ኣነ (14 ዓመተይ) ብዙሕ ግዜ ይቑጣዕ። ብዙሕ ሕሉፍ ነገራት ድማ ይዝክር። ሓደ ሓደ እዋን እዚ ነገር የፍርሃኒ እዩ። ሓደ ሓደ እዋን ድማ ከመይ ኢለ ከምዚ ኢለ ከም ዝነብር ይጠፍኣኒ እዩ። ምስ ወለደይ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክዛረብ ግና ኣይደፍርን። መን ክሕግዘኒ ይኽእል?

ብዙሓት ሰባት ከምዚ ናትካ ጸገም ኣለዎም፡
ብዙሓት ብኸመይ ፍርሂ ወይ ጓሂ ክብድህዎ ከም ዝኽእሉ ይጠፍኦም።
ናይ ሕሉፍ ተመክሮ ክርስዑ ኣይክእሉን።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓገዝ የድሊ።

ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሰብ ከተዛራረቡ ዘይትደፍር ኮይንካ:
ናይ ሆት ላይን ተልፎን „Krisen-Dienst Psychiatrie“ ዝብል ክትድውል ትኽእል።
ሆት ላይን ዝበሃል ቁጽሪ ተሌፎን ንፉሉይ ኩነታት እዩ።
ኣብዚ ክትድውል ትኽእል ኣብ ሽግር ምስ ትህሉው።
ሕማቕ ምስ ትህልው ኣብዚ ክድወል ይከኣል።

እዚ ናይ ሆት ላይን ቁጽሪ 0180 / 655 3000.
ካብ ሰዓት 9 ክሳብ ሰዓት 24 ዘሎ ሰዓት ምድዋል ይከኣል።
ስድራቤትካ እውን ብዛዕብኡ ወልሓንቲ ኣይሕበሮምን።
ብዝተኻእለ መጠን ኣብኡ ደውል።
ሰራሕተኛታት ኣብ ተሌፎን ጽን ኢሎም ይሰምዑኻ።
እንታይ ከም ዘድልየካ እውን ሓቢርኩም ፍታሕ ተናድዩ።
ክሕጉዝኻ እውን ትስፉያት ኢና።

ኣነ ወዲ 16 ዓመት ነዕሩኽተይ ወዲ ከም ዝፈቱው ወይ ግብረ ሶዶማዊ ምዃንኩ ካብ ዝነግሮም ንንየው ኩሎም ርሒቖሙኒ። ገሊኦም ከኣሞ ጸሊኦሙኒ ክሞቱ። እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ነዕሩኽትኻ ዝነገርካሎም መዓልቲ „Coming Out“ ትበሃል።
ተባዕን ጽቡቕ ተግባርን እዩ!
ብዙሓት መናእሰያት ብዛዕባ እዚ ንሰብ ክነግሩ ይፈርሁ እዮም።
ወለዶም ወይ የዕሩኽቶም ከይጸልእዎም ፍርሂ ኣለዎም።
ሓደ ሓደ እዋን እውን ከምኡ የጋጥም እዩ።
ናይ ሰብ ድሌት ዝፈርዱ ወይ ዝነጽጉ ሰባት ዋላ እውን ኣብዚ ዘበና ኣለዉ።
እዚ ዘሕዝንን ዘጉህን ተግባራት ደቂ ሰባት እዩ።
ካልኦት ከኣ ብዙሓት ኣለዉ ዝርዱኡኻን ዝቕበሉኻን። ክትረኽቦም ጥራይ እዩ ዘለካ።

ኣወዳት ኣለዉ ነወዳት ዘፍቅሩ!
መብዝሕትኡ ግዜ ምስ ካልኦት ከማኻ ግብረ ሶዶማውያን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምዝርራብ ጠቓሚ እዩ።
ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ማሕበር ናይዞም መናእሰያት ኣብዚ ትረክብ:
https://diversity-muenchen.de/
ኣብዚ ምስ ትኸይድ ኩነታትካ ዝፈልጡ ሰባት ትረክብ።
ሓደስቲ መሓዙት እውን ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ምኽንያቱ ንስኻ ዝገበርካዮ ኣበር የልቦን!
ምናልባሽ ኣብ ቤት ትምህርትኻ እውን ክሕግዘካ ዝኽእል ሰብ ክህሉው ይኽእል እዩ።
ወይ ድማ ኣብ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈት ከይድካ ሓበሬታ ቅሰም:
https://diversity-muenchen.de/beratung-aufklaerung/beratung-hilfe/beratung-bis-27-jahre/

beratung@gladt.de: ኣብዚ ምኽሪ ብቋንቋታት ጀርመን, ዓረብ, ቱርኪ, እንግሊዝኛ, ፈረንሰኛን ኩርድን ትረኽቡ። ተወሰኽቲ ቋንቋታት ብጠለብ ክግበር ይከኣል!

ብዙሕ ግዜ ከብደይ ይቅረጽ ከምኡ ‘ውን ርእሰይ የሕመኒ። ብሓፈሻ እውን ሕማቅ ይስመዓኒ። ሓኪመይ ብዙሕ ክትሕግዘኒ ኣይከኣለትን። ሕጂ ከኣ ናብ ሓኪም ስነ-የእምሮ ክኸይድ ኣለኒ። ተጸሊለ ድየ ዘለኹ?

