ ናትካ ጸገም ኣለዎም፡
ብዙሓት ብኸመይ ፍርሂ ወይ ጓሂ ክብድህዎ ከም ዝኽእሉ ይጠፍኦም።
ናይ ሕሉፍ ተመክሮ ክርስዑ ኣይክእሉን።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓገዝ የድሊ።

ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሰብ ከተዛራረቡ ዘይትደፍር ኮይንካ:
ናይ ሆት ላይን ተልፎን „Krisen-Dienst Psychiatrie“ ዝብል ክትድውል ትኽእል።
ሆት ላይን ዝበሃል ቁጽሪ ተሌፎን ንፉሉይ ኩነታት እዩ።
ኣብዚ ክትድውል ትኽእል ኣብ ሽግር ምስ ትህሉው።
ሕማቕ ምስ ትህልው ኣብዚ ክድወል ይከኣል።

እዚ ናይ ሆት ላይን ቁጽሪ 0180 / 655 3000.
ካብ ሰዓት 9 ክሳብ ሰዓት 24 ዘሎ ሰዓት ምድዋል ይከኣል።
ስድራቤትካ እውን ብዛዕብኡ ወልሓንቲ ኣይሕበሮምን።
ብዝተኻእለ መጠን ኣብኡ ደውል።
ሰራሕተኛታት ኣብ ተሌፎን ጽን ኢሎም ይሰምዑኻ።
እንታይ ከም ዘድልየካ እውን ሓቢርኩም ፍታሕ ተናድዩ።
ክሕጉዝኻ እውን ትስፉያት ኢና።

(13 ዓመት መንእሰይ) ትማሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ስጋዊ ርክብ ኣስተምህሮ ነይሩና። እታ መምህርና ሓደ መትሎ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐን ሓንቲ ብልዕቲ ብጨርቂ ዝተሰርሐትን ኣምጺኣትልና። እቲ መስርሕ ኣብ ሰውነትና ብኸመይ ከም ዝሰላሰል ድማ ስለ ዘርእይ ክንሕዞ ነይሩና። ሓንቲ መሓዛይ ግና ነዚ ምሓዝ ሓጥያት እዩ ኢላትኒ። ከምዚታት ምሓዝ ሓጥያት ኣለዎ ድዩ?

ናይ ስጋዊ ርክብ መምሃሪ ኣቕሑ መብዝሕትኡ ግዜ ንኽተሓዙን ንከጽንዕሉን ዝተሰርሐ ኣቕሓ እዩ።
ዕላምኡ ድማ:
ኣዋልድ ኮና ኣወዳት ብዛዕባ ናይ ስጋዊ ርክቦም ናውቲ ክላለይዎን ክፈልጥዎን እዩ።
በዚ ኣገባብ ኣዋልድን ኣወዳትን ክፈልጥዎ ዘለዎም ነገራት:
ናይ ስጋዊ ርክብ ናውቲ ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ?
ኩሎም ህጻናትን መናእሰያትን ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክረኽቡ ኣገዳሲ እዩ።
ናይ ባዕሎም ኣካት እውን ክፈልጥዎ ኣለዎም።

ገለ ገለ ሰባት ነዚ ከምዚ ዓይነት መምሃሪ ክሕዙ የሕፍሮም ይኸውን።
ብዛዕባ ናይ ስጋዊ ርክብ ናውቲ ክዛረቡ ኣይለመዱን ይኾኑ።
ሓበሬታ ምቕሳም ግና ሓራም ወይ ሓጥያት ኣይኮነን።
ኣብ ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ እውን:
ነዞም መምሃሪ ኣቕሑ ኣይትሓዙ ዝብል የለን።

ፍልጠት ብዛዕባ ኣካላትን ናይ ጾታ ናውትን ጥቕሙ:
ካብ ገለ ሕማማት ንኽትከላኸል ክጠቅም ይኽእል።
ደቀንስትዮ ብዘይ ድሌተን ንኸይጠንሳ ክጠቅም ይኽእል።
ካብ ጉጉይ ሓበሬታን ሓቅነት ዘይብሉ እምነትን ምቑጣብ ይጠቅም።
ንዝኾነት ጓል ኮነ ወዲ ብሓሶት ንኸይታለሉ ክጠቅም ይኽእል።

ዓርከይ ከም ዝነገረትኒ፡ „መከላኸሊ ቀለቤት“ ተጠቐም ትብለኒ። እዚ ኣነ ኣይፈልጦን እዩ። እንታይ እዩ? ብኸመይ ከ ክጥቀመሉ ይኽእል?

