ኣነ (ወዲ 16) ምስ ዓርከይ ስጋዊ ርክብ ፈጺምና። ልክዕ ስምዒተይ ክመጽእ ክብል ከለኹ ሞትሎይ ካብ ብልዕታ የውጽኦ። ብተወሳኺ ድማ ጽግያት ኣዴታታ ልክዕ ምስ ወድአት ወይ ድማ ክመጻ ቅሩብ ምስ ተረፋ ጥራይ ኢና ስጋዊ ርክብ ንፍጽም። ከምዚ እንዳ ገበርና ክትጠንስ ትኽእል ድያ፧

ዓርክኻ እወ ክትጠንስ ትኽእል እያ።
እቲ ንስኹም ትጥቀሙሉ መንገዲ „Coitus interruptus“ ተባሂሉ ይጽዋዕ:
እዚ ማለት ዝተኾላለፈ ስጋዊ ርክብ ማለት እዩ።
በዚ መሰረት ዝኾነ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ብልዕቲ ክኣትው የብሉን።
ገለ ዘርኢ ግን ቅድሚ ኦርጋዝም ምምጻእ ካብ መትሎ ክወጹ ይኽእሉ እዮም።
ንስኻ ድማ ፍጹም ክፍለጠካ ኣይክእልን እዩ።
ክትቆጻጸሮም ድማ ኣይትኽእልን ኢኻ።
እዞም ዘርኢ ንሓንቲ እንቋቕሖ ከጫጭሕዋ ይኽእሉ እዮም።
ብኸምዚ ድማ ሓንቲ ጓል ጥንሲ ትሕዝ።

እቲ ናይ እንቋቕሖ ናይ ምጭጫሕ ተኽእሎ መብዝሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ክልተ መድመይቲ እዋን እዮ ዘሎ።
ይኹን ደኣምበር: ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣብ ካልእ እዋናት እውን ናይ ምጭጫሕ ባህርያት ኣለወን።
ዓርክኻ መዓስ እዩ ናይ ምጭጫሕ ባህርያት ዘለዋ፧
እዚ ብትኽክል ክትፈልጥዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
ብዙሓት ደቀንስትዮ ዘይስሩዕ ጽግያት ኣዴታት ይመጸን እዩ።
እቲ ጽግያት ልክዕ ኣብ ዝተወሰነ ርሕቀት ኣይኮነን ዝመጽእ።

ሓቢርኩም ናብ ሓኪም ማህጸን ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።
ብዛዕባ ምክልኻል ጥንሲ ድማ ሓበሬታ ክትቀስሙ ትኽእሉ።