ብሰንኪ ጉዕዞ ናብ ስደት ከቢድ ዕዳ ተሰኪመ ኣለኹ። ዕዳይ ድማ ክመልሶ ስለዘለኒ ተጨኒቐ ኣለኹ። መን ክሕግዘኒ ይኽእል፧

ብዙሓት ደቀንስትዮ ተመሳሳሊ ጸገማት ኣለወን።
ኣብ ኤውሮፓ ከም ተሓዚት ቆልዓ ወይ መሻጢት ክሰርሓ ይደልያ።
መብዝሕትኡ ግዜ ድሕሪ ጐዕዞ ናብ ስደት ከቢድ ዕዳ ኣለወን።
ነዚ ዕዳ ክኸፍላ ድማ ክሰርሓ ይጅምራ።
ስለዚ እተን ደቅንስትዮ ኣብ ዘይደልይኦ ስራሕ ክሰርሓ ይጅምራ።

ገለ ካብእን ይሃድማ እየን።
ብዛዕባ ዘጋጠመን ነገር ግን ክዛረባ ኣይደልያን እየን።
ስለ ዝፈርሓ:
እንተ ተዛሪበን ንስድራቤተን ወይ ንባዕለን ገለ ከይኮና ይፈርሓ።

ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙኪ ድዩ፧
ንዝኾነ ሰብ ብዛዕብኡ ከይትዛረቢ ኣምሒሎሙኺ፧
ኣብ SOLWODI ንኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ሽግረን ክሕግዛ ዝኽእላ ደቀንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣለዋ።
ነዐእን ኩሉ ጸገምኪ ክትገልጽለን ትኽእሊ ኢኺ።
ተዳሃይየን እሞ ሓቢርክን ፍታሕ ትረኽባ ትኾና ኢኽን።

SOLWODI ሙንሸን: 089/27275859
ወይ ድማ ኣብ ኢንተርነት: www.solwodi.de

Text: SOLWODI München

ኣነ (ጓል 13 ዓመት) ኣብ ሞታንታይ ደም መጺኡኒ። ሓሚመ ዲየ ዝለኹ?

ንመጀመርያ ግዜ „ጽግያትኪ“ ወይ ናይ ኣዴታትኪ እዩ ክኸውን ዘለዎ።
ኣብ ገለ ስድራቤት ወይ ሃገራት ፌስታ ዝግበረሉ እዋን እዩ እዚ።
እዚ ከም ዝጎበዝኪ እዩ ዘርእይ።

„ጽግያት መጺኡኪ“ ክበሃል ከሎ:
እቲ ኣብ ስረኺ ዘሎ ደም ካብ ብልዕትኺ ዝመጸ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ብልዕትኺ ሓንቲ ንእሽተይ በዓቲ ኣላ።
እዛ በዓቲ ማህጸን ትበሃል።
ጥቃ ማህጸን ከኣ ክልተ ማሕደረ እንቋቅሖ ኣለዋ።
ኣብ መንጎ እታ ማሕደረ እንቋቅሖን ማህጸንን ድማ መደየቢ እንቋቅሖ
ካብቲ ማሕደረ እንቋቅሖ ብገምጋም ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ሓንቲ ንኡሽቶይ እንቋቅሖ ናብቲ መደየቢ ትወድቅ።

ኣብዚ እዋን እዚ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።
እዚ ንኽፍጠር ግን ምስ ሓደ ሰብኣይ ወይ ምስ ሓደ ወዲ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽሚ ኣለኪ።
ነዚ ክትገብሪ ግን ገና ንእሽቶይ ኢኺ ዘለኺ።
ኣብ ስጋዊ ርክብ ግን እታ እንቋቅሖ ብዘርኢ ወዲ ተባዕታይ „ትቦቅል“, እዚ ማለት ጥንሲ ሒዝኪ ኣለኺ ማለት እዩ።
እታ እንቋቅሖ ኣብ ማህጸን እያ ትዓቢ።
ንስኺ ግን ጥንሲ ስለ ዘይብልኪ፡ ደም ካብ ብልዕትኺ ይወጽእ።
ካብ ሕጂ ንንየው ዳርጋ ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ማህጸንኪ ብደም ተሓጻጺቡ ይወጽእ።
እዚ ድማ ቁሩብ መዓልቲ ይወስድ።

