ኣነ (ጓል 14 ዓመት) ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኣዴታተይ ወይ ጽግያተይ መጺኡኒ ነይሩ። ብድሕሪኡ ታምፖን ወይ ሞዴስ ምስ ገበርኩ ሃንደበት ብዙሕ ደም ፈሲሱኒ። ድንግልናይ ተቐዲዱ ከይከውን ብጣዕሚ ፈሪሀ ኣለኹ። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ?

ዘፍርህ ወላሓንቲ የብልክን።
ብዝሒ ምፍሳስ ደም ጽግያትኪ ሓደ ሓደ እዋን ይለዋወጥ እዩ።
ስለ ከምዚ ዝኾነ እዩ ብዙሕ ደም መጺኡኪ ዝኸውን።

ንምዃኑ ድንግልና ከመይ ከም ዝመስል ትፈልጢ ዲኺ?
ነዚ ከብርሃልኪ ኣፍቅድለይ:
ብዚሓት ኣዋላድ ድንግልና ንብልዕቲ ዝሽፍን ቆርበት እዩ ዝመስለን።
እዚ ግን ጌጋ እዩ: ድንግልና ዕጻፍ ነገር እዩ።
እዚ ዕጻፍ ኣብቲ መእተዊ ኣፍደገ ብልዕቲ ዝተለጠፈ እዩ
እቲ ዕጻፍ ዝተፈላለየ ምስሊ ኣለዎ:
ሓደ ሓደ እዋን ብጣዕሚ ንእሽተይ ስለ ዝኾነ ንኽትርእዮ ከማን ኣሸጋሪ እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ዓቢ ኮይኑ ኣብቲ ኣፍደገ ንእሽተይ ጥራይ ይረአ።

እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን: ናይ ነፍስወከፍ ጓል ድንግልና ምስሉ ይፈላለ እዩ።
ዋላ እውን ኣብ ፈልማይ ስጋዊ ርክብ ናይ ገሊኤን ኣዋልድ ጥራይ እዩ ዝደምይ።
በዚ መሰረት ከኣ ሓንቲ ጓል ቅድሚኡ ስጋዊ ርክብ ፈጺማ ነይራ ወይ ኣነበረትን ኢልካ ክፍለጥ ኣይከኣልን እዩ።
ስለዚ ሕጂ ዘጨንቕ ዋላሓንቲ የብልክን።
እንተ ደኣ ዝያዳ ሓበሬታ ደሊኺ ግን ናብ ሓኪም ደቀንስትዮ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ ወይ ድማ ናብ ProFamilia-Stelle (https://www.profamilia.de/) ኬድኪ ተወከሲ።
ኣብኡ እንታይ ከም ዝግበር ኣብዚ ተዓዘቢ: ኩለን ደቂ ክላሰይ ናብ ናይ ደቀንስትዮ ሓኪም ከይደን ይፈልጣ እየን። ኣነ ውን (ጓል 14 ዓመት) ክኸይድ ኣለኒ ድዩ? እንታይ ኢየን ዝገብራ ኸ?

ኩለን ደቂ ክላሰይ ናብ ናይ ደቀንስትዮ ሓኪም ከይደን ይፈልጣ እየን። ኣነ ውን (ጓል 14 ዓመት) ክኸይድ ኣለኒ ድዩ? እንታይ ኢየን ዝገብራ ኸ?

ናብ ሓኪም ደቀንስትዮ ክትከዲ እንተደኣ ኮይንኪ:

  • ብዛዕባ ናይ ስጋዊ ርክብ ክፋል ኣካላትኪ ሕቶታት ምስ ዝህልወኪ።
  • መከላኸሊ ጥንሲ ኮነ ሕማም ምስ ትደልዪ።
  • ጥንሲ እንተለኪ።
  • ኣብ ታሕቲ ከብድኺ ቃንዛ እንተለኪ ወይ ናይ ኣዴታትኪ ምስ መጸኪ እንተተቐንዚኺ።
  • ጥንሲ ክትሰዲ እንተ ደሊኺ።

