ጥንሲ ሒዘ፡ ኣነ ግን ክወልዶ ኣይደለኹን። እንታይ ተገበርኩ ይሕሸኒ፧

ቆልዓ ትወልድዮ ዲኺ ኣይትወልድዮን ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ።
ምስ ትኣምንዮ ሰብ ብዛዕባ እዚ ከተማኽርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
እቲ ውሳኔ ግን ናትኪ ኢዩ ዝኸውን።

ጥንሲ ከተቋርጺ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ጀርመን እዚ ፍቑድ እዩ።
እዚ ግን እቲ ህጻን ገና ድቂ ክሳብ ዘሎ እዋን ጥራይ እዩ።
እዚ ማለት፡ ቅድሚ ናይ ሰለስተ ወርሒ ጥንሲ ክሳብ ዝኸውን እዩ።
እንተ ደኣ ትሕቲ 18 ዓመት ኣለኪ እሞ ኸኣ ብ ኦፖረሽን መደንዘዚ ተወጊእኪ ክትሓርሲ ደሊኺ፡
ስድራኺ ወይ ኣለይትኺ ውን ምሳኺ ክውስኑ ኣለዎም።

ብቅድሚ እዚ ውን ኣብ ናይ ጥንሲ ግጭት ኣማኸርቲ ክኢላታት ክትከዲ ኣለኪ።
ኣብዚ ኣድራሻ ናይዞም ኣማኸርቲ ትረኽቢ፡ http://www.familienplanung.de/beratung/beratungsstellensuche
ዘፍርሕ ዋላሓንቲ የብሉን፡ ምሳኺ ክዘራረቡ ጥራይ እዮም።
ስለምንታይ ጥንሲ ክትሰዲ ከም ዝደለኺ ክትገልጽሎም ትኽእሊ ኢኺ።
ብድሕሪ እዚ ኣብኡ ከም ዝተሳተፍኪ ምስክር ክህቡኺ እዮም።
እቲ ምስክር ድማ ጥንሲ ንምስዳድ ከድልየኪ እዩ።
ጥንሲ ትሰድሉ ኣድራሻ ናይ ሓኪም ወይ ናይ ሕክምና ውን ክህቡኺ ኢዮም።
ኣብኡ ኬድኪ ክትሰድዮ ድማ እቲ ውሕስነት ዘለዎ ኣገባብ እዩ።
ካልእ ኣገባብ ክትጥቀሚ ከይትሓስቢ። ምኽንያቱ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ክትበጽሒ ስለ ትኽእሊ።

እቲ ድቂ ህጻን ምስ ዝኸውን ግን ክትወልድዮ ጥራይ እዩ ዘለኪ።
እቲ ህጻን ውን ን ካልኦት ስድራቤት ክትህብዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ቤት ጽሕፈት ዩገንድ ኣምት ውን ነቲ ህጻን ስድራቤት ክረኽበሉ ይኽእል ኢዩ።

ካብ ክንደይ ዓመት ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ምፍቀደኒ፧

ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለዋ።
ዕድመኻን እቲ ዝምድና ምስ መጻምድትኻን።
ኣብዚ ሰንጠረጅ ስጋዊ ርክብ ዝፍቀድን ዘይፍቀድን ክትከታተል ትኽእል።

ዕድመ 0-13 14-15 16-17 18-20 21+
0-13 ኣይፋል ኣይፋል ኣይፋል ኣይፋል ኣይፋል
14-15 ኣይፋል እወ እወ እወ ኣይፋል
16-17 ኣይፋል እወ እወ እወ እወ
18-20 ኣይፋል እወ እወ እወ እወ
21+ ኣይፋል ኣይፋል እወ እወ እወ

እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ግን፡ ብክልቲኦም ሸነኽ ድሌት ክህሉ ይግባእ።
ሓደ ምስ ዝኣቢ፡ ስጋዊ ርክብ ኩልኩል ይኸውን።
ዝኾነ ሰብ ን ስጋዊ ርክብ ክግድድ ኣይፍቀድን።

