ኣብ ጀርመን (15) ዕድመይ ከሎ ሽጋራ ከትክኽ ኣይፍቀደንን እዩ። ስለምንታይ? እዚ ናይ ትሕተ ዕድመ ሕጊ ኸ እንታይ እዩ?

እዚ ናይ ትሕተ ዕድመ ሕጊ መናእሰያትን ህጻናትን ካብ ሓደጋ ዝከላኸል ሕጊ እዩ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ግዳም ዝምልከት እዩ። እዚ ማለት ካብ ገዛኻ ምስ ትወጽእ።
ዓበይቲ መናእሰያትን ህጻናትን ሓደ ሓደ ነገራት ከይገብሩ ይኽልክሉ እዮም።
እንተ ዘይከልኪሎም ድማ መቅጻዕቲ ክወርዶም ይኽእል እዩ።

እቲ ሕጊ ህጻናትን መናእሰያት ትሕተ ዕድመን ፈላለዩ ይርኢ።

እንታይ እዩ ንዓኻ ዘይፍቀድ?
ካብ ሰዓት 23 ንንዮው ኣብ ባራት ከተምሲ ኣይፍቀደልካን እዩ።
ገንዘብ ክትበልዓሉ ትኽእል ናይ ቁማር ጸወታታት ክትጻወት ኣይፍቀደካን እዩ።
መስተ ክትሰትን ሽጋራ ከተትክኽን ኣይፍቀደካን እዩ።
ዝኾነ ፊልም “ንዕድሜኻ ዘይምልከት” ክትገዝእን ክትካረን ኣይፍቀድን እዩ።

ንዝኾነ ፊልም ናይ ዕድመ ገደብ ክረኣዮ ዝኽእል ኣለዎ።
ኣብቲ መኽደኒ ካሴት ከኣ ተለጢፍዎ ይርከብ።
እዚ ሕግታት ንናይ መጻወቲ ጌይም ናይ ኮምፕዩተር ከምኡ ‘ውን ናይ ሞባይል ገይም እውን ይምልከት።

ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ክትፈልጥ እንተደሊኻ ኣብዚ ተወከስ፡
https://www.rosenheim.de/fileadmin/Dateien/Jugendamt/Jugendschutztabelle_01.pdf
ንዓበይቲ: እዚ ሕጊ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብዚ ኣብታሕቲ ዘሎ ጌርኩም ንትሕተ ዕድመ ክትእዝዝሎም ትኽእሉ፡
http://www.drei-w-verlag.de/shop/shop/juschg-tabelle-in-6-sprachen.html

ኣነ (ጓል 15 ዓመት) ንበይነይ ክወጽእ ኣይፍቀደንን እዩ። መሓዙተይ ዝኾነ ነገር ክገብራ ከለዋ ኣነ ግን ወይ ይኣብየን ወይ ድማ ሓወይ ሒዘ ክኸይድ ኣለኒ። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ?

ምስ ስድራቤትኪ ብዛዕባ እዚ ክትዛራረብሉ ክትፍትኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ምኽንያቱ፡ ባዕልኺ ዝኾነ ነገር ክትገብሪ መሰል ኣለኪ ብሕጊ።
ሕጊ ትሕተ-ዕድመ ዝበሃል ነገር ኣሎ።
እዚ መሰል እዚ ንኹሎም ህጻናትን መናእሰያትን ኣብ መላእ ዓለም ዝምልከት እዩ።
ሰለስተ ካብዚ ሕግታት ንወለድኺ ክትሕብርዮም ትኽእሊ ኢኺ።

መሰልኪ ክሕለወልኪ ምሉእ መሰል ኣለኪ!
እዚ ማለት: ንስኺ እውን ልክዕ ከም ሓውኺ ብማዕረ ክትረኣዩ ኣለኩም።
ኣብ እዋን ዕረፍትኺ ክትዛወርን ከተዕርፍን መሰል ኣለኪ!
እዚ ማለት: ኣብ ዕረፍቲ እዋን እንታይ ትገብሪ ባዕልኺ ክትውስኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ናይ ውልቃዊ ብሑትነት መሰል እውን ኣለኪ!
እዚ ማለት: ንበይንኺ ግዜ ክህልወኪ ይግባእ፡ ዋላ እውን ምስ መሓዙትኪ።

