ኣገዳሲ ሓበሬታ: ካልኦት ተወሰኽቲ ጽሑፋት ኣይክህልዉን እዮም።

ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ገጽ ብዙሕ ግዜ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ኣስፊርና ኔርና።
ብዙሓት ኣርእስትታት ኣልዒልና‘ውን ተዛሪብናሎም ኢና።
እቶም ዘልዓልናዮም ኣርእስትታት ንዓኻትኩም ኣገደስቲ ክኾኑ ተስፋ ንገብር።
ኣብዚ መርበብ ኢንተርነትና መጺእካ/ኪ ብምክትታልካ/ኪ ሕጉሳት ኢና!

ካብ ጥሪ 2019 ጀሚርና ግና ካልኦት ሓደስቲ ጽሑፋት ኣይክንገብርን ኢና።
እዚ መርበብ ኢንተርነት www.refu-tips.de ግና ኩሉ ግዜ ክህሉ እዩ።
እዚ ማለት: እቲ ጽሑፋት ኣብ ዝኾነ እዋን ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ገለ ገለ ዘይተመለሱልካ/ኪ ሕቶታት ገና ክህልው ይኽእሉ እዮም።
ንገለ ዓበይቲ ሰባት ክትሓትት ይከኣል እዩ።
ወይ እቶም ጽሑፋት ኣብ www.refu-tips.de ይሕግዙኻ/ኺ ይኾኑ።

ኣብ ናይ ኣማኸርቲ ትካላት እውን ምኻድ ይከኣል እዩ።
እንተ ጎነጽ ኣጋጢሙ፡ ብዛዕባ‘ዚ ዘማኽሩ ትካላት ኣለው።
ብዛዕባ ስጋዊ ርክብን ብዛዕባ ኣካላት ወዲ ሰብን ዘብርሁ ኣማኸርቲ ትካላት‘ውን ኣለዋ።
እዘን ኣማኸርቲ ኣብዚ ትረኽብዎም: https://www.hilfeportal-missbrauch.de/nc/adressen/hilfe-in-ihrer-naehe/kartensuche.html
ኣብቲ „PLZ/Ort…“ ዝብል ትቕመጥሉ ከተማ ጽሓፍሉ።
ኣብቲ „Alle Zielgruppen“ ንኣብነት ክንደይ ዕድመኻ/ኺ ምዃኑ ክትሕብር ይከኣል።
ብድሕሪኡ ኣብዚ „Suche starten“ ጠውቕ/ቒ።
ኣብኡ ድማ ክተሓባበሩ ዝኽእሉ ሰባት ክርከብ ይከኣል።

እዚ ገጽ እዚ ሕጂ ሪኤዮ። ክፈልጥ ይደሊ እየ። መን ሕቶታተይ ክምልሰለይ ይኽእል፧ መን ኢኹም ንስኹም፧

ንሕና 3 ሰቀንስትዮ ኢና።
ክልተ ካባና ኣብ ጀርመን ተወሊድና።
ሓንቲ ድማ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ንባዕላ ስደተኛ ኮይና መጺኣ።

ኩላትና ኣብ ማሕበራዊ መንበሪ ንሰርሕ ኢና።
እቲ ንሕና ንሰርሓሉ AMYNA ይበሃል።
ካልኦት 7 ደወንስትዮ እውን ኣብዚ ይሰርሓ እየን።
ኣብዚ ናይ ማሕበራዊ መንበሪ ቦታ ዝሰርሑ ሰባት፡ ንውጽዓት ዝሕግዙ እዮም።

ናትና ስራሕ ዘለዎ ዕላማ:
ኣዋልድን ኣወዳትን ካብ ናይ ስጋዊ ርክብ ግፍዒ ክንክን ንምሃብ እዩ።
ቅድሚ ዝኾነ ምዃኑ ክንሕግዝ ንደሊ።
ስለዚ ንኻልኦት ዓበይቲ እውን ብዛዕባ ብዙሓት ኣገደስቲ ኣርእስቲ ንሕብር ኢና።
ኣብዚ ገጽ ድማ ብዙሓት ሕቶታት በዋልድን ኣወዳትን ዝመጹና ክንምልስ ንፍትን።

ዝኾነ ጸገም እንተ ኣጋጢሙኪ ከኣ፡
ኣበይ ሓገዝ ክትረኽቢ ከም ትኽእሊ ነርእየኪ!

ኣብዛ መራኸቢት ጠውቕ፡ https://refu-tips.de/ti/category/help-hilfe-ti/

እንቋዕ ናብ www.refu-tips.de መጻእኩም!

እዚ ገጽ እዚ ን ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድን ኣወዳትን ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ።

ይኹን ደኣምበር ብውሕዱ 13 ዕድመ ዘለካ/ ዘለኪ ክትከውን ኣለካ/ኪ ።

ካብ ሕጂ ጀሚርና ሓደስቲ ሓበሬታታት ቀጻሊ ክንህበኩም ኢና።

ኣብዚ መርበብ ኢንተርነትና ቀጻሊ ምጹና።

 

እዚ ሃገር ክትለምዶ ትደሊ ኢኻ።

ስለዚ ብመጀመርያ ሕግታት ክትፈልጦም ኣለካ።

ብተወሳኺ ውን ብዙሕ ነገራት ክትመሃሮም ኣለካ።

ንሕና ውን ኣብዚ ክንተሓባበረካ ኢና።

 

ምናልባት ከቢድናካ ከይንህሉ።

ምናልባት ውን ዘሕፍረካ ነገር ከይህሉ።

ዝኾነ ንሕና ዝጸሓፍናዮ።

ንዓኻ ከነሕርቕ ኢልና ኣይኮንናን።

ኣቐዲምና ውን ይቕሬታ ንሓትት።

ይኹን ደኣምበር እዞም ዘሕፍሩ ኣርእስትታት ውን ንኽትፈልጦም ኣገዳሲ እዩ።

 

ኣብዚ ሃገር ሕጉስን ውሑስ ሂወትን ክትመርሕ ኣለካ።

ነዚ ድማ ንሕና ዓጢቕናሉ ኣለና።