ኣነ ወዲ 15 ዓመት እየ። ሓደ ሰብኣይ ድማ በዲሉኒ። ኣብ ማእከል ኣስላፈይ ሒዙኒ። ዘይደልዮ ነገር። በዛ ኩነታት እዚኣ ብዙሕ ይሓስብ። ሕጂ ሓንቲ ዓርኪ ገይረ ኣለኹ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብኸመይ ምስኣ ክዘራረብ ይኽእል፧

እዚ ጉዳይ ከም ዘተሓሳስበካ ርዱእ እዩ።
ብዙሓት ሰባት ብከምዚ ዓይነት ሕሉፍ ተግባራት ብዙሕ የሕስቦም እዩ።
ምናልባሽ ሕጂ ብዝያዳ ብዛዕብኡ የሕስበካ ይኸውን።
ምኽንያቱ ምስ ዓርክኻ ጥቡቕ ርክብ ስለ ዝጀመርኩም።
ምናልባሽ ኣብ ጥቕኣ ክትከውን እንከለኻ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ይህልወካ ይኸውን።
ምናልባሽ ክትነግራ ወይ ከይትነግራ ኣይወሰንካን ትኸውን።

ክትነግራ ደሊኻ ኣለኻ፧
ኣብ ኣካላታ ምስ ቀረብካ ካብኣ እንታይ ኢኻ ትደሊ፡ መጀመርያ ሕሰበሉ ኣጸቢቕካ።
ብድሕሪኡ ድማ እንታይ ኢኻ ክትብላ ትደሊ፧
ምናልባሽ እዞም ቃላት ይሕግዙኻ ይኾኑ:
ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ዓቢ በደል ኣብ ልዕለይ ፈጺሙ።
ስለዚ ዘዘኻኽሩኒ ነገራት ክገብር ኣይደልን እየ።
ሓደ ሓደ እዋን እቲ ምትሕቑቓፍ እውን ቀልጢፈ ከቛርጾ ይደሊ።
እዚ ግን እቲ ነገራት ስለ ዝዝከረኒ እዩ።
ምሳኺ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን።
ክሳብ ክንደይ ክትገልጸላ ከም ትደሊ ክትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ኣገዳሲ ነገር: ንዓኻ እውን ዘሰቅቕ ክኸውን የብሉን።
ምናልባሽ ካብኣ ትደልዮ ነገራት ክትሓታ ትኽእል ኢኻ።

ኣነ (ጓል 16 ዓመት) ውሱናት የዕሩኽ ወይ ጀምዓ ኣለውኒ። ብዙሕ ግዜ በሓንሳብ ድማ ነሕልፍ። ሓደ ካብኣቶም ግን ብዙሕ ጥብቕ ይብለኒ ኣሎ። ኣነ ግን ኮምኡታት ኣየድልየንን እዩ። ብኸመይ ክነግሮ ይኽእል፧ መሓዙት ኢና እኮ!

ብመጀመርያ ክንብሎ ንደሊ:
ስምዒትኪ ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን!
ዝኾነ ሰብ ክቐርበኪ የብሉን እንተ ደኣ ንስኺ ዘይትደልዪ ኮይንኪ።
ሓደ ሓደ እዋን ግና „ኣይደልይን ኢየ“ ምባል ይኸብደካ እዩ።
ምናልባሽ ነቲ መሓዛኺ ከም ሰብ ስለ ትፈትውዮ።
ምናልባሽ ኩሎም እቶም ካልኦት ጀምዓኹም ስለ ዝፈትውዎ።
ምናልባሽ ደስ ከም ዘይብለኪ ኣይርደኦን ይኸውን።
ክትዛረብዮ ግን ትኽእሊ ኢኺ:
ብጣዕሚ ትቐርበኒ ኣለኻ።
ክትገድፎ ትኽእል ዶ፧
ኣነ ኣፍተወኒን እዩ ከምኡ።
ነዚ ጠለብኪ ድማ ከኽብሮ ኣለዎ።

