የዕሩኽተይ (ደቂ 15 ዓመት መናእሰያት) ናብ ከተማ ብምኻድ ኣዋልድ ይጻረፉን ይተናኽፉን። ምስኣቶም ከምኡ ክገብር ኣይፈቱን እየ። እንታይ ተገበርኩ ይሕሸኒ፧

የዕሩኽትኻ ጸወታ ኣይኮኑን ዝጻወቱ ዘለዉ።
እዚ ተግባራት እዚ ኣብ ጀርመን ኩልኩል እዩ።
ክቕጽዑ እውን ይኽእሉ እዮም።

ኣዋልድን ኣንስትን ሓደ ዓይነት መሰል ምስ ኣወዳትን ሰብኡትን ኣብዚ ሃገር ኣለዎም።
ክድፈራ እውን ኣይግባእን።
ዋላ ሓደ ሰብ እውን ብዘይ ድሌተን ክትንክፈን መሰል የብሉን።
ዋላ ሓደ ሰብ እውን ወይ ከፈራርሀን ወይ ክጎድእን መሰል የብሉን።

ምስ የዕሩኽትኻ ናብቲ ዝኸድዎ ኣይትኺድ።
ምስኦም እንተ ኣለኻ ክትልከም ትኽእል ኢኻ።
ዋላ ንስኻ ኣዋልድ ኣይትዳፈር።

የዕሩኽትኻ ምናልባት ይተኻቱኹኻ ይኾኑ።
ምስኦም ክትህሉ ይደልዩ ይኾኑ።
እስኻ ድማ የዕሩኽቲ ትደሊ ትኸውን።
ስለዚ “እምቢ” ክትብል ብዙሕ ድፍረት የድልየካ ይኸውን።

ሓደ ዓቢ ሰብ ክሕግዘካ ሕተቶ።
ምናልባት እሱ ወይ እሳ ብኸመይ ካብዚ ትእለ ዝኾነ ርእይቶ ይህልዎ ወይ ይህልዋ ይኸውን።
ገበን ምፍጻብ ኣም መጻኢ ብሩህ ሂወትካ ዓቢ ሳዕቤን ከውርድ ይኽእል እዩ።

ኣነ (ጓል 13 ዓመት) ኣብ ዓደይ ከም ዝፈልጦ፡ ኣወዳት ዑጉግ ይብሉንን ይተሓሕዙንን ነይሮም። ኣብዚ ድማ ልክዕ ከምኡ። ብጣዕሚ እየ ዝሓፍር። መን ከ ክሕግዘኒ ይኽእል፧

እቶም ኣወዳት ዝገብርዎ ነገራት፡ ኣብ ጀርመን ኣብዚ እዋን እዚ ኩልኩል እዩ።
ዘሕፍር የብልክን።
እዞም ኣወዳት ዝገብርዎ፡ ከቕጽዖ ይኽእል እዩ።

ኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ጀርመን ልክዕ ከም ኣወዳትን ሰብኡትን እዩ ማዕረነት ዘለወን።
ክዋረዳ ኣይግብኡን እዩ።
ዋላ ሓደ ሰብ እውን ብዘይ ናተን ድሌት ክትንክፈን መሰል የብሉን።
ዋላ ሓደ ሰብ ድማ ከፈራርሐን ኮነ ክጎድእን መሰል የብሉን።

ስለዚ ሓገዝ ጸውዒ።
ንመምህርኪ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንገርያ።
ወይ ድማ ንዝኾነ ትኣምንዮ ሰብ ንገርዮ።

ከምዚ ዓይነት ድፍረት ኣወዳት ብኸመይ ትምክትዮ ክትመሃርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ምል ካልኦት ከማኺ ኮንኪ ኮርስ ክትቀስሚ ትኽእሊ ኢኺ።
ብድሕሪ እዚ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃንኪ ነብስኺ ክትፈልጥያ ኢኺ።
ወይ ድማ ማዓስ ክትሃድሚ ከም ዘለኪ ትፈልጢ።
ከምኡ ‘ውን እንታይ ክትብሊ ከም ዘለኪ ትፈልጢ።
ከምኡ ድማ መን ክሕግዘኪ ከም ዝኽእል ትፈልጢ።
ከምዚ ዓይነት ኮርስ ምስ መሓዛኺ ኮይንኪ እውን ክትሳተፊ ትኽእሊ ኢኺ።
መምህርኪ ኣበይ ቦታ እቲ ኮርስ ክትወስድዮ ከም ትኽእሊ ክትሕብረኪ እያ።
እንተ ደሊኺ እውን እታ ናይ ቤት-ትምህርቲ ሳይኮሎጂስት ወይ ናይ ሶሻል ሰራሕተኛ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ክትወክስየን ትኽእሊ ኢኺ።

