ሓኪመይ ኤች. ኣይ.ቪ ወይ ኤይድስ ንዓይ (16) እንተለኒ ሓቲታትኒ። እንታይ እዩ ኤች.ኣይ.ቪ፧ እንታይ እዩ ኸ ኤይድስ፧

ኤች.ኣይ.ቪን ኤይድስን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም።
ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ እዩ።
ቫይረስ ኣብ ነብስኺ ኣይረእን እዩ ከሕምመኪ ከኣ ይኽእል እዩ።
ኤይድስ ድማ በቲ ቫይረስ ክመጽእ ዝኽእል ሕማም እዩ።
እቲ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ሰውነትኪ እንተ ጸኒሑ ኤይድስ ክሕዘኪ ይኽእል እዩ።
ኤይድስ ክሓዊ ዘይክእል ቀታሊ ሕማም እዩ።

ንኤች.ኣይ.ቪ ግን ጽቡቕ ምድሃኒት ይርከቦ።
እቲ መድሃኒት ምስ ትወስዲ፡ እቶም ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ እንዳ ወሓዱ ይኸዱ።
ንሰብ ከኣ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ከተላግብሉ ኣይትኽእልን ኢኺ።
እቲ ሕማም ኤይድስ ከኣ ኣይሕዘክን እዩ።
እቲ መድሃኒት እንዳ ወሰድኪ ንነዊሕ እዋን ክትነብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብ ጀርመን ነቲ መድሃኒት ባዕልኺ ምኽፋል ኣየድልየክን እዩ።
እቲ ናትኪ ናይ መድሕን ትካል እዩ ነቲ መድሃኒት ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ዝኸፍሎ።
ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ንመን ብዛዕባ እዚ ክነግሩ ከም ዘለዎም ባዕሎም እዮም ዝውስኑ።
ካልኦት ሰባት ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎም ንኻልእ ሰብ ምንጋር ግን ኩልኩል እዩ።

ካብዞም ዝስዕቡ ነገራት ምጥንቃቕ የድልየኪ:

  • ብዘይ ኮንዶም ስጋዊ ርክብ ኣይተዘውትሪ (ስጋዊ ርክብ ብብልዕቲ ኮነ ብመዓኮር)
  • ሓሹሽ ኣይትወግኢ፡ ብዝተጠቕመ መርፍእ ምጥቃም ሓደገኛ እዩ። ዝተጠቕመ መውግኢ ድማ ንኻልእ ሰብ ኣይትሃቢ።
  • እንተ ደኣ ደም ወጺእኪ ወይ ጥባሕ ቁስሊ ኣብ ነብስኺ ኣለኪ፡ ናይ ካልእ ሰብ ደም ብቁስልኺ ከይኣቱ ተጠንቀቒ።

Text: AWO-Zentrum für Aidsarbeit Schwaben
www.zas-schwaben.de

ኣን ጓል 17 ዓመት ጓል እየ። ሓኪመይ ክንሽብቲ ድየ ኣይኮንኩን ሓቲታትኒ። እንታይ ማለታ እያ፧

„ምኽንሻብ“ ማለት ሓደ ክፋል ካብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ይቑረጽ ማለት እዩ።
ቩልቫ ማለት ብምልኡ ክፋላት ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ማለት እዩ።.
ምናልባት ቆልዓ ከለኺ ተኸንሺብኪ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ምናልባት ኣይትዝክርዮን ትኾኒ።

ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ „ኣከናሽባ“ እዩ ዘሎ:
ሓደ ሓደ ግዜ ንእሽቶ ክፋል ብልዕቲ ይቑረጽ።
እዚ ክፋል „ክሊቶሪስ“ ክኸውን ይኽእል እዩ፡
እዚ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ናይ ብልዕቲ ይርከብ።
ወይ ውን „ቅንጢር“ ክኽውን ይኽእል እዩ:
እዚ ኣብ ጫፍ መእተዊ ብልዕቲ ዝርከብ ቆርበት እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ እታ ብልዕቲ ይሽፍንዋ እዮም።
እዚ ማለት እቲ ቅንጢር ይዕበ ይንኣስ ኣላጊቦም ይሰፍይዎ እሞ ንመሸኒን ንደም መውጽእን ዝኸውን ንእሽተይ ከፋይ ይገድፉሉ።

ምናልባት እዚ ንዓኺ ንቡር ክኸውን ይክእል እዩ፡ ስለዚ ድማ እቲ ሕቶ ናይታ ሓኪም ዘተረደኣኪ።
ኣብ ጀርመን ብዙሓት ደቀንስትዮ „ክንሹባት“ ኣይኮናን።
ስለዚ እያ እታ ሓኪምኪ ሓቲታትኪ።
ኣብ ጀርመን ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ክልኩልን የቕጽዕን እዩ።
እዚ ማለት ንጓል ዝኽንሽቡ ዓበይቲ ሰባት ጌጋ ይገብሩ ኣለዉ ማለት እዩ።