ሓገዝ እውን ክትደልዪ ትኽእሊ ኢኺ።
ምናልባሽ ሓንቲ መሓዛኺ ወይ ሓደ መሓዛኺ ምስኡ ኣብ ትዘራረብሉ እዋን ምሳኹም ከም ክህሉው ግበሪ።
እንተ ደኣ እቲ „ኣይደልን እየ“ ዝበልክዮ ዘይኣኽቢርዎ:
ትኣምንዮም ዓበይቲ ከይድኪ ተወከስዮም።
ወይ ከኣ ናብ ኣማኸርቲ ትካል ኪዲ።
ኣማኸርቲ ትካላቲ ኣብዚ ትረኽቢ: https://www.hilfeportal-missbrauch.de/nc/adressen/hilfe-in-ihrer-naehe/kartensuche.html?tx_nxshelpdesk_helpdesk%5binstitutionType%5d=21

ኣብ ገዛውትና ሓደ ዕብይ ዝበለ ወዲ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደ እዋን ምሳይ (ጓል 15 ዓመት) ባቡር ዝሕዛ ኣሎ። ኩሉ ግዜ ድማ ይከታተለኒ። ኣነ ድማ ካብኡ ይፈርህ። ሰባት ግና ስቕ ኢልኪ ኣይትሸርሸሪ ይብሉኒ።

ሓቅኺ ኣለኺ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።
ሓደ ሓደ እዋን እቲ ስምዒት ትኽክል ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ መሲሉኪ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ይኹን ደኣምበር እቲ ስምዒትኪ ሸለል ክትብልዮ ኣይግባእን።
ጸገም ንኸየጋጥመኪ እንታይ ክትገብሪ ከም ትኽእሊ ጽቡቕ ጌርኪ ሕሰብሉ።

ምናልባት ክትሓትዮ ትኽእሊ ኢኺ:
ስለምንታይ ኢኻ ትከታተለኒ፧ ኢልኪ
ወይ ድማ:
እንታይ ኢዩ ጸገምካ፧
እዚ ትከታተለኒ ዘለኻ ፍጹም ባህ ኣይብለንን እዩ ዘሎ። ከተቋርጾ ይላበወካ!
ምናልባሽ ስለምንታይ ከም ዝከታተለኪ ይነግረኪ ይኸውን ወይ ድማ የቋርጾ ይኸውን።

ምናልባሽ ንወለድኺ ወይ ድማ ኣለይትኺ ከምዚ ኢልኪ ክትነግርዮም ትኽእሊ ኢኺ:
እዚ ወዲ የፍርሃኒ ኣሎ።
ይከታተለኒ እዩ።
እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ?
ኣየናይ እዩ ነዓኺ ዘዋጻእኪ የዕሙቕኪ ሕሰብሉ..
ምናልጻሽ እቲ ወዲ እንተደኣ ኣፈራሪሁኪ፡
ንክሕግዙኺ ዝኽእሉ ሰባት ብቕልጡፍ ንገርሉ።

ኣነ ጓል 14 ዓመት እየ። ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ጀሚረ ታምፖን (ኣብ ብልዕቲ ዝኣቱ ሞዴስ) ንደም ናይ ኣዴታተይ ይጥቀም ኣለኹ። ትማሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ታምፖን ረሲዐዮስ ሓዲሽ ኣብ ልዕሊኡ የእቲየሉ። ሕጂ እታ ናይ ቅድም ከውጽኣ ኣይከኣልኩን። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፧

እዚ ንብዙሓት ደቀንስትዮ* የጋጥመን እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን እቲ ታምፖን ባዕልኺ ከተውጽእዩ ትኽእሊ።
ባዕሉ ድማ „ኣይጠፍእን“ እዩ።
እታ ብልዕቲ ድማ ቅሩብ ሰንቲ ሜተር ንውሓት እዩ ዘለዋ።

ገለ ጠቐምቲ ሓበሬታ ክንህበኪ:
ተገቲርኪ ኮፍ በሊ ወይ ድማ ሽንቲ ቤት እተዊ።
ክትረጋግኢ ፈትኒ ድማ
ምኽንያቱ ነብስኺ እንተ ዘይተኣሲሩ ወይ እንተ ዘይተጨኒቕኪ እዩ ክሰልጥ ዝኽእል።
ምናልባሽ እቲ ታምፖን ወይ ነታ ፈትሊ ብኢድኪ ተርክብያ ትኾኒ።
„ንታሕቲ ክትደፍእያ“ ፈትኒ ኢኺ።
እንተ ደፊእኪዮ፡ ታምፖን ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ባዕሉ ሸተት ኢሉ ይወጽእ እዩ።