እዚ መከላኸሊ ቀለቤት ልክዕ ከም ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ እዩ።
እታ ቀለቤት ንኣካላትኪ ሆርሞን ትወስደሉ።
በዚ ኣገባብ ድማ ጥንሲ ንኸይመጽእ ይዕገት።
ሓኪም ማህጸንኪ ክትጽሕፈልኪ ትኽእል እያ።
በቲ ናይ ሓኪምኪ ወረቐት ጌርኪ ድማ ኣብ ፋርማሲ እቲ ቀለቤት ትገዝእዮ።

እታ መከላኸሊ ቀለቤት ኣብ ብልዕትኺ ተእትውያ።
ኣብ ብልዕትኺ ድማ ሰለስተ ሰሙን ዝኣክል ክትጸንሕ ኣለዋ።
ብድሕሪ እዚ ነታ ቀለቤት ካብ ብልዕትኺ ተውጽእያ።
ብድሕሪ እዚ ሸውዓተ መዓልቲ ተጸቢኺ ሓዲሽ መከላኸሊ ቀለቤት እንደገና ተእትዊ።
ብዝበለጸ ኣብ ካላንደርኪ መዘከሪ ግበርሉ።

ኣስተውዕሊ: እቶም ሆርሞን ዘይምቹእ ጎናዊ ሳዕቤናት ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ኣብ ሓኪም ማህጸንኪ ኬድኪ ሓበሬታ ብዛዕብኡ ቅሰሚ።
እቲ መከላኸሊ ቀለቤት ብኸመይ ከተእትውዮ ትኽእሊ?
መጀመርያ ምጹእ ቦታ ድለዪ።
ብድሕሪኡ ኣብ ከተብሩኺ ትኽእሊ ኢኺ።
ወይ ድማ ሓንቲ እግርኺ ኣብቲ ናይ ባጮ ጫፍ ክትሰቕልዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ብመጠዋጢት ኣጻብዕትኽን ዓባይ ዓባይቶኽን ጌርኪ ነታ ቀለቤት ጽቐጥያ።
ሕጂ ነታ መከላኸሊ ቀለቤት ኣብ ብልዕትኺ ክትደፍእያ ትኽእሊ።
እታ መከላኸሊ ቀለበት ኣብ ውሽጢ እንተ ዘይትስማዓኪ ኣላ ኣብ ቦትኣ ኣትያ ኣላ ማለት እዩ።

ዓርከይን ኣነን (ጓል 17 ዓመት) ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ-ሰንበት ስጋዊ ርክብ ክንፍጽም ደሊና ኣለና። ኣብቲ መዓልቲ ግን ጽግያተይ ክመጸኒ እዩ። ዓባየይ ከም ዝበለትኒ ግና፡ ስጋዊ ርክብ ኣብ እዋን ጽግያት ምርሳሕ እዩ። እዚ ሓቅነት ኣለዎ ድዩ?

ስጋዊ ርክብ ኣብ እዋን ጽግያት ሃሳዪ ኣይኮነን።
ክልቴኹም እንተ ደሊኹሞ ከኣ ጸገም የብሉን።
ገለ ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ጽግያተን ስጋዊ ርክብ ክገብራ ይደልያ ገለ ድማ ኣይፈትዋን።
ደቂ-ተባዕትዮ እውን ኣብዚ ዝፈላለ ስምዒት እዩ ዘለዎም።
ኣብ ገለ ሃይማኖታት ስጋዊ ርክብ ኣብ እዋን ጽግያት ፍቑድ ኣይኮነን።
እዚ ግን ናይ እምነት ጉዳይ ጥራይ እዩ።
ትኣምንሉ እንተ ኮይንኪ ከተኽብርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ብሕክምና ዓይኒ ክረአይ እንከሎ ግና ስጋዊ ርክብ ኣብ እዋን ጽግያት ዋላሓንቲ ጸገም የብሉን።

እቲ ዋና ነገር ክልቴኹም ፈቲኹም ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ እዋን ጽግያት ስጋዊ ርክብ ምፍጻም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ይከኣል።
ክልቴኹም ኣብ ብልዕትኹም ብጥዑም ስምዒት ክትተናኸፉ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ መትሎ ኣብ ብልዕቲ ክኣቱው እንተ ደሊኹም?
ነዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ተኸተሉ:
ዋላ እውን ኣብ እዋን ጽግያት መከላኸሊ ተጠቐሙ።
ብዝበለጸ ኮንዶም ተጠቐሙ።
ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን እውን ጥንሲ ክሕዘኪ ይኽእል እዩ።
ጾታዊ ሕማማት እውን ኣብዚ እዋን ብዝቐለለን ብዝያዳን ክመሓላለፉ ይኽእሉ።
ኣብ ውሽጢ ዝውተፍ ሞዴስ ወይ ታምፖን እንተለኪ ቅድሚ መትሎ ኣብ ብልዕትኺ ምእታው ናይ ግድን ከተውጽእዮ ኣለኪ።

ኣነ (ጓል 16) ሓሙሽተ መዓልተይ ጽግያተይ መጺኡኒ ኣሎ። ትማሊ ድማ ምስ ሓደ ስጋዊ ርክብ ፈጺመ ነይረ። መከላኸሊ ኣይተጠቐምኩን ግን። ክጠንስ ይኽእል ድየ?