ነቲ ደም መጽረዪ ኣብ ዱኳናንት ወይ ፋርማሲ ሞዴስ ወይ ታምፖን ኣለኪ።
ሞዴስ እንተ ኮይኑ ኣብ ሞታንታኪ ኢኺ ትሰጥሕዮ።
ታምፖንስ ድማ ናብ ብልዕትኺ ትውትፍዮ።
ምናልባሽ ነዴኺ ወይ ንመሓዛኺ ክሕግዛኺ ሕተትየን።

ሓደ ሓደ እዋን እቲ መድመይቲ ነዊሕ ግዜ ይወስድ እዩ ወይ ድማ ብርቱዕ ቃንዛ ክገብረልኪ ይኽእል እዩ።
ከምዚ ምስ ዘጋጥመኪ ናብ ሓኪምኪ ኪዲ።

ኤች.ኣይ.ቪ ከም ዘለኒ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል፧

እቲ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ብደገ ክትፈልጦ ኣይከኣልን እዩ።
ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ምስ ትገብሪ ጥራይ ኢኺ ክትፈልጢ ትኽእሊ:
ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ኣካላትኪ ኣሎ ድዩ የለን፧

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኬድኪ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
እቲ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ብምስጢርን ብነጻን እዩ።
ዝኽፈል ገንዘብ የብሉን።
ሽም ምንጋር ውን ኣየድልን እዩ።
ሓደ ሓኪም ወይ ሓንቲ ሓኪም ደም ይወስድልኪ።
ኣብ ደምኪ እቲ ቫይረስ እንተሎ ይምርምርዎ።

ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ኣብ ደምኪ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ጸገም የለን ማለት እዩ።
ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ደምኪ እንተ ተረኺቡ ከኣ መድሃኒት ይወሃበኪ።
ኣገዳሲ ነገር:
ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ወይ ኤይድስ እንተ ኣለኪ፡ ምስ ካልእ ሰብ ብዘይ ኮንዶም ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ ኣይግባእን እዩ።
ምኽንያቱ ንኻልእ ሰብ ከተልግብሉ ትኽእሊ ኢኺ።

Text: AWO-Zentrum für Aidsarbeit Schwaben
www.zas-schwaben.de

ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ክሕዘኒ ኣይደልን እየ። እንታይ ክገብር ይኽእል፧ ብኸመይ ከ ክከላኸል ይኽእል፧

ኮንዶም ብግቡእ እንተ ተጠቒምኩሉ፡ ብስጋዊ ርክብ ኤች.ኣይ.ቪ ክሕዘኪ ኣይክእልን እዮ።
ኮንዶም ኣብ ብዙሕ ቦታታት ክትገዚ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ሱፐር ማርኬት፡ ኣብ እንዳ ነዳዲ፡ ኣብ ፋርማሲ

ኣስተውዕሊ: ኮንዶም ኣብ ጸሓይ ክቕመጥ የብሉን።
ኮንዶም ክኣርግ የብሉን።
ኮንዶም ክቕደድ የብሉን።

ምስ ጓል ኣንስተይቲ ኮነ ምስ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ስጋዊ ርክብ ኮንዶም ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኺ።
ኮንዶም ብልዕሊ ብሉዕ መሸኒ ወዲ ተባዕታይ እዩ ዝውደ።
ኮንዶም ጽቡቕ መከላኸሊ እዩ።

ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ወይ ኤይድስ ሓበሬታ ምስ ዝደሊ፡ ንመን ክሓትት ይኽእል፧
ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪን ኤይድስን ሕቶታት ምስ ዝህልወኪ ኣብ AIDSBERATUNGSSTELLEN ወይ ድማ AIDSHILFEN ክትውከሲ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ብዙሓት ከተማታት ድማ ይርከቡ።
ነቲ ትረኽብዮ ምኽሪ ትኸፍልሉ የብልክን። ምስ ካልኦት እውን ብዛዕባ ሕቶታትኪ ዝዛረብ የለን።