ምናልባሽ ወለድኺ ኣይክሰምዑኽን ይኾኑ።
ምናልባሽ እውን ምስኦም ደፊርኪ ክትዛረቢ ይኸብደኪ ይኸውን።
ናብ ኣማኸርቲ ኣተዓባብያ ህጻናት ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።
ጸገማት እንተ ኣለዲ ከኣ ኣብኡ ንብሕትኺ ምኽሪ ክግበረልኪ ይከኣል እዩ።
ኣብቲ ቦታ ድማ እቲ ኣማኻሪ ምሳኽን ምስ ወለድኽን ክዛረብ ይኽእል እዩ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣማኸርቲ ትካላት ኣብዚ ትረኽቢ:
http://www.bke.de/?SID=00F-6B8-FCB-4F5
ኣብዚ መርበብ ኣድራሻኺ ምስ ትህቢ ኣብ ጥቃኺ ዘለው ቤት ጽሕፈታት ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣነ ወዲ 14 ዓመት መንእሰይ እየ። ዝኾነ ጌጋ እንተ ገይረ ኣቦይ ይሃርመኒ። ኣነ ነቦይ ብጣዕሚ እየ ዘኽብሮ ግን ካብ ሕጂ ንንየው ክሃርመኒ ኣይደልን እየ። እንታይ እንተበልኩዎ ይሓይሽ?

ብመጀመርያ ሓደ ነገር ክንነግረካ ንደሊ:
ኣብ ጀርመን ቆልዓ ምህራም ኩልኩል እዩ።
እቲ ሕጊ ከምዚ ይብል:
ህጻናት ከይተሃርሙ ክዓብዩ መሰል ኣለዎም።
ወለዲ ንደቆም ብፍላጥ ክጎድእዎም ኣይፍቀድን እዩ።
ኣካላዊ ሞግዳእቲ ከውርዱልካ ኣይፍቀድን እዩ።
መንፈስካ እውን ከህድምዎ ኣይፍቀደሎምን እዩ።
ማህረምቲ ድማ ኣካላውን መንፈሳውን መጉዳእቲ የስዕብ።

ከም ውላድ ወለድኻ መጠን ከኣ እዚ መሰል ኣለካ።
እዚ መሰል እዚ ድማ ህጻናት መንፈሳውን ኣካላውን ጥዕና ሃልይዎም ክዓብዩ ይሕግዝ።
እዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ኣቦኻ በይንኻ ክትዛራረብ ዘይትኽእል ኮይንካ፡ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈታት ኣለዋ።
ኣብ ሙንሸን ኣብዚ ናይ ኢንተርነት አድራሻ ኣቲኻ ኣብ ገዛውትኻ ዝርከቡ ኣማኸርቲ ትካላት ክትረክብ ትኽእል: http://www.muenchen.de/dienstleistungsfinder/muenchen/1053/
ኣብ መላእ ጀርመን ድማ ህጻናትን መናእሰያትን ኣብዚ Nummer gegen Kummer ክድውሉ ይኽእሉ እዮም: 116111
ኣብዚ ካብ ሞባይልካ ብዘይ ክፍሊት ክትድውል ትኽእል ኢኻ።
ካብ ሰዓት 14 ክሳብ ሰዓት 20 ከማኽረካ ዝኽእል ሰብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብዙሕ ግዜ ከብደይ ይቅረጽ ከምኡ ‘ውን ርእሰይ የሕመኒ። ብሓፈሻ እውን ሕማቅ ይስመዓኒ። ሓኪመይ ብዙሕ ክትሕግዘኒ ኣይከኣለትን። ሕጂ ከኣ ናብ ሓኪም ስነ-የእምሮ ክኸይድ ኣለኒ። ተጸሊለ ድየ ዘለኹ?