ኣብ መንበሪ ጉጅለ ወይ ኣብ ሃይም ትቕመጥ፧
ኣብዚ መንበሪ ክሳብ 16 ትኸውን ስጋዊ ርክብ ኣይፍቀደካን እዩ።

ስጋዊ ርክብ ኣብ መንጎ እዞም ሰባት ኩልኩል እዩ

  • ስድራን ደቆምን
  • ሰይተቦ ሰብኣይ ኣደን ደቆምን
  • መምህር ምስ ተመሃሮ
  • ኣለይቲ ምስ መንእሰያት ኣብ መንበሪ ጉጅለ ወይ ናይ መንእሰያት መዕቆቢ
  • ኣብ ግዜ ሞያዊ ስልጠና፡ ኣብ እዋን ስራሕ ወይ ኣብ ፕራክቲኩም መምህርካ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ኩልኩል እዩ።
  • ኣብ ሓደ ስድራቤት ተዓቒብካ ትነብር እንድሕር ኣለኻ፡ እቶም ኣለይቲ ስድራኻ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽሙ ኣይፍቀድን እዩ።
  • ዋላ ውን ወኪል ናይ ሕጊ ኣላዪኻ ውን ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ኣይከኣልን።

ዝኾነ ይኹም ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽሙ ኣይፍቀድን እዩ።
ከምዚ ምስ ዘጋጥም ብቕልጡፍ ሓገዝ ኣምጽእ።

ኣነ ጓል 16 ዓመት እየ። ቅድሚ ቁሩብ ሰሙናት እየ ድማ ናብ ጀርመን መጺእ። ኣብዚ ኩሉ ነገር ሓዲሱኒ። ኣዋልድን ደቀንስትዮን ከመይ ይነብራ ኣብዚ ሃገር፧

ብዙሕ ነገር ኣብዚ ሃገር ፍልይ ይብል።
ኣዋልድን ኣንስትን ምስ ኣወዳትን ኣሰብኡትን ሓደ ዓይነት መሰል ኣለወን።
እዚ መሰል እዚ ንኹለን ኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ጀርመን ዝነብራ ይምልከት።
ን ደቀንስትዮ እዚ መሰላት ክትፈልጥኦ ኣገዳሲ እዩ።
ትፈልጥዮ ዲኺ እዚ መሰላት፧

ቁሩብ ኣብነታት፡
ክትመሃርን ቤት ትምህርቲ ክትከድን መሰኪ እዩ።
ዝደለኽዮ ዓይነት ስራሕ ክትሰርሒ ትኽእሊ ኢኺ።
ዕድመኺ ምስ ዝኣክል ውን ንበይንኺ ክትገሺ ትኽእሊ ኢኺ።
ንነብስኺ ዝበቅዕ ትብልዮ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ።
ክትምርዓዊ ወይ ከይትምርዓዊ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ።
ዓርኪ ክትሕዚ ወይ መሓዛ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ።
ደስ ዝበለኪ ዓይነት ኣከዳድና ክትክደኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ምስ ደስ ዝበለኪ ሰብ ክትወጺ ትኽእሊ ኢኺ።

ንኹሎም ኣወዳትን ሰብኡትን ውን ሕግታት ክትፈልጡ ኣገዳሲ እዩ።
ነቶም ሕግታት ውን ከተኽብርዎም ይግባእ።

ኣብዚ ኣድራሻ ድማ ብዛዕብኡ ዝተፈላለዩ ሓበሬታ ትረኽቡ።
ናይ ሓበሬታ ጽሑፋት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣሎ። (ብ ኣልባንያ፡ ዓረብ፡ ቦዝንያ፡ እንግሊዝ፡ ፋርሲ፡ ዳሪ፡ ፈረንሰኛ፡ ሰርብያ፡ ሶማል፡ ከምኡ ውን ካልኦት ሓደስቲ ቋንቋታት ክጽንበረኦ እየን)
http://wie-kann-ich-helfen.info/geh-deinen-weg-deine-rechte-als-frau-in-deutschland-infoflyer-fuer-weibliche-fluechtlinge/3063
እቲ ጽሑፍ ኩሉ ንበብዎ።
መሰላት ደቀንስትዮ ኣብዚ ሃገር ክትፈልጦ ኣገዳሲ እዩ ነዓኻ።