ጌጋ ትገብርዮ ወላሓንቲ የለን
እቶም ኣጉባዝ እዮም ሓላፍነት ዝወስዱ ካብ ከምዚ እውን ክውገዱ ዘለዎም።

ብምስዓም ክጥነስ ይከኣል ድዩ፧

ብምስዓም ጓል ክትጠንስ ኣይትኽእልን እያ!
ክጥነሰሉ ዝከኣል እንቲ እንኮ መንገዲ፡ እንተ ደኣ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ብልዕቲ ኣትዩ ወይ ድማ ኣብቲ ብልዕቲ ፈሲሱ እዩ።
ስለዚ ስጋዊ ርክብ ምስ ትፍጽም ጥራይ እዩ ዘጋጥም።
እዚ ከማን ብሉዕ መሸኒ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ብልዕቲ ዋላ ንሓጺር እዋን እንተ ኣትዩ ጥራይ እዩ።
ካብቲ መሸኒ ዘርኢ ይወጹ።
እዞም ዘርእታት ነታ እንቋቕሖ ጓል ኣንስተይቲ ከጫጭሕዎ ይኽእሉ።
ኣብ እዋን ጽግያት እውን ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ!
ክትጠንዚ ዘይትደልዪ እንተ ኮይንኪ ኩሉ ግዜ ብመከላኸሊ ተጠቒምኪ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም እዩ እቲ ውሑስ ኣገባብ።

ዝተፈላለዩ መከላኸሊ ጥንሲ ኣለዉ።
ኣስተምህሮ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ እንዳ ሓኪም ወይ ውን ኣብ ቤት-ምኽሪ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ኮንዶም ኣብ ኩሉ ቦታ ክግዛእ ይከኣል እዩ፡ ኣብ ሱፐር ማርኬት፡ ኣብ ፋርማሲ ወይ ዱኳን።
ውሑስን ካብ ካልኦት ሓማማት እውን ዝከላኸልን ኣገባብ እዩ።
ከኒና፡ ኣብ ማህጸን ዝኣቱው፡ ናይ ብልዕቲ ቀለቤት ዘኣመሰሉ ከኣ ሆርሞን ዘለዎም መከላኸሊ ጥንሲ እዮም።
ብሓኪም ጥራይ እዮም ድማ ተጻሒፎም ዝወሃቡኺ።

ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ከኣ ኣብ ፋርማሲ ብድሕሪ ስጋዊ ርክብ ዝውሰድ መድሃኒት ኣሎ።
“ሓደጋ” ክበሃል ከሎ፡ መከላኸሊ እንተ ዘይተጠቒምኪ ወይ ውን እንተ ኣጋጢሙ ማለት እዩ።
እቲ መድሃኒት ብድሕሪ ስጋዊ ርክብ ዝውሰንድ ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ጥራይ እዩ ክውሰድ ዝከኣል።

Text: pro familia München e.V.

ኣነ ጓል 13 ዓመት እየ። ኩሉ ሰውነተይ ይቀያየረኒ ኣሎ። ደሓን ድየ ዘለኹ፧

ሰውነትኪ ይቀያየር ስለ ዘሎ ትሻቒልኪ ኣለኺ።
እዚ ግን ዋላሓንቲ ጸገም ኣይኮነን።
ኩለን ኣዋልድን ኣወዳትን ክግቡዙ ከለዉ ኣካላቶም ይለዋወጥ እዩ።

ብድሕሪ እዚ ዘጋጥመኪ ነገራት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
ኣብ ኣካላትኪ ካብ ሕጂ ንነየው “Sexualhormone” ዝበሃሉ ነዝዕታት ይፍጠሩ።
እዞም ሆርሞናት ንኣካላትኪ ሓዲሽ ነገር እዮም።
እንታይ ክቕየር ከም ዘለዎ ንኣካላትኪ ይሕብሩ።
እዚ ለውጥታት ጉብዝና ወይ „Pubertät“ ይበሃል።

