(13 ዓመት መንእሰይ) ትማሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ስጋዊ ርክብ ኣስተምህሮ ነይሩና። እታ መምህርና ሓደ መትሎ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐን ሓንቲ ብልዕቲ ብጨርቂ ዝተሰርሐትን ኣምጺኣትልና። እቲ መስርሕ ኣብ ሰውነትና ብኸመይ ከም ዝሰላሰል ድማ ስለ ዘርእይ ክንሕዞ ነይሩና። ሓንቲ መሓዛይ ግና ነዚ ምሓዝ ሓጥያት እዩ ኢላትኒ። ከምዚታት ምሓዝ ሓጥያት ኣለዎ ድዩ?

ናይ ስጋዊ ርክብ መምሃሪ ኣቕሑ መብዝሕትኡ ግዜ ንኽተሓዙን ንከጽንዕሉን ዝተሰርሐ ኣቕሓ እዩ።
ዕላምኡ ድማ:
ኣዋልድ ኮና ኣወዳት ብዛዕባ ናይ ስጋዊ ርክቦም ናውቲ ክላለይዎን ክፈልጥዎን እዩ።
በዚ ኣገባብ ኣዋልድን ኣወዳትን ክፈልጥዎ ዘለዎም ነገራት:
ናይ ስጋዊ ርክብ ናውቲ ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ?
ኩሎም ህጻናትን መናእሰያትን ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክረኽቡ ኣገዳሲ እዩ።
ናይ ባዕሎም ኣካት እውን ክፈልጥዎ ኣለዎም።

ገለ ገለ ሰባት ነዚ ከምዚ ዓይነት መምሃሪ ክሕዙ የሕፍሮም ይኸውን።
ብዛዕባ ናይ ስጋዊ ርክብ ናውቲ ክዛረቡ ኣይለመዱን ይኾኑ።
ሓበሬታ ምቕሳም ግና ሓራም ወይ ሓጥያት ኣይኮነን።
ኣብ ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ እውን:
ነዞም መምሃሪ ኣቕሑ ኣይትሓዙ ዝብል የለን።

ፍልጠት ብዛዕባ ኣካላትን ናይ ጾታ ናውትን ጥቕሙ:
ካብ ገለ ሕማማት ንኽትከላኸል ክጠቅም ይኽእል።
ደቀንስትዮ ብዘይ ድሌተን ንኸይጠንሳ ክጠቅም ይኽእል።
ካብ ጉጉይ ሓበሬታን ሓቅነት ዘይብሉ እምነትን ምቑጣብ ይጠቅም።
ንዝኾነት ጓል ኮነ ወዲ ብሓሶት ንኸይታለሉ ክጠቅም ይኽእል።