ኤች.ኣይ.ቪ ከም ዘለኒ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል፧

እቲ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ብደገ ክትፈልጦ ኣይከኣልን እዩ።
ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ምስ ትገብሪ ጥራይ ኢኺ ክትፈልጢ ትኽእሊ:
ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ኣካላትኪ ኣሎ ድዩ የለን፧

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኬድኪ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
እቲ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ብምስጢርን ብነጻን እዩ።
ዝኽፈል ገንዘብ የብሉን።
ሽም ምንጋር ውን ኣየድልን እዩ።
ሓደ ሓኪም ወይ ሓንቲ ሓኪም ደም ይወስድልኪ።
ኣብ ደምኪ እቲ ቫይረስ እንተሎ ይምርምርዎ።

ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ኣብ ደምኪ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ጸገም የለን ማለት እዩ።
ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ደምኪ እንተ ተረኺቡ ከኣ መድሃኒት ይወሃበኪ።
ኣገዳሲ ነገር:
ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ወይ ኤይድስ እንተ ኣለኪ፡ ምስ ካልእ ሰብ ብዘይ ኮንዶም ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ ኣይግባእን እዩ።
ምኽንያቱ ንኻልእ ሰብ ከተልግብሉ ትኽእሊ ኢኺ።

Text: AWO-Zentrum für Aidsarbeit Schwaben
www.zas-schwaben.de