የዕሩኽተይ ምሳይ (14) ናብ መሐንበሲ ቦታ ክኸዱ ደልዮም። ኣብኡ ደቀንስትዮ ጥራየን ክትርእየን ይከኣል እዩ ኢሎሞ። ትኽክል ድዩ እዚ፧

ኣዋልድን ኣወዳትን ከምኡ ድማ ሰብኡትን ኣንስትን ምሕንባስ ብዙሕ የዘውትሩ።
ኩነታት ኣየር ጽቡቕ ምስ ዝኸውን ድማ ኣብ ቀላያት ይኸዱ።
ኣብቲ ሳዕሪ ኮንካ ድማ ተዕርፍን ጸሓይ ትጽለውን።
መጻወቲ ቦታ ድማ ፍሉይ ተወሳኺ ኣለዎ።
ሕማቕ ኣየር ምስ ዝኸውን ደማ ኣብ ዕፉን መሐንበሲ ቦታ ይኸዱ።
ኣብዚ ድሕሪ ምሕንባስ ከተዕርፍ ትኽእል ኢኻ።

ኩሉ ሰብ ድማ መሐንበሲ ክዳይ ይኽደን።
ሰብ ወይ ክሕንብስ፡ ከዕርፍ ወይ ክዘናጋዕ እዩ ዝመጽእ።
ዝኾነ ይኹን ሰብ ክጥመት ወይ ክትንከፍ ኢሉ ዝመጽእ የለን።

ኣብ ኤውሮፓ ኣብ መሐንበሲ ቦታ ቁሩብ ጥራይ ኢዮም ዝኽደኑ።
እዚ ድማ ዝጠልቀየ ቀልጢፉ ስለ ዝነቅጽ እዩ።

ኣዋልድን ኣንስትን ምጥማት ኣብኡ ኣዝዩ ኣጸያፊ ነገር እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን እተን ደቀንስትዮ ብዙሕ ምስ ዝጥመጣ ብጣዕሚ የሕርቐን እዩ።
ክትጥምት እንተ ደሊኻ ኣሕጽር ኣቢልካ ጠምት።
ክትትንክፋ ወይ ክትለኽፋ ግን ኣይፍቀድን እዩ። ኮምኡ ምስ ትገብር ኣብዘይሽግርካ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
ኣዋልድን ኣንስትን ምትንኻፍ ኩልኩል እዩ።

ጓል ክትላለ እንተደሊኻ ብስነስርዓት ክትሓታ ትኽእል ኢኻ።
ከምዚ ኢልካ ሕተታ፡ ጀላቶ ክጋብዘኪ ይፍቀድ ድዩ፧
ወይ ማሳይ ፒንግ ፖንግ ክትጻወቲ ትደልዪ ዶ፧

ኣገዳሲ ነገር፡ ምሕንባስ ኣቐዲምካ ክትመሃር ኣለካ ኣብ ማይ ከይትጥሕል።

ብ ሞባይለይ ጌረ ፈይስ ቡክ ተመዝጊበ። ብኸመይ ኣብኡ ሰብ ክላለ ይኽእል፧

ፈይስ ቡክ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኢንተርነት እዩ።
ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ክበሃል ከሎ፡
ኣብዚ ቦታ ካብ ምሉእ ዓለም ሰባት ከዕልሉ ይኽእሉ።
ኢንስታግራም ወይ ዋትስ ኣፕ ውን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን እየን።
በዚ መንገዲ ጌርካ ምስ ናይ ቀደም የዕሩኽትኻ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
ሓደስቲ የዕሩኽ ውን ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ።

ዘይትፈልጦም ሰባት ክትላለ ከለኻ መሳጢ እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ግን ምስዘይትፈልጦም ሰባት ጥንቅቕ ምባል የድሊ።
ዘይትፈልጦም ሰባት ክንብል ከለና፡
እዚ ሰብ እዚ ቅድሚ ሕጂ ብኣካል ርኢኺዮ ኣይትፈልጥን ኢኺ።