ጽልልቲ ኣይኮንክን።
መድሃኒት ከሕውዮም ዝኽእል ሕማማት ኣለዉ።
ወይ ምግቢን ዝስተን ብምቅያር ክሕሸኪ ይኽእል።
ገለ ሕማማት ድማ ብኑጹር እንታይ ክሕግዘኪ ከም ዝኽእል ክፍለጡ ዘይክእሉ ኣለዉ።

ናይ ከብድን ርእስን ሕማማት ንኣብነት፡
እታ ሓኪምኪ መበገሲ እዚ ቃንዛ እንታይ ምኻኑ ክትፈልጥ ትፍትን።
ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ ምፍልጥ ከቢድ እዩ። እቲ ጸገም ናይ መንፈሳዊ ጸገም ክኸውን ስለ ዝኽእል።
እታ ሓኪም ባዕላ ክትፈልጦ እንተ ዘይክኢላ ናብ ተራፒስት ተመሓላልፈኪ።
ተራፒስት ዝበሃሉ ናይ ስነ-የእሙራዊ ሓካይም (ፈወስቲ መንፈስ) ብዝርርብ እዮም።
ሓቢሮም ምሳኺ ጠንቂ እቲ ቃንዛ ክረኽብዎ ይፍቱኑ።
እዚ ድማ ንዓኺ ጠቃሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።፡

ጠንቂ እቲ ቃንዛኺ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡
ቃንዛ ካብ ሻቅሎት፡ ፍርሂ ወይ ካብ ሕሉፍ ዘጋጠመ ሕማቅ ዕድል ክመጽእ ይኽእል እዩ።
በአገባብ ተራፒ ድማ እቲ ጠንቂ ቃንዛ ክፍለጥ ይከኣል።
ከምኡ ‘ውን ብኸመይ ክጠፍእ ከም ዝኽእል ይፈልጡ።
ምሕረት ክወርደልኪ ድማ ንምነ!

ኣደይን ዓባየይን ኩሉ ግዜ “ጓል ተጋሕሺና ኮፍ ትብል እንተ ኮይና፡ ድንግልነታ ኣጥፊኣ ኣላ ማለት እዩ” ይብላኒ። እዚ ሓዊ ድዩ?

እዚ ነገር ብኮብ ኣበሃህላ ክፍልጥ ዝኾነ ኣይኮነን።
በቶም ዓበይቲ ወለዶ ኣብ ጥንቲ እዋን ግን ከምኡ ይበሃል ነይሩ።
እዚ ግን ጓል እግራ ኣኪባ መታን ኮፍ ክትብል ኢሎም እዮም ዝብሉ ዝነበሩ።

ከምዚ ተመሳሳሊ ታሪኻት (ብሂላት) ኣለዉ፡
ንኣብነት: „ኣዋልድ ብችግለታ እንተ ዘዊረን ድንግልነተን ይጠፍእ።“
ወይ: „ኣዋልድ ክነጥራ የብለንን ምኽንያቱ፡ ድንግልነታ ስለ ዝቅደድ።“

እዚ ብሂላት ሓደ ሓደ እዋን ንገሊእን ኣዋልድ የፍርሐን እዩ።
ኣዋልድ ኣብ ዝገብርኦ ንጥፈታት ወይ ተግባራት ክቁጠባ ይግድድ።
ገለ ኣዋልድ ድማ ኮምኡ ከይ ገብራ ይፈርሓ።፡

ተመሳሳሊ ሓሳባት ብዛዕባ ጽግያትን ጥንስን እውን ኣሎ፡
ንኣብነት: „ጓል ናይ ኣዴታታ እንተ መጺእዋ ክትሕጸቦ የብላን መታን ከይትሓምም።“
ወይ ድማ: „ጓል ኣብ መሐንበሲ ቦታ ብዘይ ስጋዊ ርክብ እውን ክትጠንስ ትኽእል እያ።“

እዞም ኩሎም ብሂላት ሓቂ ኣይኮኑን።
ጓል እንተ ኮይንኪ፡ ነታ ሓኪምኪ ክትሓትያ ትኽእሊ ኢኺ።፡
ብዛዕባ እዚ ኩሉ ኣርእስቲ እኹል ሓበሬታ ክትህበኪ ትኽእል እያ።

ስድራቤተይ ከም ዝብሉኒ፡ ኣነ (16) ካብዘን ጀርመናውያን መሓዙተይ ክጥንቀቅ ኣለኒ። ኩላተን ምስ ኣወዳት ኣብዚ ዕድመ ደቂሰን ኣለዋ ኢዮም ዝብሉኒ። እዚ ሓቂ ዶ ይኸውን?