Text: AWO-Zentrum für Aidsarbeit Schwaben
www.zas-schwaben.de

ሓኪመይ ኤች. ኣይ.ቪ ወይ ኤይድስ ንዓይ (16) እንተለኒ ሓቲታትኒ። እንታይ እዩ ኤች.ኣይ.ቪ፧ እንታይ እዩ ኸ ኤይድስ፧

ኤች.ኣይ.ቪን ኤይድስን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም።
ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ እዩ።
ቫይረስ ኣብ ነብስኺ ኣይረእን እዩ ከሕምመኪ ከኣ ይኽእል እዩ።
ኤይድስ ድማ በቲ ቫይረስ ክመጽእ ዝኽእል ሕማም እዩ።
እቲ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ሰውነትኪ እንተ ጸኒሑ ኤይድስ ክሕዘኪ ይኽእል እዩ።
ኤይድስ ክሓዊ ዘይክእል ቀታሊ ሕማም እዩ።

ንኤች.ኣይ.ቪ ግን ጽቡቕ ምድሃኒት ይርከቦ።
እቲ መድሃኒት ምስ ትወስዲ፡ እቶም ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ እንዳ ወሓዱ ይኸዱ።
ንሰብ ከኣ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ከተላግብሉ ኣይትኽእልን ኢኺ።
እቲ ሕማም ኤይድስ ከኣ ኣይሕዘክን እዩ።
እቲ መድሃኒት እንዳ ወሰድኪ ንነዊሕ እዋን ክትነብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብ ጀርመን ነቲ መድሃኒት ባዕልኺ ምኽፋል ኣየድልየክን እዩ።
እቲ ናትኪ ናይ መድሕን ትካል እዩ ነቲ መድሃኒት ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ዝኸፍሎ።
ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ንመን ብዛዕባ እዚ ክነግሩ ከም ዘለዎም ባዕሎም እዮም ዝውስኑ።
ካልኦት ሰባት ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎም ንኻልእ ሰብ ምንጋር ግን ኩልኩል እዩ።

ካብዞም ዝስዕቡ ነገራት ምጥንቃቕ የድልየኪ:

  • ብዘይ ኮንዶም ስጋዊ ርክብ ኣይተዘውትሪ (ስጋዊ ርክብ ብብልዕቲ ኮነ ብመዓኮር)
  • ሓሹሽ ኣይትወግኢ፡ ብዝተጠቕመ መርፍእ ምጥቃም ሓደገኛ እዩ። ዝተጠቕመ መውግኢ ድማ ንኻልእ ሰብ ኣይትሃቢ።
  • እንተ ደኣ ደም ወጺእኪ ወይ ጥባሕ ቁስሊ ኣብ ነብስኺ ኣለኪ፡ ናይ ካልእ ሰብ ደም ብቁስልኺ ከይኣቱ ተጠንቀቒ።

Text: AWO-Zentrum für Aidsarbeit Schwaben
www.zas-schwaben.de

ኣን ጓል 17 ዓመት ጓል እየ። ሓኪመይ ክንሽብቲ ድየ ኣይኮንኩን ሓቲታትኒ። እንታይ ማለታ እያ፧

„ምኽንሻብ“ ማለት ሓደ ክፋል ካብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ይቑረጽ ማለት እዩ።
ቩልቫ ማለት ብምልኡ ክፋላት ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ማለት እዩ።.
ምናልባት ቆልዓ ከለኺ ተኸንሺብኪ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ምናልባት ኣይትዝክርዮን ትኾኒ።

ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ „ኣከናሽባ“ እዩ ዘሎ:
ሓደ ሓደ ግዜ ንእሽቶ ክፋል ብልዕቲ ይቑረጽ።
እዚ ክፋል „ክሊቶሪስ“ ክኸውን ይኽእል እዩ፡
እዚ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ናይ ብልዕቲ ይርከብ።
ወይ ውን „ቅንጢር“ ክኽውን ይኽእል እዩ:
እዚ ኣብ ጫፍ መእተዊ ብልዕቲ ዝርከብ ቆርበት እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ እታ ብልዕቲ ይሽፍንዋ እዮም።
እዚ ማለት እቲ ቅንጢር ይዕበ ይንኣስ ኣላጊቦም ይሰፍይዎ እሞ ንመሸኒን ንደም መውጽእን ዝኸውን ንእሽተይ ከፋይ ይገድፉሉ።

ምናልባት እዚ ንዓኺ ንቡር ክኸውን ይክእል እዩ፡ ስለዚ ድማ እቲ ሕቶ ናይታ ሓኪም ዘተረደኣኪ።
ኣብ ጀርመን ብዙሓት ደቀንስትዮ „ክንሹባት“ ኣይኮናን።
ስለዚ እያ እታ ሓኪምኪ ሓቲታትኪ።
ኣብ ጀርመን ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ክልኩልን የቕጽዕን እዩ።
እዚ ማለት ንጓል ዝኽንሽቡ ዓበይቲ ሰባት ጌጋ ይገብሩ ኣለዉ ማለት እዩ።

ምኽንሻብ ኣብ ጥዕና ደቀንስትዮ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ኣድራሻ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
http://www.imma.de/einrichtungen/wuestenrose.html

ኣነ ወዲ 15 ዓመት ወዲ ኢየ። ከም ዝመስለኒ ን ሓደ ወዲ ፈተዮ ኣለኹ። እዚ ኩልኩል ድዩ፧ እንታይ ክገብር ይኽእል፧

ሰብ ምፍታው ጽቡቕ ስምዒት እዩ ኣብ ጀርመን ድማ ንመን ብዘየገድስ ፍቑድ እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ሓንቲ ጓል ንኻልእ ጓል ተፍቅር።
ሓደ ሓደ እዋን ድማ ወዲ ንኻልእ ወዲ የፍቅር።
እዚ ጸገም የብሉን።
ኩልኩል ውን ኣይኮነን፡፣

ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራትን ሃይማኖትን ሓጢኣት ምዃኑ ሰባት ይዛረቡ።
ምናልባት ብሰንኪ እዚ እውን ስሚዒትካ ሕማቕ እዩ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።
ምናልባት ብሰንኪ እዚ እውን ከተፍቅር ኣይትደልን ትኸውን።
ሓደ ነገር ክትፈልጦ ዘለካ ግን፡
ስምዒታትካ ተፈጥራዊ ባህርያት ድኣምበር ሓጥኣት ከምዘይኮነ ክንሕብረካ ንፈቱ።
ስምዒታቱ ባዕሉ ክመርጽ ዝኽእል ሰብ የለን።
ስለዚ ስምዒትካ ሕማቕ ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ነገራት ንሰብ እንተ ገሊጾም ይፈኽሶሎም።
ንሰብ ብዛዕባ እዚ ምንጋር ግን ቀሊል ኣይኮነን ብዙሕ ሓቦ ውን ይሓትት።
ምናልባት ንተኣምኖ ሰብ ብዛዕባ ምፍቃር ወዲ ከተዕልሎ ትኽእል ኢኻ።
ኣብዚ መርበብ ኢንተርነት ዘድሊ ሓገዝ ትረክብ ኢኻ: www.sextra.de

ወዲ ሓትነይ (22 ዓመት ዘለዎ) ንዓይ (ጓል 13 ዓመት) ኣብ መንጎ ኣስላፈይ ተንኪፉኒ። ከምዚታት ኣይደለኹን ኣነ። ስለዚ እንታይ የጋጥም ንሰብ እንተ ነጊረ፧

ወዲ ሓትነኺ ከምዚ ክገብር ኣይግባእን ኢዩ።
ኣብቲ ናይ ክብረትኪ ቦታ ክትንክፈኪ ዝፍቀዶ ሰብ ዋላሓደ የሎን።
ጓል ዲያ ወዲ ብዘየገድስ።
ኣብርእሲኡ ድማ ህጻን ኢኺ።
ኣብ ጀርመን እዚ ተግባር ኩልኩል እዩ።
ምስ ዓበኺ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ መን ክትንክፈኪ ይኽእል።