ስለዚ ሓገዝቲ ሓበሬታታት ክንህበኪ፡
ትኽክል ሽምክን ኣድራሻኽን ተቐላጢፍኪ ኣይትሃቢ።
ቁጽሪ ተለፎንኪ ኣይትሃቢ።
ስእሊ ናይ መሓዙትኪ ኣብ ኢንተርነት ኣይትስቀሊ።
መሓዙትኪ ኣይፈትዉን ይኹኑ።

ኣገዳሲ ነጥቢ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝተላለኽዮ ሰብ በይንኺ ኮንኪ ከይትረኽብዮ።
ጽቡቕ ትፈልጥዮ ሰብ ሒዝኪ ርኸብዮ።
ኣብ እንዳ ሻሂ ወይ ኣብ ከተማ ድማ ቁጸርዮ።

ወለደይ ዝምርዓወኒ ሰብኣይ ኣምጺኦምለይ። ኣነ ግን ክምርዖ ድሌት የብለይን! እንታይ ክገብር ይኽእል፧

እዚ ከቢድ ኩነታት እዩ ነዓኺ።
ሰብ ንመርዓ ከተገድዶ
ኣብ ጀርመን ፍቑድ ኣይኮነን።

ዝተፈላለየ መዋጽኦ ኣለኪ፡
እቲ ቐዳማይ
ምስ ወለድኺ ብዛዕባ እዚ ክትዘራረቢ ፈትኒ።
ምናልባት ወለድኺ ዘይሕጋዊ ነገር ይገብሩ ከምዘለዉ ኣይፈልጡን ይኾኑ።
ምናልባት ውን ኣይሰምዑኽን ይኾኑ።

እቲ ኻልኣይ መንገዲ ድማ፡
ወለድኺ ቅድሚ እቲ መርዓ ገዲፍክዮም ክትወጺ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብዚ ኩነታት ድማ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ግን ዝኾነ ሰብ እቲ ሓሲብክዮ ዘለኺ መደብ ክፈልጦ የብሉን።

ናብ ቩስተን ሮሰ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።
ቁጽሪ ተለፎን ድማ 0 89 – 45 21 63 50 እዩ።
እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ሰባት ድማ ኩሉ ናይ ሓገዛት ተኽእሎ ይፈልጥዎ እዮም።
ምሳኺ ኮይኖም እንታይ ክትገብሪ እምትኽእሊ ይሓስቡ።
ኣብ ተለፎን ውን ሽምኪ ምንጋር ኣየድሊን እዩ።

ብ ማሕበር ቩስተን ሮዘ ዝተዳለወ (IMMA e.V.)

ኣነ ጓል 17 ዓመት እየ። ንዓርከይ ድማ ክምርዓዎ ትምኒተይ እዩ። እዚ ኣብ ጀርመን ፍቑድ ድዩ፧

ምስ ዓርክኺ ሓዳር ክትምስርቲ ትኽእሊ ኢኺ።
እዚ ማለት ሕጋዊ ሓዳር ኣብ ትሕቲ ሕጊ ማለት እዩ።
ኣብ ማዛጋጃቤት ኬድኩም ድማ ሓዳርኩም ተመስክርዎ።

ነዚ ዝምልከት ግን ኣብ ጀርመን ዝተፈላለዩ ሕግታት ኣለዉ።
ካብ 18 ዓመት ንንዮው ከምድላይኩም ክትምርዓዉ ትኽእሉ ኢኹም
ሓደ ሓደ እዋን ውን ካብ 16 ዕድመ ክትምርዓዉ ትኽእሉ ኢኹም፡፣
ሕጹይኪ ግን ካብ 18 ዕድመ ንላዕሊ ክኸውን ኣለዎ።
ቤት ፍርዲ ስድራቤት ውን ፍቓድ ክህበኩም ኣለዎ።