መሓዙትኪ ሴክስ ከም ዝገበራ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና።
ሴክስ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ይፍጸም።
ኣባሃህልኦም ግን „ስጋዊ ርክብ“ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ።
ስጋዊ ርክብ ክበሃል ከሎ እቲ ወትሎ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ይኣቱው ማለት እዩ።

ኣብ ጀርመን እምበኣብ ብዙሓት ኣዋልድን ኣወዳትን እንታይ ይገብሩ?
ቀጻሊ ብዙሓት መናእሰያት ይሕተቱ እዮም።፡
ዝህብዎ መልሲ ምስጢራዊ እዩ፡ እዚ ማለት ኣስማቶም ከይ ነገሩ።

ንኣብነት ሓንቲ ክላስ 10 ኣወዳትን 10 ኣዋልድን ኣብ ናትኪ ዕድመ ዘለዎም እሞ ሕሰቢ።
ምናልባሽ ኣርባዕተ ካብኣተን ስጋዊ ርክብ ገይረን ይፈልጣ።
እዚ ማለት: ሽዱሽተ ኣዋልድ ሴክስ ካብ ምግባር ይቁጠባ።
ኣወዳት 16 ዓመት ዘለዎም እውን ተመሳሳሊ እዩ።
ኣወዳት እውን ኣርባዕተ እዮም ኣብቲ ዕድመ ሴክስ ዝገብሩ።

እቶም ዝበዝሑ መናእሰያት ግን እቲ መጻምዲ ወይ እታ መጻምዲ ኣይረኽቡን እዮም።
ገለ ካብ ጥንሲ ይፈርሑ።
ገለ ድማ ገና ነኣሽቱ ዘለው ኮይኑ ይስምዖም ወይ ድማ ካብ ስድርኦም ይፈርሁ።፡
ኩለን ኣዋልድን ኣወዳትን እቲ ንሳቶም ቅኑዕ ዝብልዎ ኣየናይ ብዘየገድስ እንተ ገበሩ እዩ ዝምረጽ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን (ወዲ 14 ዓመት) ኣብ ገጸይ ጸጉሪ ክቦቅለኒ ጀሚሩ። ድምጸይ ከኣ ከም ገለ ክኸውን ጀሚሩ። እዚ ከኣ የሕፍረኒ ኣሎ።

ሰውነትካ ይቀያየር ስለ ዘሎ ስክፍታታት ይገብረልካ ኣሎ።
እዚ ግን ንቡር ነገር እዩ። ትጉብዝ ኣለኻ ማለት እዩ።

ኣብ ሰውነትካ Sexual-Hormone ይፍጠሩ ኣለው።
እዞም ሆርሞናት ድማ ሓድሽ እዮም ንሰውነትካ።
እንታይ ለውጢ ሰውነትካ ክገብር ከም ዘለዎ ይሕብርዎ።
ሰውነትካ ናይ ጉብዝና ለውጢ ከም ዝገብር ይገብሩ።
እዚ ናይ ለውጢ ግዜ „Pubertät“ ወይ ጉብዝና ይበሃል።