ኣብ ትሽቱሽኪ ኮነ ኣብ መሕፈሪኺ ጸጉሪ ክቦቅል ይጅምር።
ብዝያዳ እውን ክትርህጺ ትጅምሪ።
ምናልባሽ እውን ፈጸጋ ኣብ ገጽኪን ኣብ ሒቖኽን ክወጸኪ ይኽእል እዩ።
ጸጉርኺ ስቡሕ እንዳ ኾነ ይመጽእ። ቀጻሊ ድማ ክሕጸብ ኣለዎ።
ናይ ኣዴታትኪ ጽግያት ድማ ይመጸኪ -> Periode.
ኣጥባትኪ ክዓብያ ዝጅምራ።
ሓምሓም ኣጥባትኪ ይዓብያን ይጽልማን።

ብተወሳኺ፡ እቲ ሆርሞን ስምዒትኪ ኣጸቢቑ ከም ዝስመዓኪ ይገብሩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ቀልጢፍኪ ትሓርቂ፡ ሓደ ሓደ እዋን ጸር ጸር ትብሊ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ሕጉስቲ ትኾኒ።
እዚ ኩሉ ምስ ጉብዝና ይቑጸር።

ዓርከይ ዘርኢ ፈሲሱኒ ኢሉኒ። እንታይ ማለቱ እዩ፧

ኣወዳትን ኣሰብኡትን ዘርኢ ከፍስሱ ይኽእሉ እዮም።
ካልእ ናይዚ ከቢስ ስሙ „Ejakulation“ ይበሃል።

እዚ መለት ፈሳሲ ካብ ብልዕቱ ይወጽእ ማለት እዩ።
እዚ ሓደ ሓደ እዋን ኣብ እዋን ድቃስ የጋጥሞም እዩ።
ወይ ድማ ሓደ ወዲ ተባዕታይ መሸኒኡ ምስ ዝፍሕፍሕን ዝደርዝን ከምዚ የጋጥም እዩ።
መብዝሕትኡ ግዜ ድማ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ምስ ሰብ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ከሎ የጋጥም።

ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ከቢድ ስሚዒት ኣትዩ ኣሎ ማለት እዩ።
እታ ናይ መወዳእታ ስምዒት “Orgasmus” ትበሃል።
ኣብቲ ናይ መወዳእታ ከቢድን ጽቡቕን ስምዒት ምስ በጻሐ እቲ ፈሳሲ ካብ መሸኒኡ ይወጽእ።
ገለ ቁሩብ ፈሳሲ እውን ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ስምዒት ወይ Orgasmus ክወጽእ ይኽእል እዩ።
እቲ ፈሳሲ ህጻን ምስ ጎበዘ ስፐርም ዝበሃል ነኣሽቱ ዘርኢ ትሕዝቶ ኣለዎ።

እቲ ዘርኢ ምስ እንቋቕሖ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ዝራኸብ ቆልዓ ክፍጠር ይኽእል እዩ።
እቲ እንቋቕሖ ናይታ ጓል ኣብ  ማህጸን ኣሎ።
ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ እቲ ናይ ወዲ መሸኒ ኣብ ብልዕቲ ጓል ይኣቱ።

ዘርኢ ክፈስስ ከሎ ሕማቕ ኣይኮነን።
ኣወዳትን ኣሰብኡትን ኣብዚ ኩነታት ጽቡቕ ስምዒት እዩ ዝስምዖም።
መብዝሕተኦም ኣወዳትን ኣሰብኡትን ክቑጸሩ ዘይክእሉ ግዜ ኣብ ሂወቶም ዘርኢ የፍስሱ።
ብጌጋ ቆልዓ መታን ከይጥነስ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ  ኮንሶም ክጥቀሙ ኣለዎም።
ብተወሳኺ እውን ኮንዶም ካብ ክልኦት ዘየድልዩ ሕማማት ይከላኸለሎም ።

ስድራቤተይ ከም ዝመሃሩኒ ንፍዕቲ ጓል ንወዲ ትምርዖ እዩ። ብድሕሪ እዚ ድማ ቆልዑ ይወልዱ። ኣነ ግን ክምርዖ ወላሓንቲ ድሌት የብለይን። ኣነ ንፍዕቲ ጓል ኣይኮንኩን ማለት ድዩ፧

ኣብ ጀርመን ደቂ ሰብ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይነብሩ።
ኣብዚ ውሑዳት ኣብነታት ክንህበኪ:
ገሊእን ኣዋልድን ኣወዳትን ተመርዒዮም ውላድ ይወልዱ።
ገለ ኣሰብኡትን ኣንስትን ከይተመርዓዉ ይወልዱ።
ገለ ኣሰብኡትን ኣንስትን ድማ ተመርዒዮም ብዘይ ውላድ ይነብሩ።