ምስ ሓደ ሰብ ጥራይ ኢኺ ክትምርዓዊ ትኽእሊ
ካብ ሓደ ሓዳር ንላዕሊ ኣብ ጀርመን ፍጹም ኣይፍቀድን እዩ።

ሕጉስቲ እንተዘይኮንኪ ድማ ሓዳርኪ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ከተቋርጽዮ ትኽእሊ ኢኺ።
እዚ ፍትሕ ይበሃል
ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ኣብዚ ትረኽቡ፡ http://www.zanzu.de/de/scheidung-0

ካብ ስድራቤትኪ ንዝኾነ ክትምርዓዊ ኣይፍቀደክን እዩ።
ኣብ ጀርመን ወዲ ሓትነኺ ወይ ወዲ ሓወቦኺ ውን ክትምርዓዊ ኣይፍቀድን እዩ።
ምኽንያቱ እቶም ካብ ከምዚ ዓይነት ሓዳር ዝውለዱ ህጻናት ሕማም ከጥቅዖም ስለ ዝኽእል።
ስለዚ እዩ ድማ ን ዘመድካ ምምርዓው ጽቡቕ ዘይኮነ።

ናይ ግድን ክትምርዓዊ የብልክን!
ዝግድደኪ ሰብ እንተሎ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ

እቲ ካልእ ኣማራጺ ድማ፡
ብሃይማኖታዊ ኣገባብ ክትምርዓዊ ትኽእሊ ኢኺ
ከምዚ ዓይነት ብዙሕ ምምርዓው ኣሎ።
እዚ ግን ኣብ ጀርመን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ወግዓዊ ሓዳር ኣይኮነን።

ዓርከይ ወዲ 15 ዓመት እዩ ኣነ ውን ጓል 15 ዓመት እየ ብጣዕሚ ኢና ኸኣ ንፋቐር። ሕጂ ድማ ስጋዊ ርክብ ምሳይ ክፍጽም ደልዩ። ስለዚ መታን ከይገድፈኒ ከተግብሮ ኣለኒ ማለት ድዩ፧

ክልቴኹም ትፍተዉ እንተኾንኩም ጽቡቕ እዩ።
ሕጂ ድማ ዓርክኺ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ደሊዩ።
ኩሉ ሰውነቲ ክተናኽፈኪ ይደሊ ከምኡ ውን ሓቢርኩም ስምዒትኩም ከተርውዩ ይደሊ
ብመሰረቱ እዚ ቅቡል እዩ።

እስኺ ግን እንተዘይትደልዩ ኮይንኪ
ዘይመድለይኺ ምኽንያት ውን ቅቡል እዩ።
ክልተ ዝፋቐሩ ሰባት ኩሉ ትምኒቶም ሓደ እዩ ማለት ኣይኮነን።

ክሳብ ክንደይ ከም ትፈትውዮ ግለጽሉ።
ንስጋዊ ርክብ ግን ቅርብቲ ከምዘይኮንኪ ግለጽሉ
ምናልባት ይኹሪ ይኸውን ንስኺ ውን ኣይተፍቅርዮን ኢኺ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን።
ንባዕልኺ ንኸምዚታት ግዜ ከምዘድልየኪ ኣብርህሉ።

ስጋዊ ርክብ ዕጋበት ዝህልዎ ውን ብክልተኹም ሸነኽ ብድሌት ምስ ተተግብርዎ እዩ።
ንኻልእ ሰብ ደስ ክብሎ ኢልካ ተዘውትሮ ስጋዊ ርክብ ጽቡቕ ኣይኮነን።

ምናልባት ንስኺ ንስጋዊ ርክብ ቅርብቲ ስጋብ ትኾኒ ይጽበ ይኸውን።
ምናልባት ውን ሓሳብኪ ክትቅይሪ ይደፋፍኣኪ ይኸውን።
ምናልባት ውን ይገድፈኪ ይኸውን
ስጋዊ ርክብ ግን ንሱ ምሳኺ ንዘልኣለም ንኽነብር መረጋገጺ ኣይኮነን።