 
እታ ሓኪም ደቀንስትዮ መጀመርያ ከተዘራርበኪ እያ።
እንታይ ክትገብረልኪ ከም ትደልዪ ክትሓተኪ እያ።
ሓቢርክን ደሓር ክትምርመሪ ኣለኪ ድዩ የብልክን ትውስና።
ክትምርመሪ እንተኮንኪ ክዳውንትኺ ተውጽኢ።
ጎና ተኸዲንኪ እንተለኺ ሞታንታኺ ጥራይ ተውጽእዮ።
ብድሕሪ እዚ እታ ሓኪም „ብልዕትኺ“ ትምርምሮ።
እዚ ማለት: ሽፐኩሉም ዝበሃል ሓጺን ኣብ ብልዕትኺ የእትያ ትርእየኪ።
እዚ ሽፐኩሉም ትቦ መሳሊ ሓጺን እዩ።
ቁሩብ ንውሽጢ ብልዕትኺ የእትያ እታ ሓኪም ብኡ ትርእየኪ።
 
እዚ ዓይነት መርመራ ኩሉ ግዜ ኣድላዪ ኣይኮነን።
መዓስ ክትገብሪ ከም ትደልዪ ንስኺ ኢኺ ትውስኒ።
እንተ ደኣ ገና ብድንግልናኺ ኣለኺ እታ ሓኪም ትጥንቀቕ እያ።
ከምቲ ግቡእ ድማ ድንግናኺ በዚ መርመራ ክፈርስ ኣይክእልን እዩ።
ናብ ከምዚ ሓኪም ምስ ትኸዲ ከመይ ከም ዝመስል ንምዕዛብ ኣብዚ ተዓዘቢ: https://gutzuwissenfilm.wordpress.com/ (እዚ ቪድዮ ብቋንቋ ጀርመን, ቱርኪ, ፋርሲ, ዓረብን እንግሊዝኛን ትረኽቡ)

ስድራቤተይ ከም ዝብሉኒ፡ ኣነ (16) ካብዘን ጀርመናውያን መሓዙተይ ክጥንቀቅ ኣለኒ። ኩላተን ምስ ኣወዳት ኣብዚ ዕድመ ደቂሰን ኣለዋ ኢዮም ዝብሉኒ። እዚ ሓቂ ዶ ይኸውን?

መሓዙትኪ ሴክስ ከም ዝገበራ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና።
ሴክስ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ይፍጸም።
ኣባሃህልኦም ግን „ስጋዊ ርክብ“ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ።
ስጋዊ ርክብ ክበሃል ከሎ እቲ ወትሎ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ይኣቱው ማለት እዩ።

ኣብ ጀርመን እምበኣብ ብዙሓት ኣዋልድን ኣወዳትን እንታይ ይገብሩ?
ቀጻሊ ብዙሓት መናእሰያት ይሕተቱ እዮም።፡
ዝህብዎ መልሲ ምስጢራዊ እዩ፡ እዚ ማለት ኣስማቶም ከይ ነገሩ።

ንኣብነት ሓንቲ ክላስ 10 ኣወዳትን 10 ኣዋልድን ኣብ ናትኪ ዕድመ ዘለዎም እሞ ሕሰቢ።
ምናልባሽ ኣርባዕተ ካብኣተን ስጋዊ ርክብ ገይረን ይፈልጣ።
እዚ ማለት: ሽዱሽተ ኣዋልድ ሴክስ ካብ ምግባር ይቁጠባ።
ኣወዳት 16 ዓመት ዘለዎም እውን ተመሳሳሊ እዩ።
ኣወዳት እውን ኣርባዕተ እዮም ኣብቲ ዕድመ ሴክስ ዝገብሩ።

እቶም ዝበዝሑ መናእሰያት ግን እቲ መጻምዲ ወይ እታ መጻምዲ ኣይረኽቡን እዮም።
ገለ ካብ ጥንሲ ይፈርሑ።
ገለ ድማ ገና ነኣሽቱ ዘለው ኮይኑ ይስምዖም ወይ ድማ ካብ ስድርኦም ይፈርሁ።፡
ኩለን ኣዋልድን ኣወዳትን እቲ ንሳቶም ቅኑዕ ዝብልዎ ኣየናይ ብዘየገድስ እንተ ገበሩ እዩ ዝምረጽ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን (ወዲ 14 ዓመት) ኣብ ገጸይ ጸጉሪ ክቦቅለኒ ጀሚሩ። ድምጸይ ከኣ ከም ገለ ክኸውን ጀሚሩ። እዚ ከኣ የሕፍረኒ ኣሎ።

