ኣነ (ወዲ 15 ዓመት) ጀርመናዊት ዓርኪ ኣላትኒ። ብዙሕ እዋን ብሓሳብ ኣይንሰማማዕን ኢና። ኣካዳድናኣ ናይ ዓዋሉ (ሴክሲ)፣ ብዘይ ባኣይ ወይ ብዘይ ድሌተይ ድላያ ትገብር። ኣነ ድማ ደስ ኣይብለንን እዩ። ጀርመናውያን ኣዋልድ ኩለን ከምኡ ድየን?

ኩለን ጀርመናውያን ሓደ ኢየን ክበሃል ኣይከኣልን።
ንቡዝሓት ኣዋልድን ኣንስትን ግን እዞም ዝስዕቡ ነገራት ብጣዕሚ ኣገደስቲ እዮም:
ልክዕ ከም ኣወዳት ንሳተን እውን ናይ ሂወት ናጽነት ክህልወን ይደልያ።
እዚ ማለት: ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይ ኣዳላው ወይ ብማዕረ ክረኣያ ይደልያ።

እዚ ማለት ግን ካልእ ዓርኪ ይደልያ ማለት ኣይኮነን።
ናይ ባዕለን ርእሰ-ውሳኔ ስለ ክገብራ ዝደልያ እዩ።
ዝደለየኦ ነገር ባዕለን ክውስና ይደልያ። ንኣብነት:
ዝደለየኦ ዓይነት ክዳውንቲ ክኽደና ይደልያ።
ምስ መሓዙተን ዋላ እውን ንበይነን ክራኸባ ይደልያ።
ምስ ካልኦት ኣወዳት እውን ክመሓዘዋ ይደልያ እየን።
እዚ ግን ምስ ዝምድናኹም ወላሓንቲ ዘራኽብ የብሉን።
ዓርክኻ ብጣዕሚ ትፈትወካ እያ።
ይኹን ደኣምበር ምስ ካልኦት ሰባት፣ ኣዋልድ ኮና ኣወዳት ርክባ ከተቋርጽ ግን ኣይትደልን።

ካብ ጓል ናብ ጓል እውን ፍልልይ ኣሎ።
ብዛዕባ ዘለካ ስምዒታት ኣብዚ ጉዳይ ምስ ዓርክኻ ተዛራረብ።
ነንሓድሕድኩም ከኣ እንታይ ከም ትምነዩን ትደልዩን ተመያየጡ።
ብድሕሪ እዚ ዝሓሸ ክትሰማምዑ ኢኹም።