ምኽንሻብ ኣብ ጥዕና ደቀንስትዮ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ኣድራሻ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
http://www.imma.de/einrichtungen/wuestenrose.html

ኣነ ጓል 14 ዓመት ኢየ። ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ይከኣል ድዩ፧

ኩሉ ምትንኻብ ኣብ ናይ ስምዒታዊ ከባቢ „ሴክስ“ ኢልና ንሰምዮ።
እዚ ኣብ ጀርመን ቅድሚ መርዓ ብመሰረቱ ፉቑድ እዩ።
ግን ክልቲኦም ጽምዲ ፍቓደኛታት ክኾኑ ኣለዎም።
ስለኢ ስጋዊ ርክብ እንተ ዘይደሊኻ ውን ጸገም የለን።

እዚ ኣብ ጀርመን ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ውን ኣሎ።
ንሰብ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ምግዳድ ኩልኩል እዩ።
ንዓኻ ውን ዝግድደካ ሰብ ክህሉ የብሉን።
ኩሉ ግዜ ኣይደልን ኢየ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ሓሳባትካ ውን ክትቅይር ትኽእል ኢኻ።
ምናልባት ድሒርካ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ትደሊ ትኸውን።
ስለዚ ድርቕ ምባል ኣየድልየካን እዩ።
ደቂ ሰባት ኩሉ ጊዜ ስጋዊ ርክብ ክገብሩ ድሌት የብለሙን።
ሓደ ሓደ ጊዜ ደስ ይብሎም ሓደ ሓደ ጊዜ ግን ኣይደልዩን።
እዚ ኸኣ ንቡር እዩ።

ንስኺ ብጣዕሚ ንእሽቶይ ኢኺ ዘለኺ።
እንታይ ትደልዪ ኣጸቢቕኪ ሕሰብሉ።
ኣብ ስዒቡ ዘሎ ጽሑፋት እቲ ትኽክል ናይ ስጋዊ ርክብ ናይ ዕድመ ዶብ ተገሊጹ ኣሎ።

ካብ ክንደይ ዓመት ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ምፍቀደኒ፧

ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለዋ።
ዕድመኻን እቲ ዝምድና ምስ መጻምድትኻን።
ኣብዚ ሰንጠረጅ ስጋዊ ርክብ ዝፍቀድን ዘይፍቀድን ክትከታተል ትኽእል።

ዕድመ 0-13 14-15 16-17 18-20 21+
0-13 ኣይፋል ኣይፋል ኣይፋል ኣይፋል ኣይፋል
14-15 ኣይፋል እወ እወ እወ ኣይፋል
16-17 ኣይፋል እወ እወ እወ እወ
18-20 ኣይፋል እወ እወ እወ እወ
21+ ኣይፋል ኣይፋል እወ እወ እወ

እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ግን፡ ብክልቲኦም ሸነኽ ድሌት ክህሉ ይግባእ።
ሓደ ምስ ዝኣቢ፡ ስጋዊ ርክብ ኩልኩል ይኸውን።
ዝኾነ ሰብ ን ስጋዊ ርክብ ክግድድ ኣይፍቀድን።

ኣብ መንበሪ ጉጅለ ወይ ኣብ ሃይም ትቕመጥ፧
ኣብዚ መንበሪ ክሳብ 16 ትኸውን ስጋዊ ርክብ ኣይፍቀደካን እዩ።

ስጋዊ ርክብ ኣብ መንጎ እዞም ሰባት ኩልኩል እዩ

  • ስድራን ደቆምን
  • ሰይተቦ ሰብኣይ ኣደን ደቆምን
  • መምህር ምስ ተመሃሮ
  • ኣለይቲ ምስ መንእሰያት ኣብ መንበሪ ጉጅለ ወይ ናይ መንእሰያት መዕቆቢ
  • ኣብ ግዜ ሞያዊ ስልጠና፡ ኣብ እዋን ስራሕ ወይ ኣብ ፕራክቲኩም መምህርካ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ኩልኩል እዩ።
  • ኣብ ሓደ ስድራቤት ተዓቒብካ ትነብር እንድሕር ኣለኻ፡ እቶም ኣለይቲ ስድራኻ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽሙ ኣይፍቀድን እዩ።
  • ዋላ ውን ወኪል ናይ ሕጊ ኣላዪኻ ውን ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ኣይከኣልን።

ዝኾነ ይኹም ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ክፍጽሙ ኣይፍቀድን እዩ።
ከምዚ ምስ ዘጋጥም ብቕልጡፍ ሓገዝ ኣምጽእ።