ገለ ሰብ ሓዳር ድማ ይፈላለዩ ወይ ይፋትሑ።
እዚ ማለት ዝምድንኦ ተበቲኹ ማለት እዩ።
ገለ ካብዚኣቶም ቆልዑ ኣለውዎም።
እቶም ቆልዑ ከኣ ወይ ምስ ኣብኦ ወይ ምስ ኣዲኦም ጥራይ ይቕመጡ።

ገለ ኣሰብኡትን ወይ ደቅንስትዮ homosexuell እዮም።
ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎ ሰብ ዝምድና ይገብሩ ።
ገለ ሰባት ድማ ኣብ ናይ ሓባር ገዛ ይነብሩ።
እዚ ማለት: እቶም ሰባት ዋላ እኳ ኣብ ሓደ ገዛ እንተ ተቐመጡ ፍቑራት ወይ ስድራቤት ግን ኣይኮኑን።
ብዙሓት ኣወዳትን ኣዋልድን እውን ልዕሊ ዕድመ ምስ ኮና ንበይነን ይቕመጣ እየን።

ዝኾነ ሰብ እንታይ ይደሊ ባዕሉ ክውስን ኣለዎ።
ኩሉ እዚ መነባብሮታት ኣብ ጀርመን ፍቑድ እዩ።
ካብዞም ዝተጠቕሱ ኣብነታት ዝበለጸ ወይ ዝሓመቐ ዝበሃል የለን።
ዝኾነ ይኹን ሰብ እውን ብሰንኪ እዚ ክንጸልን ክዋረድን ኣይፍቀድን እዩ።
ስለዚ ክትምርዓዊ እንተ ዘይደሊኺ ሕማቕ ኣይኮነን።
ብዘንክ እዚ፡ ንስኺ እውን ሕማቕ ጓል ኣይኮንክን

ኣነን ዓርከይን ደቂ 17 ዓመት ኢና። ንሳ ጓል ከምዘፍቀረት ምስ ነገረትኒ ዝሓስቦ እዩ ጠፊኡኒ። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፧

ልክዕ ከም ቀደምኪ ኩኒ።
ንሳ ምስ ከምኣ ጾታ ዘለዋ ሰብ እያ ፍቕሪ ሒዝዋ።

ምስ ናትኪ ኣንጻር ዝኾነ ሰብ ፍቕሪ ምስ ዝሕዘኪ “heterosexuell” ትበሃሊ።
ምስ ከም ናትኪ ጾታ ዘለዋ ሰብ ምስ ተፍቅሪ ከኣ “homosexuell” ትበሃሊ።
ጓል ምስ ጓል እንተ ኮይኑ “lesbisch” ይበሃላ።
ወዲ ምስ ወዲ ድማ “schwul” ይበሃሉ።
ስሚዒቱ ባዕሉ ክመርጽ ዝኽእል ሰብ ዋላ ሓደ የለን።
ገሊኦም ሰባት ስሚዒቶም እንዳ ተቐየረ ይመጽእ።
ደሓር ሓንሳብ homosexuell ይኾኑ ሓንሳብ ድማ heterosexuell ይኾኑ። እዚኦም ድማ “bisexuell” ይበሃሉ።
እዚ እውን ንቡር እዩ።
ኣዚ ዝተፈላለየ ዓይነት ዝምድና ኣብ ኩለን ሃገራት እዩ ዘሎ።
ሕማቕ ኮይኑ ግን እዚ ተግባር ኣብ ኩለን ሃገራት ኣይኮነን ፍቑድ።

ንቡዝሓት ደቀንስትዮ ኮነ ንቡዝሓት ደቂ ተባዕትዮ homosexuell እንተ ኮይኑም ኣዝዩ ከቢድ እዩ።
ስለዚ መሓዛኺ እንተ ኮምኡ ኢላ ክትነግረኪ ከላ ቀሊል ኣይነበረን ንዓኣ።
ቁሩብ ድፍረት እውን የድሊ እዩ።
እዚ ዘርእየካ ነገር ግን፡ መሓዛኺ ብጣዕሚ ከም ትኣምነኪ እዩ።