እወ፡ ኣብ እዋን ጽግያት እውን ጥንሲ ክሕዘኪ ይኽእል እዩ።
ኣዝዩ ሳሕቲ እኳ እንተኾነ
ጥንሲ ክመጽእ ይኽእል እዩ።

እቲ ኣብ ውሽጥኺ ዝርከብ እንቋቕሖ ኣብ ውሱን እዋን ጥራይ እዩ ክጫጭሕ ዝኽእል።
ክጫጭሕ ክንብል እንከለና:
ብዘይ መከላኸሊ ስጋዊ ርክብ ምስ ትፍጽሚ ጥንሲ ክሕዘኪ ይኽእል እዩ።
እቲ እንቋቕሖ ቀቅድሚ ምውዳቑ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ።
እቲ እንቃቕሖ ኣብ ዝወድቀሉ ድማ ኣዚኺ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ።
ዋላ እውን ድሕሪ እቲ እንቋቕሖ ምውዳቑ እውን ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ።
መዓስ እዩ እቲ እንቋቕሖ ዝወድቕ ከኣ ብንጹር ክትፈልጥዮ ኣይትኽእልን ኢኺ።
እቲ ናይ እንቋቕሖ ምውዳቕ ንውሓት ግዜ ጽግያትኪ እዩ ዝቕይዶ።
ኣብ ሓጺር እዋን ድዩ ጽግያትኪ ዝመጸኪ?

ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ዘርኢ ተባዕታይ ኣብ ብልዕቲ ክኣቱው ይኽእል እዩ።
ክሳብ 5 መዓልቲ እታ እንቋቕሖ ኣብ ውሽጥኺ ክትጫጭሕ ትኽእል።
ብድሕሪኡ ድማ እታ እንቃቕሖ ክትወድቕ ትኽእል።
ናብ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተትኸዲ ዝበለጸ እዩ።
ዋላ እውን ትማሊ ጥንሲ እንተ ሓዝኪ ሓኪምኪ ክትሕግዘኪ ትኽእል እያ።
መርሚራ ሓበሬታን ምኽርን ትህበኪ።

ዓርከይ (ጓል 15) ከኒና ትውሕጥ እያ። ብዙሕ ግዜ ድማ ብሓንሳብ ንድቅስ ኢና። ሓደ ሓደ እዋን ግና እቲ ከኒና ትርስዖ ኢያ። ክትጠንስ ትኽእል ድያ?

ትኽክል፡ ዓርክኻ ክትጠንስ ትኽእል እያ።
እቲ ከኒና ኣብ ሰዓቱን ብተኸታታልን ክውሰድ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ!
እቲ ክበሃል እንከሎ ግና ካብ ከኒና ናብ ከኒና እውን ይፈላለ እዩ።

ዓርክኻ እቲ ደቂቕ ከኒና ድያ ትወስድ?
እሱ እንተኾይኑ መዓልታዊ ኣብ ሓደ ሰዓት ክውሰድ ኣለዎ።
ብዝበለጸ መዘከሪ ኣብ ሞባይላ እንተ ትገብር ዝበለጸ ይኸውን።
እታ ሞባይል ጭር ምስ በለት ድማ ከኒናኣ ትውሕጥ።
እንተደኣ እቲ ደቂቕ ከኒና ዶንጊያ ወሲዳቶ ወይ ድማ ጠቕላላ ረሲዓቶ ግና:
ውሕስነት ናይ ምክልኻል ጥንሲ ይቕንስ።
ብዝተኻእለ መጠን ኮንዶም ብምውሳኽ ክሳብ ናይ ኣዴታታ ዝመጻ ክትከላኸሉ ዝምረጽ እዩ።

ምናልባእ ዓርክኻ ከኒና ትወስድ ትኸውን?
ዓርክኻ ከኒና መዓልታዊ ክትወስዶ ኣለዎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ድማ ክኸውን ኣለዎ።
ከኒና ከይወሓጠት እንተ ረሲዓቶ:
ብዝተኻእለ መጠን ኮንዶም ብምውሳኽ ክሳብ ናይ ኣዴታታ ዝመጻ ክትከላኸሉ ዝምረጽ እዩ።

ከኒና ምውሓጥ ብዙሕ እዋን ትርስዕ እንተኮይና ግና:
ሓቢርኩም ናብ ሓኪም ማህጸን ብምኻድ ሓበሬታ ቅሰሙ።
ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ኣለኩም።

ኣነ (ወዲ 17 ዓመት) ዓርኪ ኣላትኒ። ኣብ ናይ ማህጸን ሓኪም ከይዳ ነይራ። ንሳ ከም ትብሎ ኩለን ኣዋልድ ኣብኡ ይኸዳ። ኣወዳት ዝኸድዎ ኮምኡ ሓኪም ከ ኣሎዶ?