ኣብ ቱሽቱሽካን ኣብ ከቢቢ መትሎኻን ጸጉሪ ክቦቅሉ ይጅምሩ።
ጭሕሚ ከተቡቅል ትጅምር እንተ ደሊኻ ድማ ክትላጽዮ ትኽእል ኢኻ።
ድምጽኻ ካብ ናይ ቆልዓ ናብ ናይ ዓቢ ድምጺ ክቅይር ይጅምር
ዘርኢ ከተፍስስ ትጅምር።
እዚ ማለት፡፡ካብ መትሎኻ ፈራዪ ዘርኢ ይወጽእ።
እዚ ለውጢ ግን ብሓደ ለይቲ ኣይኮነን ዝፍጠር፡ ግዜ ዝወስድ መስርሕ እዩ።
ብተወሳኺ ድማ: እቶም ሆርሞናት ስምዒታትካ ብዝያዳ ከም ዝፍለጠካ ይገብሩ።
ሓደ ሓደ እዋን ትሓዝን፡ ሓደ ሓደ እዋን ትሓርቅ፡ ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ኣዚኻ ሕጉስ ትኸውን።
እዚ ኩሉ ምስ ጉብዝና ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ምስ ዕብየት ዝቁጸር።
ኣብ ዝኾነ እዋን ድማ እቲ ናይ ስሚዒት ለውጥታት ቀስ ኢሉ ይረጋጋእ።

ኣብ ክላሰይ ሓንቲ ጓል 17 ዓመት ጓል ኣላ። ሓደ መዓልቲ ግን ኣነ ወዲ እየ ኢላትና። እዚ ግን ነዓይ ጋን ኮይኑኒ! ብኸመይ ምስኣ ክቀርብ ይኽእል?

ዋካ እውን ጋን እንተኮነኪ ክርድኣና ይኽእል እዩ።
እስኺ ጥራይ ዘኮንክስ ብዙሓት መናእሰያት እውን ይደራበሹ እዮም ኣብ ከምዚ ኩነታት።
ንሳ ግን ብዛዕባኣ ኣገዳሲ ዝኾነ ምስጢ ብዛዕባኣ እያ ተዛሪባትክን: ከም ወዲ ኮይኑ ይስምዓ።
እቲ ኣካላዊ ጾታኣ ምስ ናይ ስምዒታዊ ኣተሓሳስባኣ ኣይመጣጠንን እዩ።

ንሕና ክንገልጸልኪ ንደሊ እምበኣር:
መን ኢኺ? እንታይ ትመስሊ? እዚ ናትኪ „መንነት“ እዩ።
እዚ „ጾታዊ መንነት“ ነዓኺ ነብስኺ ከመይ ትርእይያ እዩ ዝነግር።
እቲ ስምዒታዊ ጾታ ምስ ኣካላትኪ ዘይሰማማዕ ኮይኑ :
„Trans-Identität“ ወይ „Trans-Gender“(ጾታዊ-ልዋጠ) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
እዚ ማለት ገለ ደቀንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኮይኑ ይስምዕን።
ገለ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ከም ደቂ ኣንስትዮ ኮይኑ ይስመዖም።
ገለ ሰባት ከኣ ከም „inter-sexuell“ ኮይኖም ይውለዱ።
እዚ ማለት፡ ኣካላቶም ኣይ ወዲ ኣይ ጓል ኣንስተይቲ ማለት እዩ።
Manche von ihnen fühlen sich auch weder als Mann noch als Frau.
ከምዚ ትርእዮ ዘለኺ: ብዙሕ ዓይነት ጾታዊ መንነት እዩ ዘሎ!
ስለዚ ምስኣ ወይ ድማ ምስኡ ልክዕ ከም ቀደምኪ እንተ ኾንኪ ጽቡቅ እዩ።
ወይ ድማ ንዓኣ ወይ ንዕኡ እንታይ ከም ዝደሊ ሕተቲያ/ዮ።
ንኣብነት ኣታ ድዩ ወይስ ኣቲ ክባህል ድዩ ዝደሊ ሕተትያ/ዮ።

ሓደ ዓርከይ (ወዲ 16 ዓመት) ከም ዘዕለለኒ: ኣብ ጀርመን ንጓል ኣብ መዓኮራ እንተ ሒዝካያ ወላሓንቲ ዝብለካ ሰብ የነን። እዚ ሓቂ ድዩ፧