ምናልባት ኣይርደኣክን ይኸውን ስለምንታይ ንሳ ንጓል ኣፍቂራ።
ክትርድእዮ እውን የብልክን።
ኣገዳሲ ነገር ግን፡ እታ መሓዛኺ ጠባያ ወላሓንቲ ኣይተቐየረን።
ምናልባት ምሳኺ እውን ፍቕሪ ከይሕዛ ፈሪሕኪ ትኾኒ።
መብዝሕትኡ ግዜ ግን ኮምኡ ኣየጋጥምን እዩ።
ከም ቀደምክን መሓዙት ክትኮና ትኽእላ ኢኽን።
ጽን ኢልኪ ክትሰምዕያ ኣለኪ ከምኡ ‘ውን ክትጻወቲ ትኽእሊ ኢኺ።
መሓዛኺ ድማ ኩሉ ግዜ ማሓዛኺ ክትከውን ትስፉዋት ኢና።
ትፍቶ መሓዛ ክትህልወካ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ እዩ።

ኣነ (ጓል 16 ዓመት) ቅድሚ ሕጂ ስጋዊ ርክብ ስለ ዝገበርኩ ድንግልናይ ኣፍሪሰዮ። ኣብ ስድራቤተይ እዚ ከም ክብረትካ ምቕንጣጥ እዩ ዝቑጸር። ስለዚ ስደራይ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ከይፈልጡ ብጣዕሚ እየ ዝፈርህ። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፧

እዚ ጉዳይ ንዓኺ ከቢድ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ።
ስለዚ እዚ ዝስዕብ ክትፈልጢ ኣገዳሲ እዩ፡
ክብረት ሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዝተፈላለየ መዕቀኒ ኣለዎ።

ኣብ ጀርመን ንኣብነት ክብረት ዘቐንስ ነገር:
ሕጊ ወይ ስርዓት ዘይተኽብር ምስ ትኸውን
ህጻናት ወይ ደቀንስትዮ ዝወቅዕን ዝጋሰስን
ክብረት ምህላው ማለት ድማ፡ ንዝተሸገረ ሰብ ምሕጋዝን ምትሕብባርን እውን ማለት እዩ።

ኣብ ካልእ ባህልታት ድማ ክብረት ብኻልእ መዳይ ይትመን:
ኣብ ገሊኡ ባህሊ ክብረት ማለት፡ ጓል ክሳብ ሓዳር ትገብር ብድንግላ ክትጸንሕ ከላ እዩ።
ወይ ድማ ጓል ኮነ ወዲ ተባዕታይ ስድራቤታ ዘምጽኡላ ወይ ዘምጽኡሉ ሰብ ክምርዖ ከሎ ማለት እዩ።
እዚ ውሳኔታት ባዕልኺ ክትውስንዮ ኣለኪ።
ናይ ውልቅኺ መሰል እዩ እዚ!
ዋላሓደ ሰብ መሰልኪ ክግህዘኪ ኣይክእልን እዩ።

ስድራቤትኪ ካልእ ርእይቶ እንተለዎም ወይ ጸቕጢ ዝገብሩልኪ እንተ ኮይኖም ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ብሰንኪ ምፍራስ ድንግልናኺ ስድራቤትኪ ጸቕጢ ክገብሩ ግቡእ ኣይኮነን ኣብዚ ሃገር።
ሓገዝ ትረኽብሉ ኣድራሻ:

http://www.scheherazade-hilft.de/

http://www.imma.de/einrichtungen/fachstelle-zwangsheirat/kontakt.html

https://profamilia.sextra.de/pages/sextra/beratung/onlineberatung/fragen/

http://www.fpz-berlin.de/

ኣብ እዋን ጉዕዞ ናብ ስደት (መንእሰይ፡ ወዲ13 ዓመት) ምስ ክልተ ኣወዳት እየ ኣሕሊፈዮ። እዞም ሰባት ዘጽልኣካን ዘሕፍርን ነገራት ጌሮሙኒ። ሕጂ ኣነ ግብረ ሰዶማዊ ድየ፧

ግብረ ሰዶም ማለት:
ሓደ ወዲ ንሓደ ወዲ ከፍቅሮ ከሎ
ወይ ድማ ሓንቲ ጓል ምስ ካልእ ጓል ፍቕሪ ክሕዛ ከሎ ማለት እዩ።
እዚ ማለት ብናይ ክልቲኦም ድሌት ነንሓድሕዶም ስጋዊ ርክብ ክፍጽሙ ከለዉ እውን እዩ።
ሰባት፡ ሽቩል ንወዲ ለስቢሽ ድማ ን ጓል እንዳበሉ የሰምይዎም።