እንተ ደኣ ብኸምዚ ዘይቀኒዑ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ቀልጢፍኪ ኪዲ።
ንሳ ድማ መርሚራ ነታ ታምፖን ከተልግሳ ትኽእል።
ታምፖን ምስ ዝርሳዕ ከሕምመኪ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ብቕልጡፍ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ምኻድ ኣለኪ።
ዋላ እውን ታምፖን ኣብ ውሽጢ ከም ዝረሳዕኪ ርግጸኛ እንተዘይኮንኪ ናብ ሓኪምኪ ኪዲ።
ዘሕፍር ጉዳይ እውን ኣይኮነን።
ንኸይትሓሚ ድማ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ዓርከይ ጽግያት ኣዴታታ መጺኡዋ እንከሎ ምሳይ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ደልያ ኣላ። እዚ ይከኣል ድዩ፧ እቲ ጽግያት ረስሓት ዶ ኣይኮነን እዩ፧

እንተ ደኣ ደስ ኢልኩም ኣብ እዋን ጽግያት እውን ስጋዊ ርክብ ክትፍጽሙ ትኽእሉ ኢኹም።
እዛ ቃል „ረስሓት“ ጥዕምቲ ቃል ኣይኮነትን።
ከምኡ ማለት: ሓንቲ ጓል ኣብ እዋን ጽግያት ኣዴታታ ጥዕይቲ ኣይኮነትን ማለት እዩ።
እዚ ግን ትኽክል ኣይኮነን።
ኣዋልድን ኣንስትን ዋላ እውን ኣብዚ እዋን ቀጻሊ ብጽሬት እየን ነብሰን ዝከናኸና።
ባኞ ይገብራ ነብሰን ይሕጸባ።

እቲ ደም ናይ ጽግያት ኖርማል ደም እዩ።
ደም ስለ ዝደመየት „ረሲሓ“ ማለት ኣይኮነን።
እቲ ደም ሕማቕ ነገር ኣይኮነን።

ጥዑም ስጋዊ ርክብ ንምፍጻም ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ኣለው።
ዋላ እውን ኣብ ግዜ ጽግያት።
ንኣብነት መትሎኻ ካብ ብልዕቲ ወጻኢ ኣብ ቅንጢር ምፍሕፋሕ።
እዚ ንብዙሓት ኣዋልድን ኣንስትን ጽቡቕ ስምዒት ይፈጥረለን እዩ።
ወይ ከኣ መትሎ ብምሓዝ ምድራዙ።
እዚ ፐቲንግ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ብዙሓት ኣዋልድን ደቀንስትዮን ኣብ እዋን ጽግያተን ነብሰን ይፎኽሰን እዩ።
ኣብዚ እዋን ስጋዊ ርክብ ፍልይ ዝበለ መቐረት ይህበን።
እንታይ ደስ ከም ዝብለኩም ምስ ዓርክኻ ብዛዕባ እዚ ተዛራረብ።

ኣነ (ጓል 14 ዓመት) ምስ ዓርከይ ስጋዊ ርክብ ፈጺመ። መከላኸሊ ድማ ኣይተጠቐምናን። ንሱ ከም ዝበለኒ ኣነ ክጠንስ ከም ዘይክእል እዩ። ምኽንያቱ ገና ጽግያት ኣደታተይ ስለ ዘይጀመረኒ። እዚ ኣበሃህላ ትኽእል ድዩ፧

ምጭጫሕ እንቃቕሖ ቅድሚ ጽግያት ኣዴታትኪ እዩ ዝጅምር።
ስለዚ እቲ እንቋቕሖ በሲሉ ድቂ ክኸውን ይኽእል።
ድቂ ማለት:
እቲ እንቋቕሒ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ይሓብር።
ስለዚ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ ማለት እዩ።

ብዙሓት ደቀንስትዮ እቲ ናይ እንቃቕሖ ምጭጫሕ ኣይፍለጠንን እዩ።
ንዓኺ ጀሚሩኪ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ ምጭጫሕ እንቓቕሖ ኩሉ ግዜ ቅድሚ ናይ ኣዴታት ምጅማሩ እዩ ዝመጽእ።
ዋላ እውን ቅድሚ ፈልማይ ጽግያት ኣዴታትኪ።