ሰውነትካ ይቀያየር ስለ ዘሎ ስክፍታታት ይገብረልካ ኣሎ።
እዚ ግን ንቡር ነገር እዩ። ትጉብዝ ኣለኻ ማለት እዩ።

ኣብ ሰውነትካ Sexual-Hormone ይፍጠሩ ኣለው።
እዞም ሆርሞናት ድማ ሓድሽ እዮም ንሰውነትካ።
እንታይ ለውጢ ሰውነትካ ክገብር ከም ዘለዎ ይሕብርዎ።
ሰውነትካ ናይ ጉብዝና ለውጢ ከም ዝገብር ይገብሩ።
እዚ ናይ ለውጢ ግዜ „Pubertät“ ወይ ጉብዝና ይበሃል።

ኣብ ቱሽቱሽካን ኣብ ከቢቢ መትሎኻን ጸጉሪ ክቦቅሉ ይጅምሩ።
ጭሕሚ ከተቡቅል ትጅምር እንተ ደሊኻ ድማ ክትላጽዮ ትኽእል ኢኻ።
ድምጽኻ ካብ ናይ ቆልዓ ናብ ናይ ዓቢ ድምጺ ክቅይር ይጅምር
ዘርኢ ከተፍስስ ትጅምር።
እዚ ማለት፡፡ካብ መትሎኻ ፈራዪ ዘርኢ ይወጽእ።
እዚ ለውጢ ግን ብሓደ ለይቲ ኣይኮነን ዝፍጠር፡ ግዜ ዝወስድ መስርሕ እዩ።
ብተወሳኺ ድማ: እቶም ሆርሞናት ስምዒታትካ ብዝያዳ ከም ዝፍለጠካ ይገብሩ።
ሓደ ሓደ እዋን ትሓዝን፡ ሓደ ሓደ እዋን ትሓርቅ፡ ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ኣዚኻ ሕጉስ ትኸውን።
እዚ ኩሉ ምስ ጉብዝና ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ምስ ዕብየት ዝቁጸር።
ኣብ ዝኾነ እዋን ድማ እቲ ናይ ስሚዒት ለውጥታት ቀስ ኢሉ ይረጋጋእ።

ኣብ ክላሰይ ሓንቲ ጓል 17 ዓመት ጓል ኣላ። ሓደ መዓልቲ ግን ኣነ ወዲ እየ ኢላትና። እዚ ግን ነዓይ ጋን ኮይኑኒ! ብኸመይ ምስኣ ክቀርብ ይኽእል?

ዋካ እውን ጋን እንተኮነኪ ክርድኣና ይኽእል እዩ።
እስኺ ጥራይ ዘኮንክስ ብዙሓት መናእሰያት እውን ይደራበሹ እዮም ኣብ ከምዚ ኩነታት።
ንሳ ግን ብዛዕባኣ ኣገዳሲ ዝኾነ ምስጢ ብዛዕባኣ እያ ተዛሪባትክን: ከም ወዲ ኮይኑ ይስምዓ።
እቲ ኣካላዊ ጾታኣ ምስ ናይ ስምዒታዊ ኣተሓሳስባኣ ኣይመጣጠንን እዩ።