እዚ ሓቂ ኣይኮነን።
ካብ ሕዳር 2016 ጀሚሩ ሓዲሽ ሕጊ እውን ወጺኡ ኣሎ።
ምናልባት ዓርክኻ ብዛዕባ እዚ ኣይፈለጠን ከይከውን።

ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ እምበኣር፡
ሰብ “ብዓይኒ ስጋዊ ርክብ” ንኻልእ ሰብ ብዘይ ድሌት ኣብ ሰውነቱ ክሕዝ ኣይፍቀድን እዩ።
“ብዓይኒ ስጋዊ ርክብ” ክበሃል ከሎ፡
እቲ ምትንካፍ ምስ ስጋዊ ርክብ ዝተሓሓዝ ዓይነት እንተ ኮይኑ።
እቲ ምትንካፍ ኣብ ናይ ስጋዊ ርክብ ቦታታት እንተ ኮይኑ።
ንኣብነት ኣብ መዓኮር፡ ኣብ ኣጥባት፡ ወይ ውን ኣብ መንጎ ሰለፍ።
እዚ “ምድፋር ብስጋዊ ርክብ” ወይ „sexuelle Belästigung“ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኩሉ ሰብ ባዕሉ እዩ ዝውስን ብኸመይ ክትንከፍ ከም ዝደሊ።
ኩሉ ሰብ ድማ ባዕሉ እዩ ዝውስን ኣበይ ክትንከፍ ከም ዝደሊ።
እዚ ድማ “ናይ ስጋዊ ርክብ ርእሰ-ውሳኔ” ወይ „sexuelle Selbst-Bestimmung“ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
እዚ መሰል ንኹሉ ወድ-ሰብ እዩ።
ዝኾነ ሰብ ነዚ ዝጥሕስ ድማ ክቕጻዕ ግድን እዩ።

ኣነ (ወዲ 16 ዓመት ወዲ) የሕዋተይ ኣዋልድ ምስ ኣወዳት ከይወጻ ክቆጻጸረን ኣለኒ። ኣብ ደገ እውን ስነ-ስርዓት ክገብራ ኣለወን። እዚ ከኣ ንስድራይ ክብረት እዩ። ስለዚ ነዓይ ሓላፍነት ሂቦምኒ ስድራይ ነሕዋተይ ክሕሉ። እዚ ግን ነዓይ ከቢድ እዩ ስለዚ እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፧

ነሕዋትካ ምሕላው ከቢድን ዓቢ ሓላፍነትን እዩ።
ንኣሕዋትካ እውን ኣይምቹእን እዩ።
ንዓኻ እውን ሂወትካ ኮነ መዓልትኻ ከም ድላይካ ከተስተማቕሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ክብረት ወለዲ ኣብ ብዙሓት ስድራቤት ኣገዳሲ እዩ።
ንዓኻን ንስድራቤትካን ክብረት እንታይ ማለት ምዃኑ ሕሰብ።
ብፍላይ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
ሓፍትኻ ምስ ሓደ ወዲ እንተ ወጺኣ እንታይ ትገብር፧
ሕማቕ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ከምዚታት ንውላዶም ዘጋፍዑ ስድራቤት ኣለዉ።
ክሃርምወን ከለዉ ድማ ንኽብረት ስድራቤት እዮም ዝብሉ።
ክብረት ግን ብግፍዕን ማህረምትን ክትካእ ኣይክእልን እዩ።

ካልኦት መናእሰያት ከምዚ ዘኣመሰለ ናይ ክብረት ዕዮ ምውሳድ ዝኣበዩ ኣለው።
“ክብረት ነዓይ፡ ንነጻነት ሓፍተይ ክቃለስ ከለኹ እየ” ዝብሉ እውን ኣለዉ።
ብኸምዚ እውን ክብረት ክርእ ይከኣል እዩ።
ምናልባት ንዓኻ ክትሓስበሉ እውን ይጽግመካ ይኸውን።
ምናልባት ሓገዝ ካብ ካልኦት መናእሰያት የድልየካ ይኸውን።
ምስ ፍሉይ ኣረኣእያ ዘለዎም መናእሰያት ብዛዕባ ክብረት ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።
ምናልባት ይሕጉዝኻ ይኾኑ ክብረት እንታይ ምዃኑ ንዓኻ ንኽትውስን።
ኣብዚ ኣድራሻ ኣለካ፡
www.heroes-net.de (ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት)
http://www.aufbruch-neukoelln.de/