ጽልልቲ ኣይኮንክን።
መድሃኒት ከሕውዮም ዝኽእል ሕማማት ኣለዉ።
ወይ ምግቢን ዝስተን ብምቅያር ክሕሸኪ ይኽእል።
ገለ ሕማማት ድማ ብኑጹር እንታይ ክሕግዘኪ ከም ዝኽእል ክፍለጡ ዘይክእሉ ኣለዉ።

ናይ ከብድን ርእስን ሕማማት ንኣብነት፡
እታ ሓኪምኪ መበገሲ እዚ ቃንዛ እንታይ ምኻኑ ክትፈልጥ ትፍትን።
ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ ምፍልጥ ከቢድ እዩ። እቲ ጸገም ናይ መንፈሳዊ ጸገም ክኸውን ስለ ዝኽእል።
እታ ሓኪም ባዕላ ክትፈልጦ እንተ ዘይክኢላ ናብ ተራፒስት ተመሓላልፈኪ።
ተራፒስት ዝበሃሉ ናይ ስነ-የእሙራዊ ሓካይም (ፈወስቲ መንፈስ) ብዝርርብ እዮም።
ሓቢሮም ምሳኺ ጠንቂ እቲ ቃንዛ ክረኽብዎ ይፍቱኑ።
እዚ ድማ ንዓኺ ጠቃሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።፡

ጠንቂ እቲ ቃንዛኺ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡
ቃንዛ ካብ ሻቅሎት፡ ፍርሂ ወይ ካብ ሕሉፍ ዘጋጠመ ሕማቅ ዕድል ክመጽእ ይኽእል እዩ።
በአገባብ ተራፒ ድማ እቲ ጠንቂ ቃንዛ ክፍለጥ ይከኣል።
ከምኡ ‘ውን ብኸመይ ክጠፍእ ከም ዝኽእል ይፈልጡ።
ምሕረት ክወርደልኪ ድማ ንምነ!

ሰብ ብስጋዊ ርክብ ተጋሲሱኒ። መን ክሕግዘኒ ይኽእል፧

ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ሃገር መንእሰያት ይሕግዙ።
ኣብ ናይ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ይሰርሑ።
ማህረምቲ ምስ ዝወርደኩም ውን ይሕግዝኹም እዮም።
ኣብ ናይ ስጋዊ ርክብ በደላት ውን ይተሓባበሩ።

እቲ ምኽሪ ብነጻ ኣገልጉሎት እዩ።
ምሳኻ ኮይኖም እቲ ዘሓሸ ፍታሕ የናድዩ።

ኣብዚ ኣድራሻ ድማ ትረኽቦም
http://www.zanzu.de/de/hilfe

https://www.hilfeportal-missbrauch.de/nc/adressen/hilfe-in-ihrer-naehe/kartensuche.html?tx_nxshelpdesk_helpdesk[institutionType]=21
ኣብዚ ኣድራሻ ናይ መናእሰያት ስደተኛታት ኣማኸርቲ ውን ኣለው።
እዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ ግን ብጀርመን ጥራይ እዩ።

መብዝሕቲኡ ግዜ ድማ ቆጸራ ክትገብሩ ኣለኩም።
ሰብ ክሕግዘኩም ይኽእል ተኾይኑ ሕተቱ። ብዙሓት ኣተርጎምቲ ሒዞም ይመጹ እዮም።
ኣቶርጓሚ ተዘይብልካ፡ ቋንቋ ዝኽእል ሰብ ሒዝኪ ኪዲ።

ብኸመይ ክትሕግዙኒ ትኽእሉ ትኽእሉ፧

ንሕና ብኽእለት ነገራት ክንገልጽልኩም ንኽእል ኢና ሓበሬታታት ኣብ መርበብ ኢንተርነትና ውን ኣለኩም።
ቆልዑን ህጻናትን ዋላ ሓንቲ ዘጋጥመኩም ዘፍርህ ነገር የለን ኣብዚ።
ንዓኻትኩም ኢና ኣብዚ ዘለና ኣብዚ።
ስለዚ ኢና ውን ብዙሕ ነገራት ነብርሃልኩም።
መታን ሕማቕን ጽቡቕን ክትፈልጡ።

ንሕና ግን ብቐጥታ ህጻናትን መንእሰያትን ክንሕግዝ ኣይንኽእልን ኢና።
ንዓና ክድውለልና ኣይትኽእልን ኢኻ።
ካልኦት ኣለዉ ብዙሓት ክኢላታት ኣብዚ ሃገር ንህጻናትን መንእሰያትን ብኣካል ዝሕግዙ።
ዋላ ውን ማህረምቲ ዝጋጠመኩም እንተ ኾንኩም።
ዋላ ውን ምግሳስ ዘጋጠመኪ እንተ ኾንኪ።
ኣበይ ኬድኪ ሓገዝ ከም ትረኽቢ ክንሕብረኪ ኢና።

ኣብዚ ኣብ ውሑስ ቦታ ኢኺ ክትህልዊ ዘለኪ።