ከምዚ ዓይነት ነገር ከይፈተኻ እንተ ጌርካ፡
ናይ ስጋዊ ርክብ ዓመጽ ጌሮም ማለት እዩ።
እዚ ኩልኩል እዮ። ዓበይቲ ንትሕቲ ዕድመ ከምዚ ንኸምዚ ተግባር ምስ ዝግድድዎም ብኸቢድ ገበን ይፍርዱ።

ሓንቲ ንእተይ ታሪኽ ክንነግረካ:
ኣብ ሓንቲ ገረብ ደዪብካ ኣብ ሕንቲ ጨንፈር ኮፍ ትብል።
ሃንደበት ሓደ ሰብ ናብቲ ገረብ ደዪቡ ካብቲ ጨንፈር ደፊኡ የውድቐካ።
ወዲቕካ ቃንዛ ትመውት።
ምውዳቕካ ናትካ ጉድለት ኣይኮነን ነይሩ።
ሓደ ሰብኣይ ኢዩ ደፊኡካ።
ናብቲ ገረብ መሊስካ ምስ ደየብካ ዋላ ሓደ ሰብ የለን።
ከም እንደገና ግን ኣይትወድቕን ኢኻ።
ተደሊኻ ኣብኡ ኮፍ ትብል ተደሊኻ ኣብ ካልእ ጨናፍር ትኸይድ።
ስለ ዝተደፋእካ ኢኻ እምበር፡ ኩሉ ግዜ ካብ ገረብ ትወድቕ ማለት ኣይኮነን።

እዚ ማለት: ሰብ ብስጋዊ ርክብ ስለ ዝዓመጸካ ግብረ ሰዶማዊ ኢኻ ማለት ኣይኮነን።
ግብረ ሰዶም ዲኻ ትፈቱ ወይ ኣይኮንካን ባዕልኻ ቀስ ኢልካ ክትፈልጥ ኢኻ።
ምስ ካልእ ወዲ ፍቕሪ ክሕዘካ ከሎ እዩ ዝፍለጠካ።

ኣብቲ ኣነ ዝነብረሉ ሓደ ጥዑም ዋርድያ ኣሎ። ብዙሕ ይተሓባበረኒን የፍቅደለይን። ትማሊ ግን ብዙሕ ግዜ ነብሰይ ይተሓሕዘኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ከምዚ ኣይፈቱን እየ። እንታይ ክገብር ይኽእል፧

ምናልባት ትሓስቢ ትኾኒ:
እቲ ዋርድያ ይሕልወኒ ይኸውን።
ብዙሕ ይሕግዘክን የፍቅደልክን ።
ምናልባት እንተ ደኣ ነጊርክሉ ኣይሕግዘክን ይኸውን።
ምስ መን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትዛረቢ ከም ትኽእሊ ኣይትፈልጥን ትኾኒ።

እንተ ደኣ እቲ ዋርድያ ተሓባቢሩኪ ናቱ ውሳኔ ጥራይ ይኸውን።
ይኹን ደኣምበር እንተ ደኣ ንስኺ ዘይትደልይዮ ነገራት ገይሩ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን።
መን ነብስኺ ክትንክፈኪ ከም ዝኽእል ባዕልኺ ጥራይ ኢኺ ትውስኒ።

ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ክሕግዙኺ ዝኽእሉ።
ነዚ ሓገዝ እዚ ምስጋና ጥራይ እዩ ዘድልየኪ፡ ካልእ ትገብርዮ ነገር የብልክን።
ዝኾነ ሰብ ክሕግዘኪ ምስ ዝደሊ፡
ዘይትደልዮ ነገር ክገብር የብሉን።

ምስ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትዘራረቢ ጽቡቕ እዩ።
ናብቶም ናይ ሶሻል ሰራሕተኛታት መንበሪኺ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።
ወይ ከኣ ምስ ኣማኸርቲ ናይ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ክትዛራረቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ናይ ኣማኸርቲ ኣድራሻ ኣብዚ ትረኽቢ፡
http://www.zanzu.de/de/hilfe-beratung

https://www.hilfeportal-missbrauch.de/nc/adressen/hilfe-in-ihrer-naehe/kartensuche.html?tx_nxshelpdesk_helpdesk[institutionType]=21