ኣዋልድ ቅድሚ ጽግያት ኣዴታተን ዝጅምረን ናይ ብልዕቲ ፈሳሲ ዝመጸን ኣሎ።
እዚ ፈሳሲ ዘርኢ:
ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኣዴታትኪ ከም ዝጅምር እዩ።
እዚ ግን 1 ወርሒ ክወስድ ይኽእል ወይ ድማ 1 ዓመት።
ገለ ኣዋልድ እዚ ፈሳሲ ብልዕቲ ይፍለጠን እዩ።
ገለ ከኣ ኣይፍለጠንን።
ስለዚ መከላኸሊ ክትጥቀማ ይግባእ።
ብዝበለጸ ኮንዶም እንተ ተጠቐምክን ዝምረጽ እዩ።
ኮንዶም ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ይከላኸል።

ብዙሓት የዕሩኽተይ ናይ ፖርኖ ፊልም ይርእዩ እዮም። ኣነ (ወዲ 14 ዓመት) እውን መሳጢ ኮይኑ ረኺበዮ። ነቶም ፊልምታት እውን ክርእዮም ይደሊ። የዕሩኽተይ ግና ብምስጢር ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ እዮም ነጊሮምኒ። ንዓበይቲ እውን ብዛዕባ እዚ ክነግር ከም ዘይብለይ ሓቢሮምኒ። ስለምንታይ እዩ እዚ፧

መናእሰያት ትሕቲ 18 ዓመት ፖርኖ ፊልም ክርእዩ ኣይፍቀደሎምን እዩ።
ብፍላይ ድማ ዓበይቲ ነዞም መናእሰያት ከፍቅድሎም ኣይፍቀደሎምን እዩ።
እዚ ብሕጊ ኩልኩል እዩ።

እቲ ሕጊ ድማ ንትሕተ-ዕድመ ኣዋልድን ኣወዳትን ውሕስነት ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ።
መናእሰያት ብዙሕ ተሞክሮታት ንመጀመርያ ግዜ ኣብዚ ዕድመ ይገብሩ እዮም።
እንታይ ደስ ከም ዝብሎም ባዕሎም ክፈልጡ ይኽእሉ።
ንዕኦም ደስ ዘብሎም ነገራት።
ከምኡ ድማ ዘስ ዘይብሎም ነገራት።
ናይ ፖርኖ ፊልም ከኣ ነዚ ክጸልዎ ይኽእል።

ዋላ እውን እቶም መናእሰያት ውሑድ ተመኩሮታት ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ ይሃልዎም:
እቲ ናይ ፖርኖ ፊልም ከደናግሮም ይኽእል እዩ።
እዞም ፊልምታት ስጋዊ ርክብ ኣብ ቅድሚ ካሜራ እንዳ ተቐድሑ ጥራይ እዮም ዝቕረጹ።
እቶም ሰባትን ስምዒታቶምን ኣብቲ ፊልም ብዙሕ ኣገዳስነት የብሎምን።
ምናልባሽ ገለ መናእሰያት ግና ምስ ስምዒታት ከነጻጽርዎ ይኽእሉ እዮም።
እቶም ሰባት ዝገብርዎ ምናልባሽ ንዓኻ ደስ ዘየብል ክኸውን ይኽእል እዩ።
ምናልባሽ እቲ ፊልም እንዳ ረኣኻዮ ከማን ዕግርግር ክብለካ ይኽእል እዩ።
ስለዚ እዩ ድማ መናእሰያት ናይ ፖርኖ ፊልም ክርእዩ ዘይፍቀድ።

ኣነ (ወዲ 16) ምስ ዓርከይ ስጋዊ ርክብ ፈጺምና። ልክዕ ስምዒተይ ክመጽእ ክብል ከለኹ ሞትሎይ ካብ ብልዕታ የውጽኦ። ብተወሳኺ ድማ ጽግያት ኣዴታታ ልክዕ ምስ ወድአት ወይ ድማ ክመጻ ቅሩብ ምስ ተረፋ ጥራይ ኢና ስጋዊ ርክብ ንፍጽም። ከምዚ እንዳ ገበርና ክትጠንስ ትኽእል ድያ፧