ስለዚ ንስኺ ንነብስኺ ክትሕልዋ ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ንዓኺ ጽቡቕ ጥብልዮን ንዓኺ ጠቓሚ ዝኾነን ክትፈልጢ ኣገዳሲ እዩ

እዚ ገጽ እዚ ሕጂ ሪኤዮ። ክፈልጥ ይደሊ እየ። መን ሕቶታተይ ክምልሰለይ ይኽእል፧ መን ኢኹም ንስኹም፧

ንሕና 3 ሰቀንስትዮ ኢና።
ክልተ ካባና ኣብ ጀርመን ተወሊድና።
ሓንቲ ድማ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ንባዕላ ስደተኛ ኮይና መጺኣ።

ኩላትና ኣብ ማሕበራዊ መንበሪ ንሰርሕ ኢና።
እቲ ንሕና ንሰርሓሉ AMYNA ይበሃል።
ካልኦት 7 ደወንስትዮ እውን ኣብዚ ይሰርሓ እየን።
ኣብዚ ናይ ማሕበራዊ መንበሪ ቦታ ዝሰርሑ ሰባት፡ ንውጽዓት ዝሕግዙ እዮም።

ናትና ስራሕ ዘለዎ ዕላማ:
ኣዋልድን ኣወዳትን ካብ ናይ ስጋዊ ርክብ ግፍዒ ክንክን ንምሃብ እዩ።
ቅድሚ ዝኾነ ምዃኑ ክንሕግዝ ንደሊ።
ስለዚ ንኻልኦት ዓበይቲ እውን ብዛዕባ ብዙሓት ኣገደስቲ ኣርእስቲ ንሕብር ኢና።
ኣብዚ ገጽ ድማ ብዙሓት ሕቶታት በዋልድን ኣወዳትን ዝመጹና ክንምልስ ንፍትን።

ዝኾነ ጸገም እንተ ኣጋጢሙኪ ከኣ፡
ኣበይ ሓገዝ ክትረኽቢ ከም ትኽእሊ ነርእየኪ!

ኣብዛ መራኸቢት ጠውቕ፡ https://refu-tips.de/ti/category/help-hilfe-ti/

ባሊጋይ (13) ሓንቲ ቴሌፎን ለጊሱለይ። ክንፋኖ ከለና ክሓቕፎኒን ክስዕመንን ደልዩ። ከምዚታት እንድሕር ዘይፈቱ ኮይነ ስነስርዓት ዘይብላ ዶ ይበሃል።

እታ ተለፎን ምስ ሃበኪ ተሓጒስኪ ትኮኒ።
ስለቲ ህያብ ውን ኣመስጊንኪዮ ትኾኒ።

ህያብ ግን ንኻልእ ተግባር ዘገድደኪ ነገር ኣይኮነን።
ህያብ ማለት ንሓደ ከሐግሶ ትህቦ ማለት እዩ።
ሓጎስኪ ከተርእይዮ ተትኽእሊ ንባሊጋኺ ጽቡቕ እዩ።

ሓደ ሓደ እዋን ብህያብ ኣይትሕጎስን ኢኺ።
ምናልባት ኣይተድልየክን ትኸውን ወይ ከምታ ትደልያ ኣይትኸውንን ወይ ደስ ኣይትብለክን ትኸውን።
ይኹን ደኣምበር ምምስጋኑ ጽቡው እዩ።
እቲ ዝህበኪ ሰብ ንጽቡቕኪ ኢሉ እዩ።

እቲ ምሕቋፍን ምስዓምን ምስቲ ህያብ ወላሓንቲ ዘተሓሕዝ የብሉን።
ኣይፈቱን እየ ምባል ውን ትኽክል እዩ።

ከምዚ በሊ፡ ይፈትወካ ኢየ ከም ሰብ
ምሕቋፍን ምስዓምን ግን ኣይፈቱን እየ።
በጃኻ ተረዳኣኒ። እዚ ኣገዳሲ እዩ ነዓይ።

ባሊጋኺ ውን እዚ ክርደኦን ከኽብሮን እዩ ዘለዎ።
ከምኡ እንተ ዘይገይሩ ግን ካብ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ሓገዝ ድለዪ።