ኣነ (ጓል 14 ዓመት) ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኣዴታተይ ወይ ጽግያተይ መጺኡኒ ነይሩ። ብድሕሪኡ ታምፖን ወይ ሞዴስ ምስ ገበርኩ ሃንደበት ብዙሕ ደም ፈሲሱኒ። ድንግልናይ ተቐዲዱ ከይከውን ብጣዕሚ ፈሪሀ ኣለኹ። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ?

ዘፍርህ ወላሓንቲ የብልክን።
ብዝሒ ምፍሳስ ደም ጽግያትኪ ሓደ ሓደ እዋን ይለዋወጥ እዩ።
ስለ ከምዚ ዝኾነ እዩ ብዙሕ ደም መጺኡኪ ዝኸውን።

ንምዃኑ ድንግልና ከመይ ከም ዝመስል ትፈልጢ ዲኺ?
ነዚ ከብርሃልኪ ኣፍቅድለይ:
ብዚሓት ኣዋላድ ድንግልና ንብልዕቲ ዝሽፍን ቆርበት እዩ ዝመስለን።
እዚ ግን ጌጋ እዩ: ድንግልና ዕጻፍ ነገር እዩ።
እዚ ዕጻፍ ኣብቲ መእተዊ ኣፍደገ ብልዕቲ ዝተለጠፈ እዩ
እቲ ዕጻፍ ዝተፈላለየ ምስሊ ኣለዎ:
ሓደ ሓደ እዋን ብጣዕሚ ንእሽተይ ስለ ዝኾነ ንኽትርእዮ ከማን ኣሸጋሪ እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ዓቢ ኮይኑ ኣብቲ ኣፍደገ ንእሽተይ ጥራይ ይረአ።

እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን: ናይ ነፍስወከፍ ጓል ድንግልና ምስሉ ይፈላለ እዩ።
ዋላ እውን ኣብ ፈልማይ ስጋዊ ርክብ ናይ ገሊኤን ኣዋልድ ጥራይ እዩ ዝደምይ።
በዚ መሰረት ከኣ ሓንቲ ጓል ቅድሚኡ ስጋዊ ርክብ ፈጺማ ነይራ ወይ ኣነበረትን ኢልካ ክፍለጥ ኣይከኣልን እዩ።
ስለዚ ሕጂ ዘጨንቕ ዋላሓንቲ የብልክን።
እንተ ደኣ ዝያዳ ሓበሬታ ደሊኺ ግን ናብ ሓኪም ደቀንስትዮ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ ወይ ድማ ናብ ProFamilia-Stelle (https://www.profamilia.de/) ኬድኪ ተወከሲ።
ኣብኡ እንታይ ከም ዝግበር ኣብዚ ተዓዘቢ: ኩለን ደቂ ክላሰይ ናብ ናይ ደቀንስትዮ ሓኪም ከይደን ይፈልጣ እየን። ኣነ ውን (ጓል 14 ዓመት) ክኸይድ ኣለኒ ድዩ? እንታይ ኢየን ዝገብራ ኸ?