ንሕና ክንገልጸልኪ ንደሊ እምበኣር:
መን ኢኺ? እንታይ ትመስሊ? እዚ ናትኪ „መንነት“ እዩ።
እዚ „ጾታዊ መንነት“ ነዓኺ ነብስኺ ከመይ ትርእይያ እዩ ዝነግር።
እቲ ስምዒታዊ ጾታ ምስ ኣካላትኪ ዘይሰማማዕ ኮይኑ :
„Trans-Identität“ ወይ „Trans-Gender“(ጾታዊ-ልዋጠ) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
እዚ ማለት ገለ ደቀንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኮይኑ ይስምዕን።
ገለ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ከም ደቂ ኣንስትዮ ኮይኑ ይስመዖም።
ገለ ሰባት ከኣ ከም „inter-sexuell“ ኮይኖም ይውለዱ።
እዚ ማለት፡ ኣካላቶም ኣይ ወዲ ኣይ ጓል ኣንስተይቲ ማለት እዩ።
Manche von ihnen fühlen sich auch weder als Mann noch als Frau.
ከምዚ ትርእዮ ዘለኺ: ብዙሕ ዓይነት ጾታዊ መንነት እዩ ዘሎ!
ስለዚ ምስኣ ወይ ድማ ምስኡ ልክዕ ከም ቀደምኪ እንተ ኾንኪ ጽቡቅ እዩ።
ወይ ድማ ንዓኣ ወይ ንዕኡ እንታይ ከም ዝደሊ ሕተቲያ/ዮ።
ንኣብነት ኣታ ድዩ ወይስ ኣቲ ክባህል ድዩ ዝደሊ ሕተትያ/ዮ።

ኣነ ጓል 13 ዓመት እየ። ኩሉ ሰውነተይ ይቀያየረኒ ኣሎ። ደሓን ድየ ዘለኹ፧

ሰውነትኪ ይቀያየር ስለ ዘሎ ትሻቒልኪ ኣለኺ።
እዚ ግን ዋላሓንቲ ጸገም ኣይኮነን።
ኩለን ኣዋልድን ኣወዳትን ክግቡዙ ከለዉ ኣካላቶም ይለዋወጥ እዩ።

ብድሕሪ እዚ ዘጋጥመኪ ነገራት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
ኣብ ኣካላትኪ ካብ ሕጂ ንነየው “Sexualhormone” ዝበሃሉ ነዝዕታት ይፍጠሩ።
እዞም ሆርሞናት ንኣካላትኪ ሓዲሽ ነገር እዮም።
እንታይ ክቕየር ከም ዘለዎ ንኣካላትኪ ይሕብሩ።
እዚ ለውጥታት ጉብዝና ወይ „Pubertät“ ይበሃል።

ኣብ ትሽቱሽኪ ኮነ ኣብ መሕፈሪኺ ጸጉሪ ክቦቅል ይጅምር።
ብዝያዳ እውን ክትርህጺ ትጅምሪ።
ምናልባሽ እውን ፈጸጋ ኣብ ገጽኪን ኣብ ሒቖኽን ክወጸኪ ይኽእል እዩ።
ጸጉርኺ ስቡሕ እንዳ ኾነ ይመጽእ። ቀጻሊ ድማ ክሕጸብ ኣለዎ።
ናይ ኣዴታትኪ ጽግያት ድማ ይመጸኪ -> Periode.
ኣጥባትኪ ክዓብያ ዝጅምራ።
ሓምሓም ኣጥባትኪ ይዓብያን ይጽልማን።

ብተወሳኺ፡ እቲ ሆርሞን ስምዒትኪ ኣጸቢቑ ከም ዝስመዓኪ ይገብሩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ቀልጢፍኪ ትሓርቂ፡ ሓደ ሓደ እዋን ጸር ጸር ትብሊ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ሕጉስቲ ትኾኒ።
እዚ ኩሉ ምስ ጉብዝና ይቑጸር።

ዓርከይ ዘርኢ ፈሲሱኒ ኢሉኒ። እንታይ ማለቱ እዩ፧

ኣወዳትን ኣሰብኡትን ዘርኢ ከፍስሱ ይኽእሉ እዮም።
ካልእ ናይዚ ከቢስ ስሙ „Ejakulation“ ይበሃል።

እዚ መለት ፈሳሲ ካብ ብልዕቱ ይወጽእ ማለት እዩ።
እዚ ሓደ ሓደ እዋን ኣብ እዋን ድቃስ የጋጥሞም እዩ።
ወይ ድማ ሓደ ወዲ ተባዕታይ መሸኒኡ ምስ ዝፍሕፍሕን ዝደርዝን ከምዚ የጋጥም እዩ።
መብዝሕትኡ ግዜ ድማ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ምስ ሰብ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ከሎ የጋጥም።

ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ከቢድ ስሚዒት ኣትዩ ኣሎ ማለት እዩ።
እታ ናይ መወዳእታ ስምዒት “Orgasmus” ትበሃል።
ኣብቲ ናይ መወዳእታ ከቢድን ጽቡቕን ስምዒት ምስ በጻሐ እቲ ፈሳሲ ካብ መሸኒኡ ይወጽእ።
ገለ ቁሩብ ፈሳሲ እውን ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ስምዒት ወይ Orgasmus ክወጽእ ይኽእል እዩ።
እቲ ፈሳሲ ህጻን ምስ ጎበዘ ስፐርም ዝበሃል ነኣሽቱ ዘርኢ ትሕዝቶ ኣለዎ።

እቲ ዘርኢ ምስ እንቋቕሖ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ዝራኸብ ቆልዓ ክፍጠር ይኽእል እዩ።
እቲ እንቋቕሖ ናይታ ጓል ኣብ  ማህጸን ኣሎ።
ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ እቲ ናይ ወዲ መሸኒ ኣብ ብልዕቲ ጓል ይኣቱ።

ዘርኢ ክፈስስ ከሎ ሕማቕ ኣይኮነን።
ኣወዳትን ኣሰብኡትን ኣብዚ ኩነታት ጽቡቕ ስምዒት እዩ ዝስምዖም።
መብዝሕተኦም ኣወዳትን ኣሰብኡትን ክቑጸሩ ዘይክእሉ ግዜ ኣብ ሂወቶም ዘርኢ የፍስሱ።
ብጌጋ ቆልዓ መታን ከይጥነስ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ  ኮንሶም ክጥቀሙ ኣለዎም።
ብተወሳኺ እውን ኮንዶም ካብ ክልኦት ዘየድልዩ ሕማማት ይከላኸለሎም ።

ኣነ (ጓል 13 ዓመት) ኣብ ሞታንታይ ደም መጺኡኒ። ሓሚመ ዲየ ዝለኹ?

ንመጀመርያ ግዜ „ጽግያትኪ“ ወይ ናይ ኣዴታትኪ እዩ ክኸውን ዘለዎ።
ኣብ ገለ ስድራቤት ወይ ሃገራት ፌስታ ዝግበረሉ እዋን እዩ እዚ።
እዚ ከም ዝጎበዝኪ እዩ ዘርእይ።

„ጽግያት መጺኡኪ“ ክበሃል ከሎ:
እቲ ኣብ ስረኺ ዘሎ ደም ካብ ብልዕትኺ ዝመጸ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ብልዕትኺ ሓንቲ ንእሽተይ በዓቲ ኣላ።
እዛ በዓቲ ማህጸን ትበሃል።
ጥቃ ማህጸን ከኣ ክልተ ማሕደረ እንቋቅሖ ኣለዋ።
ኣብ መንጎ እታ ማሕደረ እንቋቅሖን ማህጸንን ድማ መደየቢ እንቋቅሖ
ካብቲ ማሕደረ እንቋቅሖ ብገምጋም ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ሓንቲ ንኡሽቶይ እንቋቅሖ ናብቲ መደየቢ ትወድቅ።

ኣብዚ እዋን እዚ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።
እዚ ንኽፍጠር ግን ምስ ሓደ ሰብኣይ ወይ ምስ ሓደ ወዲ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽሚ ኣለኪ።
ነዚ ክትገብሪ ግን ገና ንእሽቶይ ኢኺ ዘለኺ።
ኣብ ስጋዊ ርክብ ግን እታ እንቋቅሖ ብዘርኢ ወዲ ተባዕታይ „ትቦቅል“, እዚ ማለት ጥንሲ ሒዝኪ ኣለኺ ማለት እዩ።
እታ እንቋቅሖ ኣብ ማህጸን እያ ትዓቢ።
ንስኺ ግን ጥንሲ ስለ ዘይብልኪ፡ ደም ካብ ብልዕትኺ ይወጽእ።
ካብ ሕጂ ንንየው ዳርጋ ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ማህጸንኪ ብደም ተሓጻጺቡ ይወጽእ።
እዚ ድማ ቁሩብ መዓልቲ ይወስድ።

