ኣነ (ጓል 17 ዓመት) ትማሊ ንመጀመርያ ግዜ ምስ ዓርከይ ስጋዊ ርክብ ፈጺመ። ብድሕሪኡ ነብሰይ ክሕጸብ ደልየ ነይረ ምኽንያቱ ዝረሳሕኩ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓኒ። ግን ዓርከይ ከምዚ ዝፈንፈንኩዎ ኮይኑ ከይስመዖ ፈሪሀ። እቶም ካልኦት ፍቑራት እንታይ ይገብሩ፧

ከምዚ ዓይነት ስክፍታታት ክህልወኪ ንቡር እዩ።
ብፍላይ ድማ ብዙሕ ተሞኩሮ ምስ ዘይህልወኪ።
ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ብዛዕባ ጽሬት ምሕሳብኪ ግና ቅኑዕ እዩ።

ይኹን ደኣምበር: ግዜ ወሲድኪ ክትጸንሕን ምስኡ ክትሓቛቐፍን ትኽእሊ ኢኺ።
ብድሕሪኡ ናብ ባኞን ሽንቲ ቤትን ትኸዲ።

ኣብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝርከብ ቦታ ኩሉ ግዜ ተኣፋፊ እዩ።
ሓካይም ከም ዝብልዎ:
ደቀንስትዮ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ሽንቲ ቤት ክኸዳ ከም ዘለወን እዩ።
እዚ ድማ እንተነውሐ ድሕሪ 30 ደቒቕ።
ምኽንያቱ እቲ ናይ ሽንቲ መተሓላለፊ ቦታ ባክተርያ ክገብር ስለ ዝኽእል።
እዚ ድማ ናይ ፍሕኛ ረኽሲ ከምጽእ ይኽእል።
ስለዚ ነዊሕ ግዜ ዘይምውሳድ።

እተን ካልኦት ዝተፈላለየ ኣገባባት ይጥቀማ።
ንኣካላትኪ ግን ባዕልኺ ኢኺ እቲ ዝሓሸ ትፈልጢ።
ከምቲ ንዓኺ ጽቡቕ ትብልዮ ድማ ግበሪ።
ምስ ዓርክኺ እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትዛራረቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ንምንታይ ትትንስኢ ኣለኺ ድማ ብድሕሪኡ እዩ ክርድኦ ዝኽእል።