ኣን ጓል 17 ዓመት ጓል እየ። ሓኪመይ ክንሽብቲ ድየ ኣይኮንኩን ሓቲታትኒ። እንታይ ማለታ እያ፧

„ምኽንሻብ“ ማለት ሓደ ክፋል ካብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ይቑረጽ ማለት እዩ።
ቩልቫ ማለት ብምልኡ ክፋላት ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ማለት እዩ።.
ምናልባት ቆልዓ ከለኺ ተኸንሺብኪ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ምናልባት ኣይትዝክርዮን ትኾኒ።

ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ „ኣከናሽባ“ እዩ ዘሎ:
ሓደ ሓደ ግዜ ንእሽቶ ክፋል ብልዕቲ ይቑረጽ።
እዚ ክፋል „ክሊቶሪስ“ ክኸውን ይኽእል እዩ፡
እዚ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ናይ ብልዕቲ ይርከብ።
ወይ ውን „ቅንጢር“ ክኽውን ይኽእል እዩ:
እዚ ኣብ ጫፍ መእተዊ ብልዕቲ ዝርከብ ቆርበት እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ እታ ብልዕቲ ይሽፍንዋ እዮም።
እዚ ማለት እቲ ቅንጢር ይዕበ ይንኣስ ኣላጊቦም ይሰፍይዎ እሞ ንመሸኒን ንደም መውጽእን ዝኸውን ንእሽተይ ከፋይ ይገድፉሉ።

ምናልባት እዚ ንዓኺ ንቡር ክኸውን ይክእል እዩ፡ ስለዚ ድማ እቲ ሕቶ ናይታ ሓኪም ዘተረደኣኪ።
ኣብ ጀርመን ብዙሓት ደቀንስትዮ „ክንሹባት“ ኣይኮናን።
ስለዚ እያ እታ ሓኪምኪ ሓቲታትኪ።
ኣብ ጀርመን ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ክልኩልን የቕጽዕን እዩ።
እዚ ማለት ንጓል ዝኽንሽቡ ዓበይቲ ሰባት ጌጋ ይገብሩ ኣለዉ ማለት እዩ።

ምኽንሻብ ኣብ ጥዕና ደቀንስትዮ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ኣድራሻ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
http://www.imma.de/einrichtungen/wuestenrose.html