ነቲ ደም መጽረዪ ኣብ ዱኳናንት ወይ ፋርማሲ ሞዴስ ወይ ታምፖን ኣለኪ።
ሞዴስ እንተ ኮይኑ ኣብ ሞታንታኪ ኢኺ ትሰጥሕዮ።
ታምፖንስ ድማ ናብ ብልዕትኺ ትውትፍዮ።
ምናልባሽ ነዴኺ ወይ ንመሓዛኺ ክሕግዛኺ ሕተትየን።

ሓደ ሓደ እዋን እቲ መድመይቲ ነዊሕ ግዜ ይወስድ እዩ ወይ ድማ ብርቱዕ ቃንዛ ክገብረልኪ ይኽእል እዩ።
ከምዚ ምስ ዘጋጥመኪ ናብ ሓኪምኪ ኪዲ።

ኤች.ኣይ.ቪ ከም ዘለኒ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል፧

እቲ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ብደገ ክትፈልጦ ኣይከኣልን እዩ።
ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ምስ ትገብሪ ጥራይ ኢኺ ክትፈልጢ ትኽእሊ:
ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ኣካላትኪ ኣሎ ድዩ የለን፧

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኬድኪ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
እቲ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ብምስጢርን ብነጻን እዩ።
ዝኽፈል ገንዘብ የብሉን።
ሽም ምንጋር ውን ኣየድልን እዩ።
ሓደ ሓኪም ወይ ሓንቲ ሓኪም ደም ይወስድልኪ።
ኣብ ደምኪ እቲ ቫይረስ እንተሎ ይምርምርዎ።

ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ኣብ ደምኪ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ጸገም የለን ማለት እዩ።
ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ደምኪ እንተ ተረኺቡ ከኣ መድሃኒት ይወሃበኪ።
ኣገዳሲ ነገር:
ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ወይ ኤይድስ እንተ ኣለኪ፡ ምስ ካልእ ሰብ ብዘይ ኮንዶም ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ ኣይግባእን እዩ።
ምኽንያቱ ንኻልእ ሰብ ከተልግብሉ ትኽእሊ ኢኺ።

Text: AWO-Zentrum für Aidsarbeit Schwaben
www.zas-schwaben.de

ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ክሕዘኒ ኣይደልን እየ። እንታይ ክገብር ይኽእል፧ ብኸመይ ከ ክከላኸል ይኽእል፧

ኮንዶም ብግቡእ እንተ ተጠቒምኩሉ፡ ብስጋዊ ርክብ ኤች.ኣይ.ቪ ክሕዘኪ ኣይክእልን እዮ።
ኮንዶም ኣብ ብዙሕ ቦታታት ክትገዚ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ሱፐር ማርኬት፡ ኣብ እንዳ ነዳዲ፡ ኣብ ፋርማሲ

ኣስተውዕሊ: ኮንዶም ኣብ ጸሓይ ክቕመጥ የብሉን።
ኮንዶም ክኣርግ የብሉን።
ኮንዶም ክቕደድ የብሉን።

ምስ ጓል ኣንስተይቲ ኮነ ምስ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ስጋዊ ርክብ ኮንዶም ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኺ።
ኮንዶም ብልዕሊ ብሉዕ መሸኒ ወዲ ተባዕታይ እዩ ዝውደ።
ኮንዶም ጽቡቕ መከላኸሊ እዩ።

ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ወይ ኤይድስ ሓበሬታ ምስ ዝደሊ፡ ንመን ክሓትት ይኽእል፧
ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪን ኤይድስን ሕቶታት ምስ ዝህልወኪ ኣብ AIDSBERATUNGSSTELLEN ወይ ድማ AIDSHILFEN ክትውከሲ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ብዙሓት ከተማታት ድማ ይርከቡ።
ነቲ ትረኽብዮ ምኽሪ ትኸፍልሉ የብልክን። ምስ ካልኦት እውን ብዛዕባ ሕቶታትኪ ዝዛረብ የለን።

Text: AWO-Zentrum für Aidsarbeit Schwaben
www.zas-schwaben.de