እወ ሓኪም ኣሎ።
እቲ ሓኪም „ኣንድሮሎጂስት“ ይበሃል።
መብዝሕትኡ ግዜ ዩሮሎጂስት እውን እዩ።
ብብዙሕ ጉዳይ ናብዚ ሓኪም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ ወይ ብዛዕባ ኣካላትካ ሕቶታት እንተለካ ክትከይድ ትኽእል።
ኣብ መትሎኻ ዝኾነ ዘይንቡር ነገር እንተ ወጺኡካ።
ኣካላትካ ስለ ዝቀያየር ዘሎ ርግጸኛ እንተ ዘይኮንካ።

ኣገዳሲ ነገር ድማ:
በይንኻ እውን ኩሉ ግዜ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ሓኪም ክምርምረካ ይኽእል እዩ።
እንተደሊኻ ማለት እዩ።

ኣካላትካ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ።
ለውጥታት ከጋጥም እንከሎ እውን ይርደኣካ።
ገለ ለውጥታት ምስ ዘጋጥም ናብ „ዩሮሎጂስት“ ምኻድ የድሊ።
ንኣብነት ተሪር እሳር ኣብ ፍረነብስኻ ምስ ዝስማዓካ።
ሓኪም ክርእየካ ኣለዎ ከምዚ ምስ ዘጋጥም።
ኣብዚ ምስ ትጥውቕ ሓኪም ኣብ ከባቢኻ ክትረክብ ትኽል:
http://www.urologenportal.de/patienten/urologensuche.html?_ga=2.176741090.657452144.1525423126-2097382778.1524050206

ኣነ (ጓል 16 ዓመት) ብዓረብያ እየ ዝኸይድ። ዓርኪ ሒዘ ኣይፈልጥን። መሓዙተይ ብዓረብያ ኣይኮናን ዝኸዳ። ኩላተን ድማ ዓርኪ ነይሩወን። ኣወዳት ብስንክልናይ ስለ ዘይፈትውኒ ድዮም ኣነ ዘይብለይ?

እዝስ እታ ዓረብያኺ ተሰክፈኪ ክትከውን ኣለዋ።
ምናልባሽ ካብተን ካልኦት መሓዙትኪ „ፍልይቲ“ ኮይኑ ይስመዓኪ ይኸውን።
እዚ ብዙሓት ሰባት ሻቕሎት ይገብሮሎም እዩ:
እንተደኣ „ፍሉያት“ ኮይኑ ዝስምዖም ኮይኑ።
ምናልባሽ ዘይከውን ዘረባታት እውን ሰሚዕኪ ትኾኒ ኢኺ።
ዘይከውን ዘረባታት ክርብሸኪ ይኽእል ይኸውን።

ነፍስወከፍ ሰብ ግን ፍሉይ ሰብ እዩ።
ናትኪ ፍሉይነት ከኣ ሰብ ብቕልጡፍ ክርእዮ ይኽእል።
ምናልባሽ ብኸምዚ ይኾኑ ሰባት ዝዛረቡኺ።
ምናልባሽ ብሰንኪ እዚ ብዙሕ ትሓስቢ ትኾኒ።
„ጽባቐ ሰብ“ ክበሃል ከሎ ግና ንኩሉ ሰብ ካልእ ትርጉም ኣለዎ።
ጽብቕቲ ዘግብረኪ እቲ ንስኺ ንስኺ ዘብለኪ ነገራት እዩ።
ምኽንያቱ ንስኺ ሓንሳብ ጥራይ ኢኺ ኣብዛ ዓለም ዘለኺ!

ብዙሓት ኣዋልድን ኣወዳትን ነዊሕን ሓጺርን ዝምድና ይገብሩ።
ግን: ብዙሓት ብዓረብያ ዝኸዱ ኣወዳትን ኣዋልድን እውን ዝምድና ይገብሩ እዮም።
ሓንቲ መዓልቲ ንዓኺ እውን ከጋጥመኪ እዩ።
ስለዚ ስጋብ ሕጂ ዓርኪ እንተ ዘይሓዝኪ ብዙሕ ዘሻቕል ኣይኮነን።