ዓርክኻ እወ ክትጠንስ ትኽእል እያ።
እቲ ንስኹም ትጥቀሙሉ መንገዲ „Coitus interruptus“ ተባሂሉ ይጽዋዕ:
እዚ ማለት ዝተኾላለፈ ስጋዊ ርክብ ማለት እዩ።
በዚ መሰረት ዝኾነ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ብልዕቲ ክኣትው የብሉን።
ገለ ዘርኢ ግን ቅድሚ ኦርጋዝም ምምጻእ ካብ መትሎ ክወጹ ይኽእሉ እዮም።
ንስኻ ድማ ፍጹም ክፍለጠካ ኣይክእልን እዩ።
ክትቆጻጸሮም ድማ ኣይትኽእልን ኢኻ።
እዞም ዘርኢ ንሓንቲ እንቋቕሖ ከጫጭሕዋ ይኽእሉ እዮም።
ብኸምዚ ድማ ሓንቲ ጓል ጥንሲ ትሕዝ።

እቲ ናይ እንቋቕሖ ናይ ምጭጫሕ ተኽእሎ መብዝሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ክልተ መድመይቲ እዋን እዮ ዘሎ።
ይኹን ደኣምበር: ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣብ ካልእ እዋናት እውን ናይ ምጭጫሕ ባህርያት ኣለወን።
ዓርክኻ መዓስ እዩ ናይ ምጭጫሕ ባህርያት ዘለዋ፧
እዚ ብትኽክል ክትፈልጥዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
ብዙሓት ደቀንስትዮ ዘይስሩዕ ጽግያት ኣዴታት ይመጸን እዩ።
እቲ ጽግያት ልክዕ ኣብ ዝተወሰነ ርሕቀት ኣይኮነን ዝመጽእ።

ሓቢርኩም ናብ ሓኪም ማህጸን ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።
ብዛዕባ ምክልኻል ጥንሲ ድማ ሓበሬታ ክትቀስሙ ትኽእሉ።

ኣነ (ጓል 17 ዓመት) ትማሊ ንመጀመርያ ግዜ ምስ ዓርከይ ስጋዊ ርክብ ፈጺመ። ብድሕሪኡ ነብሰይ ክሕጸብ ደልየ ነይረ ምኽንያቱ ዝረሳሕኩ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓኒ። ግን ዓርከይ ከምዚ ዝፈንፈንኩዎ ኮይኑ ከይስመዖ ፈሪሀ። እቶም ካልኦት ፍቑራት እንታይ ይገብሩ፧

ከምዚ ዓይነት ስክፍታታት ክህልወኪ ንቡር እዩ።
ብፍላይ ድማ ብዙሕ ተሞኩሮ ምስ ዘይህልወኪ።
ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ብዛዕባ ጽሬት ምሕሳብኪ ግና ቅኑዕ እዩ።

ይኹን ደኣምበር: ግዜ ወሲድኪ ክትጸንሕን ምስኡ ክትሓቛቐፍን ትኽእሊ ኢኺ።
ብድሕሪኡ ናብ ባኞን ሽንቲ ቤትን ትኸዲ።

ኣብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝርከብ ቦታ ኩሉ ግዜ ተኣፋፊ እዩ።
ሓካይም ከም ዝብልዎ:
ደቀንስትዮ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ሽንቲ ቤት ክኸዳ ከም ዘለወን እዩ።
እዚ ድማ እንተነውሐ ድሕሪ 30 ደቒቕ።
ምኽንያቱ እቲ ናይ ሽንቲ መተሓላለፊ ቦታ ባክተርያ ክገብር ስለ ዝኽእል።
እዚ ድማ ናይ ፍሕኛ ረኽሲ ከምጽእ ይኽእል።
ስለዚ ነዊሕ ግዜ ዘይምውሳድ።

እተን ካልኦት ዝተፈላለየ ኣገባባት ይጥቀማ።
ንኣካላትኪ ግን ባዕልኺ ኢኺ እቲ ዝሓሸ ትፈልጢ።
ከምቲ ንዓኺ ጽቡቕ ትብልዮ ድማ ግበሪ።
ምስ ዓርክኺ እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትዛራረቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ንምንታይ ትትንስኢ ኣለኺ ድማ ብድሕሪኡ እዩ ክርድኦ ዝኽእል።