ብዙሕ ግዜ ከብደይ ይቅረጽ ከምኡ ‘ውን ርእሰይ የሕመኒ። ብሓፈሻ እውን ሕማቅ ይስመዓኒ። ሓኪመይ ብዙሕ ክትሕግዘኒ ኣይከኣለትን። ሕጂ ከኣ ናብ ሓኪም ስነ-የእምሮ ክኸይድ ኣለኒ። ተጸሊለ ድየ ዘለኹ?

ጽልልቲ ኣይኮንክን።
መድሃኒት ከሕውዮም ዝኽእል ሕማማት ኣለዉ።
ወይ ምግቢን ዝስተን ብምቅያር ክሕሸኪ ይኽእል።
ገለ ሕማማት ድማ ብኑጹር እንታይ ክሕግዘኪ ከም ዝኽእል ክፍለጡ ዘይክእሉ ኣለዉ።

ናይ ከብድን ርእስን ሕማማት ንኣብነት፡
እታ ሓኪምኪ መበገሲ እዚ ቃንዛ እንታይ ምኻኑ ክትፈልጥ ትፍትን።
ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ ምፍልጥ ከቢድ እዩ። እቲ ጸገም ናይ መንፈሳዊ ጸገም ክኸውን ስለ ዝኽእል።
እታ ሓኪም ባዕላ ክትፈልጦ እንተ ዘይክኢላ ናብ ተራፒስት ተመሓላልፈኪ።
ተራፒስት ዝበሃሉ ናይ ስነ-የእሙራዊ ሓካይም (ፈወስቲ መንፈስ) ብዝርርብ እዮም።
ሓቢሮም ምሳኺ ጠንቂ እቲ ቃንዛ ክረኽብዎ ይፍቱኑ።
እዚ ድማ ንዓኺ ጠቃሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።፡

ጠንቂ እቲ ቃንዛኺ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡
ቃንዛ ካብ ሻቅሎት፡ ፍርሂ ወይ ካብ ሕሉፍ ዘጋጠመ ሕማቅ ዕድል ክመጽእ ይኽእል እዩ።
በአገባብ ተራፒ ድማ እቲ ጠንቂ ቃንዛ ክፍለጥ ይከኣል።
ከምኡ ‘ውን ብኸመይ ክጠፍእ ከም ዝኽእል ይፈልጡ።
ምሕረት ክወርደልኪ ድማ ንምነ!