እዚ ጉዳይ ን ኣላዪኺ ክትነግርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ሓገዝ ክገብሩልኪ ይኽእሉ ኢዮም።
መታን ካልኣይ ግዜ ከምዚታት ከይድገም።
ኣብ ኣማኸርቲ ኪኢላታት ኬድኪ ውን ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣገዳሲ ነገር ግን፡
ናትኪ ጌጋ ኣይኮነን
ትቕጽዕሉ ምኽንያት የብልክን
ወዲ ሓትነኺ ውን ክቕጻዕ ይኽእል ኢዮ እንተ ደኣ ደሊኺ።
ኣብ ፖሊስ ኬድኪ እንተ ኸሲስክዮ ማለት እዩ።
ብዛዕባ እዚ ውን ኣማኸርቲ ክተሓባበሩኺ ይኽእሉ ኢዮም።

ኣነ ወዲ 14 ዓመት እየ። ሓደ ኣላዪየይ ኩሉ ግዜ ክስዕመኒ ይደሊ። ኣነ ግነ ከምዚታት ከፈንፍነኒ መዓይ እዩ። ስለዚ እንታይ ክገብር ይኽእል፧

ኣላዪኻ ክስዕመካ ኣይፍቀድን እዩ።
ኣብዚ ሃገር ክሕገዙ ዘለዎም ሰባት ክትጥቀመሎም ኣይፍቀድን እዩ።
ክሕገዙ ዘለዎም ሰባት ማለት፡
ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ሓገዝን ክንክን የድልዮ።
ስለዚ እዚ ኣላዪ ጌጋን ኩልኩል ነገርን ጌሩ።
እስኻ ክትሰዓም ከምዘይትደሊ ሓብሮ።
እዚ ንሱ ክኽበሎ ናይ ግድን እዩ።

እንተኣብዩካ ሓገዝ ድለ።
ንካልእ ኣላዪ ወይ ኣላዪት ወይ ወኪል ስዳራኻ ሓብር።
እሳቶም ውን እንተዘይሓጊዞምኻ ካልኦት ሰባት ድለ።
ክሳብ ዝኾነ ሰብ ዝሕግዘካ።

እቲ ቐንዲ ነገር ግን፡
ስሚዒትካ ቅቡል እዩ
ብሰንኪ እዚ መቕጻዕቲ የብልካን
ኣይደልን ክትብል መሰልካ እዩ።

ሰብ ብስጋዊ ርክብ ተጋሲሱኒ። መን ክሕግዘኒ ይኽእል፧

ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ሃገር መንእሰያት ይሕግዙ።
ኣብ ናይ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ይሰርሑ።
ማህረምቲ ምስ ዝወርደኩም ውን ይሕግዝኹም እዮም።
ኣብ ናይ ስጋዊ ርክብ በደላት ውን ይተሓባበሩ።

እቲ ምኽሪ ብነጻ ኣገልጉሎት እዩ።
ምሳኻ ኮይኖም እቲ ዘሓሸ ፍታሕ የናድዩ።

ኣብዚ ኣድራሻ ድማ ትረኽቦም
http://www.zanzu.de/de/hilfe

https://www.hilfeportal-missbrauch.de/nc/adressen/hilfe-in-ihrer-naehe/kartensuche.html?tx_nxshelpdesk_helpdesk[institutionType]=21
ኣብዚ ኣድራሻ ናይ መናእሰያት ስደተኛታት ኣማኸርቲ ውን ኣለው።
እዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ ግን ብጀርመን ጥራይ እዩ።

መብዝሕቲኡ ግዜ ድማ ቆጸራ ክትገብሩ ኣለኩም።
ሰብ ክሕግዘኩም ይኽእል ተኾይኑ ሕተቱ። ብዙሓት ኣተርጎምቲ ሒዞም ይመጹ እዮም።
ኣቶርጓሚ ተዘይብልካ፡ ቋንቋ ዝኽእል ሰብ ሒዝኪ ኪዲ።